- ብጸጋታቱ ከይጥቀም ብፖለቲካዊ ውሳኔ ብድኽነት ማሲኑ ክጠፍእ ዝተፍረደ ህዝቢ
- ህዝባዊ ኒሕ ዘለዎ ኤርትራዊ ምሁር ኣብ መድረኽ ወጺኡ ኣለኹ ይበል፡-
- ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ካብ ደምበ ፈትሒ ናብ ደምበ ጸላኢ ዝውግን ናይ ፖለቲካ ዘላን ጥራሕ’ዩ።
- ተርእዮ ዘይንቡር ሕልናዊ ባርነት ኣብ ኤርትራ፡
- ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ወሳኒ መድረኽ
- መውስቦ ብማሕበራዊ መዲያን ፖለቲካዊ ኣባልነት ኣብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን
- ነጋሪት ውግእ ድምጹ እናበርትዐ ብዝኸደ፡ ናይ ደግፉና ኣውያት ሸፋቱ ህግሓኤ/ህግደፍ እናተሰምዐ ይኺድ’ምበር፡
- ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረትን ወጻኢ፡ ተነጺልካ ምንባር ኣይከኣልን።
- ሓባራዊ ጸገምና ብሓባር ክንፈትሕ፡ ውጽኢት ካብ ዘየምጽእ ዝተለምደ ኣካይዳ ንውጻእ።
- እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ጉጅለ ብሕጋዊ ዓይኒ ኣይኮነን ንህዝቢ ሓደ ከባቢ ንህግደፍ ኣይውክልን
- “የለኻን ንዝበለካ ኣይተፈጠርካን በሎ”
- ርዝነት ፖለቲካ፡ ብህዝባውነት፣ ፍትሓውነት፣ መትከላዊ ጽንዓት፣ ተወፋይነት’ዩ ዝስፈር።
- ናባና እተዉ እምበር ሓቢርናን ተዳጋጊፍናን ንቃለስ ዘይብል እምነት ናበይ ዘምርሕዩ !
- ሕሉፋት ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምፍጻሞም ሓቂ ሎሚ ምስ’ቶም ናይ ሽዑ ገበነኛታት ደቆምን ደቂ-ደቆምን ተመሓዚኻ ህዝቢ ምጽናትከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?
- Tel Aviv – Eritrean regime plans a ‘festival’ on Saturday – despite warnings of clashes
- Three key points about the Gabon coup
- Disguised as cultural festivals: Eritrean government spreads war propaganda with Kalashnikovs and calls for genocide
- መሪሕ ቀላሲ ፖለቲካን ተባዕ ናይ ተግባር ሓይልን ይናበቡ ይተሓባበሩ
- ፋሽሽትነት ገበን ‘ምበር ጀግንነት ኮይኑ ኣይፈልጥን
- ዝተረደኦን ዝተወደኦን’ዩ
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
- Hits: 106
መጀመሪያ ልክዕና መታን ክንፈልጥ፡ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታና ብግቡእ ክፍተሽ እቲ ሓድሽ ወለዶ ክፈልጦ ክግበር ኣለዎ። ብውሕዱ መባእታዊ መረዳእታ መታን ክተሓዝ፡ ብዘይ ዝኾነ ምሽፍፋን ታሪኽና ክግንጸል ክትንተን ብብሩህ ድማ ክቕመጥ ይግባእ። ብከመይ ዝበለ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ መስርሕ ከም ዝመጻእና፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ወዲቕናዮ ዘለና ዘብጸሐ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ከም ዘለዎ ከይተደዋወሰ ዝቐርበሉ መድረኽ ክፍጠር ምጽዓር። ዜጋታት ከይተሸቑረሩ ምሉእ ተሳትፎኦም