- Details
- Written by: ውለሽ ኣረጋይ፣ ጠዓመ በየነ
- Hits: 744
ጓልና ሰናይት ጠዓመ በየነ፣ ኣብ ሰዊት ዕድመኣ ብሓደጋ ብዕለት 27.02.2021 ኣብ ካርልስሩሀ ሃገር ጀርመን ዓሪፋ። ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ንዕለት 11.03.2021 ሓሙስ መዓልቲ ካብ ሰዓት 10፡15 ጀሚሩ ክሳዕ 11፡00 ኣብ Große Kappelle Hauptfriedhof Karlsruhe Haid-und-Neu-Straße 39፡ ጸሎተ ፍትሓት ክካየድ እዩ። ስዒቡ ሰዓት 11፡15 ሓመድ ኣዳም ትለብሰሉ ኣብ መቓብር ካርልስሩሀ Hauptfriedhof Karlsruhe እዩ።
ሓብሬታ፡
ካብ ባንሆፍ (Hauptbahnhof) ንቫልድሽታት (Waldstadt) ገጻ እትጓዓዝ ትራም ቊ. 4 ወሲድኩም/ክን ኣብ መዓርፎ-ትራም Hauptfriedhof ትወርዱ/ዳ። እቲ መቓብር ካብኡ 70 ሜተር ንጸጋም እዩ።
መተሓሳሰቢ
ብምኽንያት ኮቪድ 19 (ኮሮና) ዝተዋህበ መምርሒ መሰረት፡ ኣብ ግዜ ፍትሓት ክሳተፉ/ፋ ዝፍቀድ ብቁጽሪ ዝተወስነ ጥራሕ ስለ ዝዀነን ምምዝጋብ ስለ ዝግባእን፡ እቲ ምዝገባ’ውን ስለ ዝዓጸና፣ ኹልኻትኩም ቀበርትና ካብ ሰዓት 11፡15 ኣብ ሓመድ ድበ ንኽትሳተፉ ንላቦ። ሓደራ መሸፈን ኣፍን ኣፍንጫን ኣይትረስዑ።
ውለሽ ኣረጋይ
ጠዓመ በየነ
ምስ ምሉኣት ስድራ ቤት
- Details
- Written by: ደግሓኤ
- Hits: 772
“ናይ ሓዘን መግለጺ“
ዜና ዕረፍቲ ክቡር ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ምስ ሰማዕና መሪር ሓዘን ተሰሚዑና፣ ኣብዚ እዋን እዚ መስዋእቲ ሓርበኛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ዓቢ ክሳራ ንደንበ ፍትሒ ኤርትራ ብዓቢኡ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።
በዚ ናይ መሪር ሓዘን ኣጋጣሚ ድማ ብስም መላእ ኣባላት ውድብና ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ሓዘና እንዳገለጽና ንመላእ ስድራ - ቤቱን፣ ቤተ-ሰቡን፣ ኣዕርኹቱን መቓለስቲ ብጾቱን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል፣ ንሓርበኛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ከኣ ልኡል ኣምላክ ኣብ ገነቱ ይቀበሎ፡ መንግስተ-ሰማየት የዋርሶ።
ናይ መሪር ሓዘንኩም ተኻፈልቲ፡
ደግሓኤ፡
የካቲት 20/2021።
- Details
- Written by: ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
- Hits: 772
ቃል ሓዘን
ብዜና ዕረፍቲ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ መሪር ሓዘን ከም ዝተሰምዖም ይገልጹ።
ውፉይ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምስላፍ ንናጽነት ኤርትራ ዝተቓለሰን፡ ምስ ብጾቱ ዓበይቲ ሰውራዊ ቅያታት ዝሰርሐን ተጋዳላይ እዩ ነይሩ። ምልካዊ ስርዓት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጠሊሙ ግዳይ ግፍዓዊ ተግባራቱ ኣብ ዝገበሮ ከኣ፡ ኣንጻር ምልኪ ወጊኑ፡ ንፍትሕን ንሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ከይተሓለለ ዝተቓለሰ እዩ።
ክቡር ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እናነበረ እንከሎ፡ ብሕማም ምኽንያት ካብ እዛ ዓለም ብመስዋእቲ ብምፍላዩ ምዕራፉ፡ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ብሩህ እዩ።
ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምስ’ቲ ብዕረፍቲ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ዝተሰምዖም ከቢድ ክሳራ እንዳገለጹ፡ ናይዚ መሪር ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃኖም ይገልጹ። ንስዉእ ኣምባሳደር መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ ንስድራቤቱ፣ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ንመላእ ደምበ ተቓውሞን ከኣ ጽንዓት ይሃብ።
ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
- Details
- Written by: ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ
- Hits: 760
بقلوب مؤمنة بقضاء الله وقدره، يحتسب المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي عند الله المناضل والنقابي الكبير / آدم إدريس هاسري الذي لبى نداء ربه يوم الأربعاء الموافق 6 يناير 2021 ف
ي مدينة القاهرة بجمهورية مصر العربية.الفقيد من قدامى مناضلي الثورة الإرترية ونقابيا بارزًا في صفوف الاتحاد العام لعمال إرتريا، وأفنى عمره كله في خدمة الشعب الإرتري وقضاياه العادلة. كان الفقيد الكبير عضوًا في الأمانة العامة بجبهة الثوابت الوطنية الإرترية، والذي مثل تنظيمه في تأ
سيس المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي في نوفمبر 2011، وأصبح عضوًا في الجهاز التشريعي للمجلس الوطني.
