ናይ ሓዘን መግለጺ

ዜና Bildschirmfoto_2021-03-07_um_17.50.59.pngዕረፍቲ ክቡር ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ምስ ሰማዕና መሪር ሓዘን ተሰሚዑና፣ ኣብዚ እዋን እዚ መስዋእቲ ሓርበኛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ዓቢ ክሳራ ንደንበ ፍትሒ ኤርትራ ብዓቢኡ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።

በዚ ናይ መሪር ሓዘን ኣጋጣሚ ድማ ብስም መላእ ኣባላት ውድብና ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ሓዘና እንዳገለጽና ንመላእ ስድራ - ቤቱን፣ ቤተ-ሰቡን፣ ኣዕርኹቱን መቓለስቲ ብጾቱን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል፣ ንሓርበኛ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ከኣ ልኡል ኣምላክ ኣብ ገነቱ ይቀበሎ፡ መንግስተ-ሰማየት የዋርሶ።

 

ናይ መሪር ሓዘንኩም ተኻፈልቲ፡

 

ደግሓኤ፡

የካቲት 20/2021።