ዘረጋግጽሉ፡ ብህዝባዊ ክትዕ ዝበሰለ ፖለቲካዊ ንቕሓት ንምምጻእ ብግዜ የለን ናይ ቃልሲ መንፈስ ብተግባር እንተተወፊርሉ ብዙሓት ብግርህናን ብስምዒትን ጣሕመሽመሽ ክብሉ ዝጸንሑ ሰባት ደው ኢሎም ገዛእ ርእሶም ክግምግሙ፡ ካብ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣንፈት ሓራ ክወጽኡ ክጅምሩ’ዮም። ኣብኡ እንተተበጺሑ ከኣ፡ ናይ’ቲ ሱር ዝሰደደ ፖለቲካዊ ጸገምና መድሓኒት ንምርካብ ቀሪብና ኣለና ማለት’ዩ።
Read more: ሓባራዊ ጸገምና ብሓባር ክንፈትሕ፡ ውጽኢት ካብ ዘየምጽእ ዝተለምደ ኣካይዳ ንውጻእ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
- Hits: 123
ብመንጽር ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝምራሓሉ ንቡር ልምድታትን ሕግታትን ሎሚ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ዘኽእል ጭቡጥ መረዳእታ የለን። እቲ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዝበሃል መንግስቲ፡ መንግስታዊ መዕቀኒታት ዘየማልእ ስማዊ’ዩ። ናይ ገዛርእ ርእሶም ፖለቲካዊ ሕርያን ህይወትን ብዘይብሎም ስሉባት ሕልና ዝድገፍ፡ ብእንኮ-ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተሰርሐ ብኡ ዝምራሕን ዝግራሕን ኳና’ዩ። ናይ ሓደ ሕጋዊ፣ ቅቡል፣ ሓላፍነታዊ ህዝባዊ መንግስቲ መሰረታዊ መትከላት ክሰምዕን ክርእን ዘይደሊ፡ ዕድመ ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ፡ ምስ ህላወን ዕድመን ሓደ ሰብ ኣተኣሳሲሩ ዝርኢ ዘይንቡር ኣገዛዝኣ’ዩ። ድኽነትን ጸበባን ህዝቢ ዋሕስ ዘተኣማምን ቀጸልነት ስልጣኑ ብምግባር፡ ንምዕናው ስሩት ማሕበራዊ ክብርታት ህዝቢ ብዝተወደበን ብተወፋይነትን ዝሰርሕ ናይ ግድን ብህዝባዊ ቃልሲ ክውገድ ዘለዎ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ’ዩ።
Read more: እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ጉጅለ ብሕጋዊ ዓይኒ ኣይኮነን ንህዝቢ ሓደ ከባቢ ንህግደፍ ኣይውክልን
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
- Hits: 146
ኣብ ኤርትራ ንፖለቲካዊ ተፈጥሮ ፈራሕ ጨካን እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ ኣብ ምልላይ ነዊሕ ግዜ’ዩ ወሲዱ። ሕጂ’ውን ውሑዳት ዘይኮኑ ወገናት ካብ’ቲ ዝተዛበዐ ኣረኣእያ ሓራ ኣይወጽኡን። እታ ሃገር ምስ ዝመጸትሉ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእታዊ ቃልስን ኣብኡ ዝተኸፍለ ዋጋን ዝነበረ ምረትን ብምትእስሳር፡ ኣደራዕ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንቋዕ ኣልገሰ’ምበር ዘቤታዊ መግዛእትስ ሓላል’ዩ ብዘስምዕ ዝተቐበሉ ኣለው’ዮም። ጠንቅን ሳዕቤንን መንገዲ ዓወትን ውድቀትን ዘርኢ ብቑዕ ቀላሲ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዓዂኹ ስለ ዘይወጽአ፡ ፖለቲካዊ ሽግር ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝንጸር ተደዋዊሱ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
