- “የለኻን ንዝበለካ ኣይተፈጠርካን በሎ”
- ርዝነት ፖለቲካ፡ ብህዝባውነት፣ ፍትሓውነት፣ መትከላዊ ጽንዓት፣ ተወፋይነት’ዩ ዝስፈር።
- ናባና እተዉ እምበር ሓቢርናን ተዳጋጊፍናን ንቃለስ ዘይብል እምነት ናበይ ዘምርሕዩ !
- ሕሉፋት ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምፍጻሞም ሓቂ ሎሚ ምስ’ቶም ናይ ሽዑ ገበነኛታት ደቆምን ደቂ-ደቆምን ተመሓዚኻ ህዝቢ ምጽናትከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?
- Tel Aviv – Eritrean regime plans a ‘festival’ on Saturday – despite warnings of clashes
- Three key points about the Gabon coup
- Disguised as cultural festivals: Eritrean government spreads war propaganda with Kalashnikovs and calls for genocide
- መሪሕ ቀላሲ ፖለቲካን ተባዕ ናይ ተግባር ሓይልን ይናበቡ ይተሓባበሩ
- ፋሽሽትነት ገበን ‘ምበር ጀግንነት ኮይኑ ኣይፈልጥን
- ዝተረደኦን ዝተወደኦን’ዩ
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
- Hits: 16
ኣብ ኤርትራ ንፖለቲካዊ ተፈጥሮ ፈራሕ ጨካን እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ ኣብ ምልላይ ነዊሕ ግዜ’ዩ ወሲዱ። ሕጂ’ውን ውሑዳት ዘይኮኑ ወገናት ካብ’ቲ ዝተዛበዐ ኣረኣእያ ሓራ ኣይወጽኡን። እታ ሃገር ምስ ዝመጸትሉ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእታዊ ቃልስን ኣብኡ ዝተኸፍለ ዋጋን ዝነበረ ምረትን ብምትእስሳር፡ ኣደራዕ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንቋዕ ኣልገሰ’ምበር ዘቤታዊ መግዛእትስ ሓላል’ዩ ብዘስምዕ ዝተቐበሉ ኣለው’ዮም። ጠንቅን ሳዕቤንን መንገዲ ዓወትን ውድቀትን ዘርኢ ብቑዕ ቀላሲ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዓዂኹ ስለ ዘይወጽአ፡ ፖለቲካዊ ሽግር ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝንጸር ተደዋዊሱ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
- Hits: 20
ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝበሃል፡ ኣብ ህዝባዊ ሰላም፡ ህዝባዊ ደሞክራሲ፡ ህዝባዊ ልምዓትን ዕቤትን፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ልክዕ ዝኾነ ሚዛናዊ ርድኢት ምስ ዝተሓዝ’ዩ። እዞም ኣገደስቲ ረቛሒታት እዚኣቶም ብህዝቢ ክውነኑ’ሞ፡ ልኡላውነት ህዝቢ ምሉእ ንምሉእ ብዘተኣማምን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ዝኸውን ቀጻልነት ዘለዎ ኣስተምህሮ ምስ ዝወሃብ’ዩ። ወዲ-ሰብ ካብ ተፈጥሮ ድዩ ሰብ ዝሰርሖ ጸልማት ናብ ብርርሃን ክወጽእ፣ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ተናጊፉ ዝሓሸን ውሑስን ማሕበራዊ ህይወት ክረክብ’ዩ ዝምነ። ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ድሑር ኣተሓሳስባ ናብ ዝማዕበለ ስልጡን ኣተሓሳስባ፡ ካብ ዓዘቕቲ ድኽነት ናብ ዝጭበጥ ልምዓታዊ ዕቤት፡ ካብ ኣድልዎን ዓፈናን ናብ ዘተኣማምን ማሕበራዊ ፍትሒ ብኸመይ ክበጽሕ ይኽእልን ግን፡ ነቲ መንገዲ ኩሉ ብማዕረ ዝርደኦ ኣይኮነን። እቲ ተረዲእዎ ዝበሃል’ውን ብሓደ ግዜን ብምልኣትን ኣይውንኖን።
Read more: ርዝነት ፖለቲካ፡ ብህዝባውነት፣ ፍትሓውነት፣ መትከላዊ ጽንዓት፣ ተወፋይነት’ዩ ዝስፈር።
- Details
- Written by: ተኽሉ ቀሺ
- Hits: 39
ተሞክሮ ሰውራ ኤርትራ ከም ዘራጋግጾ ሕቶ ሓድነት ማእከላይ ዕላማና’ዩ እናተባሃለ ኣብ ተግባር ግን ውድባት ኤርትራ ጸረ-ገድሊ፡ዓማ ሓራዲት ቀንጻሊት እናተባሃሃላ እየን መጺኤን ፡፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ክልተ ዓበይቲ ውድባት ዝነበራ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን «ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይጻውርን’ዩ »ዝብል ጸረ-ደሞክራሲ’ዩ ነይሩ ፡፡ዋላኳ ኣብ ናይ ተሓኤ ኣብ ካልኣይ ሃ/ ጉባኤ እቲ ጸረ-ሰውራ ዝብል ጌጋ ምዃኑ እንተተገምገመ ኣብ ባይታ ግን እቲ ሽም እናተጥቕማሉ እየን ቀጺለን፡፡
Read more: ናባና እተዉ እምበር ሓቢርናን ተዳጋጊፍናን ንቃለስ ዘይብል እምነት ናበይ ዘምርሕዩ !
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
- Hits: 28
ኤርትራዊ ሃገርነት ክውን ብምግባር ጨካናት ገዛኢት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ፡ ኢ-ሰብኣውን ኢ-ሞራላውን ተግባራት ሓንሳእን ንሓዋሩን ብሓይልን ብሕግን ቀቢርካ፡ መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰላት ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ብድምር 50 ዓመት ዝወሰደ ሰላማውን ደማውን ቃልስን ኣብኡ ዝተኸፍለ ሰብኣውን ነዋታውን ክቡር ዋጋ ረሲዕካ፡ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ምሕረት ሓደ ህድግለነ ዘይብሉ ብደም ሰብ ዝሰኸረ ሰብ ምስጋድ ምብርካኽ ምስተራእየ፡ ንለባማት ንቡር ይጠፍእ ዘይንቡር የመጽእ ከም ዘሎ ብሩህ ነይሩ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ (ደግሓኤ)
- Hits: 75
ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገርነት ብቐጥታ ምስ መግዛእታዊ ታሪኽ ዝተኣሳሰር፡ ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዝሓለፈ፡ ብእምቢታ ቃልስን መስዋእትን ብመንገዲ ህዝበ ውሳኔ (ረፈረንዱም) ሃገራዊ ልኡላውነቱ ክውን ብምግባር፡ ኣካል ልኡላውያን ሃገራት ዓለም ከም ዝኾነ ኣየካትዕን። ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገርነት ብቐጥታ ምስ መግዛእታዊ ታሪኽ ዝተኣሳሰረዩ ክበሃል እንከሎ፡ ብውሽጣዊ ምዕባለ ዘይኮነ ብግዳማዊ ሓይሊ ማለት ብመግዛእቲ ጣልያን ዝተወልደ፡ ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ዝረኸበ ካርታ ሃገርነት ከም ዝጀመረን ንምርዳእ’ዩ። ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዝሓለፈ ክበሃል እንከሎ፡ ቅድሚ 1890 ኣብ ናይ ሎሚ መሬት ኤርትራ ኣትዮም ዝነበሩ፡ ከም ቱርኪ፣ ግብጺ፣ ፖርቱጓል፣ ማህዳውያን፣ መሳፍንቲ ትግራይ ከይሓውስካ፡ ብመግዛእታውያን ስርዓታት ጣልያን፣ እንግሊዝ፣ ኢትዮጵያን ብምፍርራቕ ከም ዝተገዛእና ንምርግጋጽ’ዩ። ብእምቢታ ቃልስን መስዋእትን ክበሃል እንከሎ ከኣ፡ ብወሳኒ መልክዑ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብእንግሊዝን መሓዙታን ተሳዒሩ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ መግዛእታዊ ምሕደራ ተሓዲጉ ምስ ወጸአን ኤርትራ ብውሳኔ ሓያላን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ን10 ዓመት ክትጸንሕ ድሕሪ ዝተወሰነ ዓማጺ ብይን ክሳብ ምግባር ህዝበ ውሳኔ (ረፈረንዱም) 1993 ዝነበረ ነዊሕ ናይ ምርብራብ መስርሕ፡ ኣብኡ ዝተኸፍለ ኩለ-መዳያዊ መስዋእቲ፡ ዝተመዝገበ ሃገራዊ ሓርበኛዊ ጀግንነት፡ ዝተፈጥረ ጥሙር ሃገራዊ ስምዒትን ብጥቕልሉ ንምምልካት’ዩ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ (ደግሓኤ)
- Hits: 81
ጀግንነት ካበይ ይምንጩ ዘይፈልጡ ሰባት፡ ገበናዊ ተግባር ጀግንነት’ዩ ዝመስሎም። ገዛእ ርእሶም ሓራ ኣብ ዘይወጽእሉ፡ ኣብ ዘይፈልጥዎን ኣብዘየርበሖምን ኣጀንዳ ወፊሮም ብዝፍጽምዎ ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ጨካን ፋሽሽታዊ ተግባር፡ ከይተሰከፉ መን ከማይ፡ መን ከማና ኢሎም ይፍክሩ። ንምንታይ ዕላማ? ንመን ረብሓ? በየናይ ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ከይሓተቱን ከይፈለጡን ዝኾነ ሕቶ ርእይቶን ኣይፍቀድን፡ ጠምየ ሓሚመ ቦታ የብሉን፡ ተዳሎ ተበገስ፡ ተኩስ ቅተል፡ ዝረኸብካዮ ኩሉ ዝመት ኣዕኑ ኣቃጽል ተባሂልዎም ስለ ዘተግበሩ፡ ኣብ ክንዲ ዝሕብኡ ዝሓፍሩ ኣብ ቃልዕ ወጺኦም ይፍክሩ ይጀሃሩ። ንትርጉም ሓቀኛ ጀግንነት ከዛብዑ ከራኽሱ ከም ዝዓበደ ከልቢ ተዓዊትና ኢሎም ይነብሑ። “ንሕና ንድክር ንስዕር” እናበሉ መሬት ኣይትኹንና ይብሉ። ምስ መን ተዋጊእኩም፡ እንታይ ገይርኩም፡ ኣበይን መዓስን ስዒርኩም ንዝብል ሕቶ ግን ዘእምን መልሲ የብሎምን።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ (ደግሓኤ)
- Hits: 396
