ተደጋጊሙ ከም ዝተገልጸ ፖለቲካ ንኹሎም’ቶም ወዲ-ሰብ ኣብ ህይወቱ ክረኽቦምን ክግልገለሎምን ዘለዎ ክፍልታት (ትካላት)  ዘጣይስ ዝመርሕን ዝቆጻጸርን ኣውራ’ዩ። ንኣብነት ኩሎም ዓይነት ሚኒስትሪታት ማለት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ሃብቲ-ማይ፣ ዕደና፣ ገንዘብ፣ ዝምድናታት ወጻኢ፣ ንግዲ፣ ምክልኻል፣ ስርዓተ ፍትሒ ....ወዘተ ዝቖምሉ ዝምርሕሉን ዝመርሑልን ሕግታትን ውጥንን ኣውጺኡ ዘመሓድር ክፍሊ’ዩ። ስለዚ ፖለቲካ ብቐጥታ ንከመይነት ምሕደራ ህዝቢ ዝምልከት ወሳኒ ክፍሊ ብምዃኑ፡ ክሕደት ዓመጽ ምቅትታልን ስለ ዘይፍለዮ ይትረፈኒ ባዕሉ ይፈልጥ ኢልካ ክትገድፎን ካብኡ ወጻኢ ክትነብርን ኣይከኣልን። እታ ትረግጻ መሬት ብፖለቲካ’ያ ትመሓደር። እታ ትነብረላ ገዛ ኣብ ትሕቲ ፖለቲካ’ያ። ዕለታዊ ካብን ናብን ትገብሮ ምንቅስቓስ፡ ትረኽቦ ፍርያት ብቐጥታ ምስ ፖለቲካ ዝተኣሳሰረ’ዩ። ብሓጺሩ ከም’ቲ ዓሳ ብዘይ ማይ ክነብር ዘይኽእል ወዲ-ሰብ’ውን ካብ ፖለቲካ ወጻኢ ምዕሩይን ውሑስን ህይወት ክነብር ኣይኽእልን።

ፖለቲካ ሰባት ዝዋስእሉ ዓውዲ ስለ ዝኾነ ጉድለታት ክህሉ ባህሪያዊ’ዩ። እቲ ጉድለታት መሰረታዊ ድዩ ዘይመሰረታዊ፡ ኮነ ኢልካ ድዩ ሰኣን ፍልጥት (ዓቕሚ)  ክግምገም ክምዘን  ክእረም ደኣዩ ዘለዎ ‘ምበር፡ ዓመጽን ምቅትታልን  ስለ ዘለዎስ ነዓይ ኣይምልከትን ምባል ኣይቅኑዕን። ኣየዋጽእ ድማ። እቲ ኣብ’ታ ሃገር ዝረአ ካብ መስመር ሓቅን ፍትሕን ዝወጽአ ስሰዐን ጭካኔን ጠንቁ ካበይ’ዩ?  ወይ መን ወለዶ? እቲ ንኹሎም ሚኒስትሪታት ብላዕለዋይነት ዝመርሕ ፖለቲካዊ ክፍሊ ከም ትካል ወይስ ነቲ ትካል ዝመርሑ ዘለው ሰባት ዝብል ሕቶ ብንጹር ክምለስ ኣለዎ። ጠንቂ ናይ’ቲ ዝረአ ሕሉፍ ስሰዐን ደማዊ ግጭትን ብርግጽ ካብ ባህሪ ናይ’ቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተቖጻጸሩ ውሑዳት ሰባት’ዩ ዝምንጩ። እቶም ኣብ ስልጣን ዝሓኾሩ ውሑዳት ነገራዊ ረብሓን ዝናን ክረኽቡ ክብሉ ኣብ ልዕሊ ሰባት (ህዝቢ)  ዝፍጽምዎ ክሕደት’ዩ። ስለዚ ፖለቲካ ከም ዓውዲ ዘይኮነ ግጉይ እቶም ንውድብ ድዩ መንግስቲ ዝመርሑ ሰባት ባህሪኦምን ካብ ባህሪኦም ዝምጩ ዝኽተልዎ ግጉይ ፖሊሲን’ዩ።