- Hits: 149
ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝበሃል፡ ኣብ ህዝባዊ ሰላም፡ ህዝባዊ ደሞክራሲ፡ ህዝባዊ ልምዓትን ዕቤትን፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ልክዕ ዝኾነ ሚዛናዊ ርድኢት ምስ ዝተሓዝ’ዩ። እዞም ኣገደስቲ ረቛሒታት እዚኣቶም ብህዝቢ ክውነኑ’ሞ፡ ልኡላውነት ህዝቢ ምሉእ ንምሉእ ብዘተኣማምን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ዝኸውን ቀጻልነት ዘለዎ ኣስተምህሮ ምስ ዝወሃብ’ዩ። ወዲ-ሰብ ካብ ተፈጥሮ ድዩ ሰብ ዝሰርሖ ጸልማት ናብ ብርርሃን ክወጽእ፣ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ተናጊፉ ዝሓሸን ውሑስን ማሕበራዊ ህይወት ክረክብ’ዩ ዝምነ። ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ድሑር ኣተሓሳስባ ናብ ዝማዕበለ ስልጡን ኣተሓሳስባ፡ ካብ ዓዘቕቲ ድኽነት ናብ ዝጭበጥ ልምዓታዊ ዕቤት፡ ካብ ኣድልዎን ዓፈናን ናብ ዘተኣማምን ማሕበራዊ ፍትሒ ብኸመይ ክበጽሕ ይኽእልን ግን፡ ነቲ መንገዲ ኩሉ ብማዕረ ዝርደኦ ኣይኮነን። እቲ ተረዲእዎ ዝበሃል’ውን ብሓደ ግዜን ብምልኣትን ኣይውንኖን።
Read more: ርዝነት ፖለቲካ፡ ብህዝባውነት፣ ፍትሓውነት፣ መትከላዊ ጽንዓት፣ ተወፋይነት’ዩ ዝስፈር።
- Details
- Written by: ተኽሉ ቀሺ
- Hits: 166
ተሞክሮ ሰውራ ኤርትራ ከም ዘራጋግጾ ሕቶ ሓድነት ማእከላይ ዕላማና’ዩ እናተባሃለ ኣብ ተግባር ግን ውድባት ኤርትራ ጸረ-ገድሊ፡ዓማ ሓራዲት ቀንጻሊት እናተባሃሃላ እየን መጺኤን ፡፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ክልተ ዓበይቲ ውድባት ዝነበራ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን «ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይጻውርን’ዩ »ዝብል ጸረ-ደሞክራሲ’ዩ ነይሩ ፡፡ዋላኳ ኣብ ናይ ተሓኤ ኣብ ካልኣይ ሃ/ ጉባኤ እቲ ጸረ-ሰውራ ዝብል ጌጋ ምዃኑ እንተተገምገመ ኣብ ባይታ ግን እቲ ሽም እናተጥቕማሉ እየን ቀጺለን፡፡
Read more: ናባና እተዉ እምበር ሓቢርናን ተዳጋጊፍናን ንቃለስ ዘይብል እምነት ናበይ ዘምርሕዩ !
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ
- Hits: 151
ኤርትራዊ ሃገርነት ክውን ብምግባር ጨካናት ገዛኢት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ፡ ኢ-ሰብኣውን ኢ-ሞራላውን ተግባራት ሓንሳእን ንሓዋሩን ብሓይልን ብሕግን ቀቢርካ፡ መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰላት ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ብድምር 50 ዓመት ዝወሰደ ሰላማውን ደማውን ቃልስን ኣብኡ ዝተኸፍለ ሰብኣውን ነዋታውን ክቡር ዋጋ ረሲዕካ፡ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ምሕረት ሓደ ህድግለነ ዘይብሉ ብደም ሰብ ዝሰኸረ ሰብ ምስጋድ ምብርካኽ ምስተራእየ፡ ንለባማት ንቡር ይጠፍእ ዘይንቡር የመጽእ ከም ዘሎ ብሩህ ነይሩ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ (ደግሓኤ)