መጀመሪያ ‘ዚ “ዝተረደኦን ዝተወደኦን’ዩ” ዝብል ብዙሕ ከዛርብ ዝኽእል ክልተ ቃላት፡ ኣምለኽቲ ኢሳያስ ኣብ ጊሰን ሃገረ ጀርመን ንዝወደብዎ ናይ ፕሮፖጋንዳ ፈስቲቫል ንምብርዓን ኣብ ዝተገብረ ተቓውሞ፡ ካብ ገለ ኣባላት “ብርጌድ ንሓመዱ” ዝሰማዕክዎ ምኳነይ ክገልጽ እፈቱ። ከምእ’ውን ብርጌድ ንሓመዱ ነቲ ብተግባር ዝዛረብ ዝኸፍልዎ ዘለው ክቡር ዋጋ ዘለኒ ኣኽብሮት ከረጋግጽ እደሊ። ንፖለቲካዊ መንነት እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኢሳያስ ከቃልዑ፡ መደባቱ ከፍሽሉ፡ ገንዘባዊ እቶት ከይረክብ ክዓጽው፡ ንኣሽበርቲ ኣምለኽቱ በቲ ዝርደኦም ቋንቋ ገጢሞም ብተግባር ከርዕዱ፡ ብዙሕ ገንዘባዊ ወጻኢታት ገይሮም ካብ ርሑቕን ቀረባን ተኣኻኺቦም ዝኸፈልዎን ገና ዝኸፍልዎ ዘለውን ናይ ማህረምቲ፣ መስበርቲ፣ ማእሰርቲ ከቢድ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዋጋ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ናይ ክብሪ ቦታ ክሰፍሩ ዘለዎም ፍሩያት ተግባራት ብምዃኑ ሓበን ይሰማዕኩም ክብሎም እደሊ።
- Details
- Written by: Editor-in-chief
- Hits: 108
እቶም ኣብ ትሕቲ ጭቆና ህግደፍ ዘለኹምን ካብኡ ዘምለጥኩምን ኤርትራውያን ደስ ይበልኩም። እቲ ንፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ጊዘን ምስልሳሉ ንከብቕዕን ከም ዝእገድ ንምግባሩን ዝዓለመ፡ ንነዊሕ ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ሰላማዊ ሰልፊታት፡ እነሆ ሎሚ በቲ ንቃልሲ ሳዳታቱን ኣያታቱን ዘቐጸለ መንእሰይ፡ እቲ ዝተሓለነ ሸቶኡ ክወቅዕ ገቢሩዎ ኣሎ። መቓልሕን መሓዙታ ኤርትራውያን ሲቪላውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ድማ እቲ ዳርጋ ካብ 2011 ዝጸዓርናሉ ግን ዘይተዓወትናሉ፡ እንቛዕ ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ በጺሑ ክንርኢ ገበርኩም። ኣብ ዝቕጽል መደባት እውን ኣብ ምትሕብባርኩም ምህላዋ መቓልሕ ተረጋግጽ።
ብዘይካ እተን ‘ኣብ ጎድኒ ሰራዊትና’ ብዝብል ምስ ህግደፍ ዝወገና ገለ ከም ተቓዋሚት’የ እትብል ኣኣኤን መድያ ነትዎርክ (AAN MEDIA NETWORK)ን ባዕላ እታ እንኮ ኤሪ ቲቪ (ERI TV)ን ዝመሰላ ኤርትራያን ማዕከናት እንተዘይ ኰይነን ካልኦት ንኣሽቱ ይኹና ዓበይቲ መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጣታትን ራድዮ-ማዕከናትን መጽሔታትን ዓለም እውን ሳላ ምዑት ቃልሲ መንሰያት “ብርጌድ ንሓመዱ” ንሓቀኛ መንነት ጉጅለ ህግደፍ እናቃልዓ ዜና ምሃበን ቀጺሉ እዩ። ኣብ መንጎቲ ንመሰል “ምክያድ ሕፍረት-ፈስቲቫል ሓራዲ ህግደፍ” ንምርግጋጽ ዝተኸላኸለ ሰራዊት ፖሊስ ጀርመንን ብምሒር ሕርቃን ዝተጻዕኑ መንስያትን ዝተራእየ ጐንጺ ዝተሓወሶ ኣገባብ ክኹነን ዝግብኦ ኢዩ። ይኹን’ምበር ንሓደ “ናይ ኣፍሪቃ ስሜን ኮረያ” እናበሉ ባዕላቶም’ውን ከይተረፈ ዝገልጽዎ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ሃገር ጀርመን “ሰላማዊ ሰልፊ ኪገብር መሰል ኣለዎ” ብማለት ዝፈቐዱ ኣብያተ ፍርድታት ጀርመን’ውን ሓላፍነት ኣለዎም እብል።
Read more: ደሞራሲያዊ ኣረኣእያ ምዕራባውያን፡ ሎምስ መትሓዚ ዝበሃል’ዃ ተሳኢኑዎ። ኣዝዩ ዘሕጉስ ውጽኢት ወፍሪ ‘መንሰያት ኤርትራውያን ኣብ ሰላማዊ...