ኣብነት ንውሰድ ሚኒስትሪ ጥዕና ንህዝቢ ግቡእ ኣገልግሎት ዘይህብ፡ ብቐሊል ተሓኪሞም ክድሕኑ ዝኽእሉ ሰባት ዝሞቱ እንተደኣ ኮይኖም፡ እቲ ትካል ከም ትካል ኣይተርእዩኒ ኣይተስምዑኒ ኢልካ ምግዳፍ ዘይኮነ፡ ስለምንታይ ግቡእ ኣገልግሎት ክህብ ኣይከኣለን እንታይ’ዩ እቲ ምኽንያት፡ ሰኣን ብቑዕ ምሕደራ? ሕጽረት ሞያተኛታት? ሕጽረት ባጀት? ጉድለት መሳርሕን ኣፋውስን ኢልካ ምፍታሽን መልሲ ንምርካብ ምጽዓርን የድሊ። ስለምታይ’ሲ ነቲ ትካል ከም ትካል ምጽላም ምጽላእ ልክዕ ኣይኮነን። ዘለዎ ሕጽረት ብግቡእ ፈሊጥካን ኣብ ምፍትሑ ተሳቲፍካን ተፈወሲካ ክትድሕን ምፍታን ‘ምበር፡ እዚ ትካል ዝህቦ ኣገልግሎት ኣየድልየኒን ኢልካ፡ ካብ ዘመናዊ ሕክምና ምርሓቕ ካብ ሞት ኣየድሕንን። ወይ ከኣ “ፈውሰይ ፈውሲ ዓሻ” ኢልካ ናብ ጠንቆልትን ዓቐኑን ፈዋስነቱን ዘይተረጋገጸ ሱረ ሙርን ቆጽለ መስልን ምዝንባል ቅኑዕ ኣይኮነን። ከምኡ ምግባር ካብ ነብሰ ቅትለት ዘይንእስ ቅሉዕ መግለጺ ድንቁርና’ዩ።

ሚኒስተሪ ትምህርቲ ዝኽተሎ ፖሊሲ ስርዓተ ትምህርቲ ደረጃኡ ዝሓለወ ፍልጠት ዘይርከበሉ፡ ንተመሃሮ ተስፋ ዘቑርጽ፡ ንዓመታት ደኺምካ እንጀራ ዘይተረኽበሉ እንተደኣ ኮይኑ፡ ትምህርትን ሚኒስተሪ ትምህርትን ምጽላእ፡ ገዛእ ርእስኻ ካብኡ ምርሓቕ ዘይኮነ እቲ ምርጫ፡ እታ ሃገር ትምረሓሉ ስትራተጂን ስልትን ባህሪ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል፡ ጭቡጥ ቁጠባዊ ዓቕሚ እታ ሃገር፡ ውሽጣውን ግዳማውን ጽልዋታት፡ ሃሰስ ኢልካ ጠንቂ ምፍላጥን ብዝሓሸ መሪሕነትን ስትራተጂን ምቕያርን’ዩ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ። ኣብተን ካልኦት ሚኒስትሪታትን ኣብያተ-ዕዮን ዝረአ ጉድለታት’ውን ከምኡ ካብኡ ከይወጻእካ ጠንቂ ምልላይ፡ መፍትሒ ሓሳባት ሒዝካ ምቅላስ’ዩ እቲ ብሱል ኣተሓሳስባ። ስለዚ ፖለቲካ ከም ዓውዲ ምጽላእ ነብሰ ምትላል’ዩ። ምርጫ ለባማት ዝመስል መግለጺ ቅሉዕ ናይ ኣተሓሳስባ ድኽነት፡ ፍርሕን በለጽን ድማ’ዩ።