- Hits: 300
ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገርነት ብቐጥታ ምስ መግዛእታዊ ታሪኽ ዝተኣሳሰር፡ ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዝሓለፈ፡ ብእምቢታ ቃልስን መስዋእትን ብመንገዲ ህዝበ ውሳኔ (ረፈረንዱም) ሃገራዊ ልኡላውነቱ ክውን ብምግባር፡ ኣካል ልኡላውያን ሃገራት ዓለም ከም ዝኾነ ኣየካትዕን። ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገርነት ብቐጥታ ምስ መግዛእታዊ ታሪኽ ዝተኣሳሰረዩ ክበሃል እንከሎ፡ ብውሽጣዊ ምዕባለ ዘይኮነ ብግዳማዊ ሓይሊ ማለት ብመግዛእቲ ጣልያን ዝተወልደ፡ ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ዝረኸበ ካርታ ሃገርነት ከም ዝጀመረን ንምርዳእ’ዩ። ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዝሓለፈ ክበሃል እንከሎ፡ ቅድሚ 1890 ኣብ ናይ ሎሚ መሬት ኤርትራ ኣትዮም ዝነበሩ፡ ከም ቱርኪ፣ ግብጺ፣ ፖርቱጓል፣ ማህዳውያን፣ መሳፍንቲ ትግራይ ከይሓውስካ፡ ብመግዛእታውያን ስርዓታት ጣልያን፣ እንግሊዝ፣ ኢትዮጵያን ብምፍርራቕ ከም ዝተገዛእና ንምርግጋጽ’ዩ። ብእምቢታ ቃልስን መስዋእትን ክበሃል እንከሎ ከኣ፡ ብወሳኒ መልክዑ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብእንግሊዝን መሓዙታን ተሳዒሩ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ መግዛእታዊ ምሕደራ ተሓዲጉ ምስ ወጸአን ኤርትራ ብውሳኔ ሓያላን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ን10 ዓመት ክትጸንሕ ድሕሪ ዝተወሰነ ዓማጺ ብይን ክሳብ ምግባር ህዝበ ውሳኔ (ረፈረንዱም) 1993 ዝነበረ ነዊሕ ናይ ምርብራብ መስርሕ፡ ኣብኡ ዝተኸፍለ ኩለ-መዳያዊ መስዋእቲ፡ ዝተመዝገበ ሃገራዊ ሓርበኛዊ ጀግንነት፡ ዝተፈጥረ ጥሙር ሃገራዊ ስምዒትን ብጥቕልሉ ንምምልካት’ዩ።
- Details
- Written by: ክብሮም ከሰተ (ደግሓኤ)
- Hits: 201
ጀግንነት ካበይ ይምንጩ ዘይፈልጡ ሰባት፡ ገበናዊ ተግባር ጀግንነት’ዩ ዝመስሎም። ገዛእ ርእሶም ሓራ ኣብ ዘይወጽእሉ፡ ኣብ ዘይፈልጥዎን ኣብዘየርበሖምን ኣጀንዳ ወፊሮም ብዝፍጽምዎ ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ጨካን ፋሽሽታዊ ተግባር፡ ከይተሰከፉ መን ከማይ፡ መን ከማና ኢሎም ይፍክሩ። ንምንታይ ዕላማ? ንመን ረብሓ? በየናይ ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ከይሓተቱን ከይፈለጡን ዝኾነ ሕቶ ርእይቶን ኣይፍቀድን፡ ጠምየ ሓሚመ ቦታ የብሉን፡ ተዳሎ ተበገስ፡ ተኩስ ቅተል፡ ዝረኸብካዮ ኩሉ ዝመት ኣዕኑ ኣቃጽል ተባሂልዎም ስለ ዘተግበሩ፡ ኣብ ክንዲ ዝሕብኡ ዝሓፍሩ ኣብ ቃልዕ ወጺኦም ይፍክሩ ይጀሃሩ። ንትርጉም ሓቀኛ ጀግንነት ከዛብዑ ከራኽሱ ከም ዝዓበደ ከልቢ ተዓዊትና ኢሎም ይነብሑ። “ንሕና ንድክር ንስዕር” እናበሉ መሬት ኣይትኹንና ይብሉ። ምስ መን ተዋጊእኩም፡ እንታይ ገይርኩም፡ ኣበይን መዓስን ስዒርኩም ንዝብል ሕቶ ግን ዘእምን መልሲ የብሎምን።