ጀርመን ንኤርትራውያን ዝምልከት ዘጽደቐቶ ሓድሽ ሕጊ
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣገደስቲ ሰነዳት መገሻ ንምርካብ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ መረጋገጺ ወረቐት ከቕርቡ ዘገድድ መስርሕ፡ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ጀርመን ውዱቕ ከምዝገበሮ ተገሊጹ።
መንግስቲ ጀርመን፡ ናብታ ሃገር ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣትዮም ዑቕባ ንዝሓተቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ከምኡ'ውን ብመስርሕ 'ምትእኽኻብ ስድራቤት' ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣባላት ስድራኦም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ንዝደልዩ ኤርትራውያን፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ፖስፖርትን ካልእ መሰነይታ ሰነዳትን ከምጽኡ ከምዘለዎም ከገድድ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ጀርመን’ውን እንተዀነ፡ እቶም እታ ዓዲ እትደልዮ ግቡኣት ኣማሊኦም ዜግነት ናይ ጀርመን ክወስዱ ዝግባኦም ኤርትራውያን፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ሰነዳት ከምጽኡ ከምዘለዎም ስለዝሕበሮም፡ ንጉዳዮም ብጠበቓ ንኽማጐቱ ናብ ዘየድሊ ወጻኢታት ክቃልዑ ምጽንሖም ዝሕብሩ’ውን ኣለዉ።
ኣብ ሚያዝያ 2021 ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ነቲ መንግስቲ ጀርመን ብዝኽተሎ ተሪርን ዘየድልን ሕግታት ኣብ ጸገም ብምውዳቘም ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዶም ዝዝከር ኰይኑ፡ ቅድሚኡ’ውን ነቲ ጸገማት ንምፍታሕ ካብ ኣብያተ ፍርዲ ክሳብ ኣብ ጐደናታት ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ ጥርዓናቶም ከቕርቡ ጸኒሖም'ዮም።
ኤርትራዊ ክኢላ ሕጊ፡ ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ መኮነን ምስ ስጳኛዊት ሳራ ፓላሲዮስ ኣራፒለስን ብሓባር ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ሓደ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ኣዳልዮም ነይሮም።
መልእክቲ መሪር ሓዘን ጽንዓትን
ኩቡራት ስድራ ቤት ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ስዉእ ብ/ኣለም ገብረሚካኤል
ኩቡራት ናይ ቃልሲ ብጾትን ፈተውቱን ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ወሳንን ተኣፋፍን መድረኽ ንጅግና ፈታው ህዝቡን ሃገሩን ብዓል ንጹር ህዝባዊ ድሞክራስያዊ መስመር ወዲ ህዝቢ ብጻይ ኣለም ምስኣንና ኣዝዩ መሪር ሓዘን ይሰምዓና።
ሓርቦኛ ብጻይ ኣለም ኣብ ግዜ ንኡስ ኦድሚኡ ኣብ ሰውራ ዝተጸንበረ ክሳብ ዕለት መስዋእቱ ናይ ቃልሲ ጾሩ ከየውረደ ገንዘቡን ፍልጠቱ ሂወቱን፡ከይበቐቐ ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ኣብ ምፍጻም ብልዑል ተወፋይነት ቆራጽነትን ዝተዋደቀ ምሩጽ ብጻይ ኢዩ ነይሩ።