Read more: إرتريا تودع المناضل والنقابي الكبير آدم إدريس هاسري
- Details
- Written by: ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
- Hits: 832
Read more: ቃል መሪር ሓዘን ብምኽንያት ዕርፍቲ ሃገራዊ ጋዜጠኛ ብርሃነ ወልደገብርኤል (ሱዳን ናው)
ዓቢ ኤርትራዊ ጋዘጠኛን ሓርበኛ ተቓላስን ኣቶ ብርሃነ ወልደገብሪኤል ብዝሓደሮ ከቢድ ሕማም ብሰኑይ ዕለት 26/10/2020 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና።
- Details
- Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ
- Hits: 886
ኣዜብ ጓል ኣቦይ ዘሚካኤል ዋዕሮ‘‘ኣፋንዉኑ ዶ ኾነ ኣብዛ ተካል እዋን‘‘ሰለ ዝጨርሑ ኤርትራ ንኤርትራዊያን‘‘ከም ኩሎም ሐመድ ዓዶም ዝሐረሞም ሃገራዊያን‘‘ሐመድ ድበኺ ኣብ ሃገር ጀርመን‘‘ኣዜብ ኣብ ቁርን ጸሐይን‘‘ምልኪ ይፍረስ ዝጨረሔት‘‘ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ዝኾነት ኣብነት‘‘ዓለም ኣርኪባታ ሐርነት ከረኣየት‘‘ነጻነትና ብምልኪ ስለ ዝተተከኤ‘‘ ትም ዘይበለት ህዝቢ እንዳ ጠፍኤ‘‘ምስ ዓበይትን ናእሽቱን ኣብ ኩሉ ትረኤ‘‘ኣዜብ ዓቕለኛ‘‘ኢዳ ዘይሃበት ንለኹመኛ‘‘ ልሳን ህዝባ‘‘ኣብ ጊሰን ጀነቫ ዝተራእየት ኣብ ቦሎኛ‘‘
- Details
- Written by: Super User
- Hits: 921
ብመስዋእቲ ብጻይና ገዲም ተጋዳላይ ዘርኢሰናይ ተወልደ ቀላቲ ፣ዝተሰምዓና ሓዘን ወሰን የብሉን። ብጻይና ዘርኢሰናይ ምእንቲ ናጻነትን ሓርነትን ሃገሩ ብጅግንነት ዝተቓለሰን፡ ቀጺሉ እውን ደኺመ ከይበለ ንፍትሓውን ሓርነታውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብቆራጽነት ክቃለስ ዝጸንሐ ሓርበኛ ብጻይ ኢዩ። ብጻይ ዘርኢሰናይ ብጸንዓት ዘተቃለሰሉ ዕላማ ክውን ንምግባር ብምሉእ ሕልናን ጻዕርን ኣብ መዕረፊኡ ንመብጻሕ ቃልሰና ቀጻሊ ኢዩ።
ንብጻይና ዘርኢሰናይ መንግስተ ሰማያት የዋረሶ፣ ንሰድራቤቱን ብጾቱን ጽንዓት ይሃቦም።
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ዞባ ካናዳ
- Details
- Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ ።
- Hits: 976
ንናጽነት ኤርትራ እናተቓለሰ ዝዓረፈ ተጋዳላይ ዘርእሰናይ ተወልደ ቀላቲ
ንህዝቡን ሃገሩን ምሉእ ዕድሚኡ ኣብ ዘገልግለሉ ህሞት፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዝሓደሮ ከቢድን መሪርን ሕማም፡ ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ምፍላዩ ብመርድእ ምስ ሰማዕና፣ ከም ኩሎም ስድራ-ቤቱን ምሉኣት ፈተውቱን፣ንሕና ብጾውን ኣዝዩ ከቢድን ዓሚቝን ሓዘንንርከብ። ንሕና ብጾቱ ኣባላት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ።
ብጻይ ዘርእሰናይ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ጸጥታን ተመዲቡ ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ሃገር ስደት ኣውን ኣብ መስርሕ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምህናጽን ምንጋስ ፍትሕን ካብ ምቅላስ ግዲኡ ዕዙዝ እዩ። ኣብ ስደት ንምስውህሃድ ምሕዝነትን ንምሕያል ባይቶን ኣብምቅላስ ክሳብ ጉባኤ ባይቶ ኣብ ሃዋሳን ተሳቲፉ እዩ።