ዕረፍቲ ፍቱውን ክቡርን ሓውናን ኣያናን ተቓላሳይ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና ምስ ሰማዕና መሪር ሓዘን ተሰሚዑና። ገዲም ተቓላሳይ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና ካብ ጊዜ ኣፍልጦና ማለት ካብ 2009 ጀሚሩ ብዓቕሙ ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እንዳ ተቓለሰ እንከሎ፡ ካብታ ዝፈለጥናሉ እዋን ኣብ ስነ-ፍልጠት ዝተመርኮሰ ምኽሪታቱን ሓገዛቱን ዘበርከተልና ምቕሉል ኤርትራዊ ሓውና ኢዩ።
ሌላና ምስ ናይ ርሑቕ ራኢ ዝነበሮ ተቓላሳይ ሓው ተስፋልደት ካብ 2009 ክጅምር እንከሎ፡ ባህሊ ስኒት ህድግኤ 2009 ብእትፍለጥ ዲቪዲ ብርክት ዝበሉ ደርፍታት ዝሓዘት ብጉጅለ ባህሊ ስኒት ዝተሰርሑ ደርፍታት ብሓልዮት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ህደግኤ) ብሳግም ዝፍለጥ ተዳልያ ናብ ህዝቢ ኣብ ምዝርጋሕ እንከላ ዝነበረና ርኽክብ ኢዩ ዝጅምር።
እዛ ንሕሉፍን ንህልዊን ንመጻኢን መድረኻት ዓቢ ትርጉም ዝሓዘት ዲቪዲ ናብተን ሽዕኡ ቆይመን ዝነበራ ናይ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ መድያታት ብሰናይ ተበግሶ ብነጻ ሓሓደ ዲቪዲ ነቶም ትሕዝቶታት ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ ብማለት ኢዩ ተዓዲለን።
ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ዝነበራ መድያታት ሓንቲ ኣዝማሪኖ ብሓው ተስፋልደት ኣለም መሓረና ትካየድ ዝነበረት ነቲ ዲቪዲ ተቐቢሉ ድሕሪ ምስምዑ፡ ከምዚ ክብል ኣደኒቑ።
ጠቕሲ ሓው ተስፋልደት “ ኣብዛ ዲቪዲ ዘለዉ ኩሎም ደርፍታት ብጽሞና ሰሚዔዮምን ብዕምቆት ተረዲኤዮምን እየ። ንደረስትን፡ ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ኣዳለውትን ዘርጋሕትን የመስግንን ይንእድን” ይብል። ቀጺሉ፡ “ነዛ ዲቪዲ ፈቓድ ሃቡኒ እሞ ኣብ YouTube ክጽዕነልኩም፡ እቶት ንምርካብ” ድማ ይብል ብሓልዮት።
ዝገርም ኢዩ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ንከምዚ ዓይነት ስራሕ ኣፍልጦ ኣይነበረናን። ህዝቢ ክሰምዖ ጥራሕ ይዘርግሓዮ እምበር እቶትስ በዚ ኣገባብ ዝርከብ ምዃኑ ንፈልጥ ኣይነበርናን። ነቶም ደርፍታት ድማ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ከጻውቶምን ክዝርግሖምን ተራእዩ።
ክቡር ሓውና ተስፋልደት ሓሊፉ ኣሎ። እቶም ዘለናን ብዛዕብኡ እንፈልጦ ክንምስክርን ግቡእና ስለዝኾነ ንሰናይ ስነ-ምግባሩን፡ ናይ ርሑቕ ራኢኡን፡ ተሓባበርነቱን ንምስክር ኣለና።
ዘይሕለል ጻዕሪ ናይ ኩሎም ቅኑዓት ተቓለስቲ ኣብ መዕረፊኡ ንምብጻሕ ቃልስና ከም ወትሩ ቀጻሊ ኢዩ፣
ሓርነታዊ ዓወት ህዝብታት ኤርትራ ከኣ ናይ ግድን ክዉን ክኸውን ኢዩ።
ንሓው ተስፋልደት ኣለም መሓረና መንግስተ ሰማይ የዋርሶ!
ንስድራ-ቤቱን ብጾቱን ፎተውቱን ከኣ ጽንዓት ይሃቦም! ኣሜን።
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
28 ጥሪ, 2024