ናይ ሓዘን መግለጺ
ሓርበኛ ብጻይና ተጋዳላይ ዓለም ገብረሚካኤል ብ02.10.1951 ካብ ወለዱ ገብረሚካኤል ገብረኣብን ተበርህ ግደይን ኣብ መብረድ እገላ ሓጺን ተወልደ። ዕድሚኡ ንትምህርቲ ኣብ ዝበጽሔ እዋን ኣብ ድቀምሓረ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ እምነት ምስዮን (Faith Mission) ተማህረ። ብጻይ ኣለም ኣብ ግዜ ንእስነቱ በሊሕን፣ ተሪርን፣ ንጡፍን፣ ቅልጡፍን ዕላምኡ ከም ዕዀት ዘይስሕትን ስለ ዝነበረ ዕዀት ዝብል ቅጽል ስም ተዋህቦ። ዕድሚኡ ዓቕመ ኣዳም ምስ ኣኸለ ፖሊስ ተኸትበ። ኣብ አዋን ትምህርቱ ይኹን ድሒሩ ፖሊስ ኣብ ዝተኸተበሉ፣ ኣብ ስፖርት ከም ጉያን ካልእን ንጡፍ እዩ ዝነበረ። ብጻይ ኣለም ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ዝተማህረን ድሒሩ ፖሊስ ምስ ተኸትበ’ውን ኣብ ናይ ፖሊስ ቤት ትምህርቲ ተመዲቡ ኣብ’ታ ከተማ ምንባሩ ቀጸለ። እታ ፖሊስ ትብል ቅጽል ስም ግን ድሕሪ እዚ ግዜ እያ ለጊባቶ።
ዝኸበርኩም ጥርናፈ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር(ኤስሃግ)
ብቀዳምነት ነቲ ምእንቲ ሓርነት ጭቁናት ወገናትኩም ነታ ዘይትድገም ሂወት ኩም ንሞባእ ህዝብኹም ብምውፋይ ትገብርዎ ዘለኹም ፍትሓዊ ቃልሲ ኣድናቖትና ብኣንክሮ ክንገልጽ ንፈቱ::
ኪዳ ሓዲስ ኤመራ 2022ዓም ፋሪዕ እክባ ሙርቛ ብሊናዂ ኤርትራ/ሆደ
ይና ዓዋዲትል ኤመራ ሓዲስ መስቐል ግን ንሺብታዂ። መስቐል ወክት ሽቕ ደኮ መሽዉል ቱናዂ ግን። መስቐሊ ሱርዲ ሸብዲ ስነዲ ሰኸርዲሲ በለል ያዂ ኣኽነዲን ራድቕር ሓግልኽር መጡ ኮፍ የናዂ ወክት ግን። ኣዳም ክድመትድማ እንሽክድ ኒ ኮልድ ሺሮ ሰጘን እና ግርጋ ኒሂትል ወንተርዶ ሳድሰኩ። ወሲዲ ኤሪ ተባብዲ በረኸዲ ጊትዲትል ውሪ ቑሾትል ሽቅረሪ መስቐል ኩንጝል ናዉክ ከሌብል ሓየብሰቲ። ኩንጝ መስቐሊ ዋዲክ ሓዲስ ኤመርል ጋእ ስትና ዩኖ ና ዓዋዲር ድርብድ ኢረር ይነኩ።
ዋጋ ዝተኸፍሎ ሓርነት
ንአስታት ሸሞንተ ወርሒ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ አንጸላልዩ ዝነበረ ናይ ጥፍአት ደመና፡ ብሓይልታት ትግራይ ድሕሪ ምቕንጣጡ፡ ሓራ ብምውጽኦም በዚ አጋጣሚ ንመላእ ህዝብን ሓይልታት ትግራይን እንዃዕ ሓጎሰኩም ንብል።
ምስ ኣባላት ደሞክራሲያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ቃለማሕተት ኣብ ሃገራውን ዘባውን ጉዳይ ዝዳህሰሰ።
ምስ ኣባላት ደሞክራሲያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ቃለማሕተት ኣብ ሃገራውን ዘባውን ጉዳይ ዝዳህሰሰ።
Read more: ምስ ኣባላት ደሞክራሲያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ቃለማሕተት ኣብ ሃገራውን ዘባውን ጉዳይ ዝዳህሰሰ።
መሪሕነትን አመራርሓን- Leadership, theory and practice ክለሳ-ሓሳባውን ግብራውን ሓተታ
መሪሕነት አብዚ ግዜዚ እቲ አገዳስን አድላይን አብ ኩሉ መዳያት ውዳቤ ናይ ሕይወትና ፣ ናይ ክሉ ሕይወትና ግላዊ ይኹን ማሕበራዊ፣ አብ ቁጠባውን፣ ፖሊቲካውን፣ ማሕበራውን፣ባህላውን ንስራሓትና ንምዕዋት አፍልጦን ትግባረን መሪሕነት አገዳሲ ኢዩ።
Read more: መሪሕነትን አመራርሓን- Leadership, theory and practice ክለሳ-ሓሳባውን ግብራውን ሓተታ