ፖለቲካ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ንፋስ ዘምጸኦ ናይ ሓደ ወቕቲ ክስተት ዝመስል ኣገንዝቦ ምሓዝ’ውን ቅኑዕ ኣይኮነን።  ሰባት ድሕሪት ተመሊሶም ከም’ዚ ተባህለ ተገብረ እናበሉ ብኣፈዊ፡ ብጽሑፍ ዘዘንትውዎ  ንሓደ ሕብረተ ሰብ ዝምልከት ታሪኽ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካ’ዩ። ካብ እማዊ (ኣደ) ዘመን ናብ ፊል-መደሳዊ፡ ካብ ፊል-መደሳዊ ናብ ስርዓተ ባሪያ፡ እናተሰጋገረ መጺኡ፡ ምስ ምውላድ ዋንነት ውልቀ ነገራዊ ሃብቲ፡ ፖለቲካዊ መንግስቲ ከም ዝጀመረ’ዮም ምሁራት ታሪኽን መዛግብቲ ታሪኽን ዝሕብሩ። ናይ’ቲ እዋን’ቲ ሰባት ዕለታዊ መግቦም ካብ ፍረ ኣእዋምን ሃደን እንስሳ ዘገዳምን’ዮም ዝረኽቡ ነይሮም። ስለዚ ከኣ ኣብ’ቲ ዕለታዊ መግቢ ንምምእራር ዝገብርዎ ወፍርን ዝረኽብዎ ፍርያትን መሰረት ዝገበረ ኣብ መንጎኦም ብዝፍጠር ግጭት ሰዓርን ተሰዓርን ይኾኑ። ከም ውጽኢቱ እቲ ዝሰዓረ (ዝማረኸ) ጎይታ እቲ ዝተሳዕረ (ዝተማረኸ) ከኣ ጊላ ይኸውን። ዝያዳ ንምንጻሩ እቲ ዝማረኸ ነቶም ዝማረኾም ሰባት ከም ነገራዊ ሃብቲ ይውንኖም። እንተደልዩ የስረሖም፡ እንተደልዩ ይሸጦም፡ እንተደልዩ ይቐትሎም ስለ ዝነበረ ወናኒ ጊላ  ተባሂሉ። እቶም ገዛእ ርእሶም ዘይውንኑ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝኣተው ሰባት ከኣ ባራዩ ወይ ጊሎት ተባሂሎም። እቲ ስርዓት ከም ስርዓት ድማ ስርዓተ ባሪያ ተባሂሉ ኣብ ታሪኽ ይዝንቶ ኣሎ።

ካብ ስርዓተ ባሪያ ከም ዝጀመረ ዝንገረሉ መንግስታዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ድማ ካብ ጊላዊ ስርዓት ናብ መስፍናዊ፡ ካብ መስፍናዊ ናብ ርእሰ ማላዊ እናበለ ደረጃ ብደረጃ ጥበብ ምሕደራን ሕጋዊ መቖጻጸርን እናመሃዘን ክስጉም ጀሚሩ። በቲ ኣብ ሓደ ወቕቲ ንዓለምና ኣብ ክለተ ደምበ መቒሉ ዝነበረ፡ ብሶቬት ሕብረት ዝምራሕ ደምበ ዴስነትን ብኣመሪካ ዝምራሕ ደምበ ሃጸይነትን (ሊበራል) ዝፍለጥ መድረኽ ዝሑል ኲናት ኣቢሉ ኣብ’ዚ ሕጂ ንርከበሉ፡ ጸጋታት ዓለም ብዝተቖጻጸሩ ውሑዳት ሃብታማት ዝዝወር ዳግመ ተርእዮ ዝሑል ኲናት ዘዘኻኽር ፖለቲካዊ ሃዋህው ንርከብ ኣለና።

ስለዚ ኣብ ልዕልነት ናይ ህዝቢ ደሞክራስ ድዩ፡ ኣብ ልዕልነት ናይ ውሑዳት ገዛእቲ ደሞክራሲ ዘረጋግጽ መንግስታዊ ምሕደራ ዝብል፡ ብፖለቲካዊ ንቕሓትን ቃልስን ዝምለስ ሕቶ ንጎኒ ገዲፍና፡ ፖለቲካ ካብኡ ክትሃድም ዘይከኣል፡ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ዝነበረ፡ ከም መለኮታዊ ኣተሓሳስባ፡ ካብ ዕለታዊ ምንቅስቓስና ዘይፍለ ወሳኒ ዓውዲ ምዃኑ’ዩ። እቲ ታሪኽ ሕብረተ-ሰባት ዝበሃል’ኮ ፖለቲካዊ ታሪኽ’ዩ። ካልእ ይትረፍ እቲ ኣብ’ዚ መዋእል’ዚ ካብ መንግስትን ፖለቲካን ዝተፈልየ’ዩ ዝበሃል ሃይማኖታዊ ኣመልኾ ኳ ሓቂ ንዛረብ እንተኢልናስ ብስርዓተ ምሕደራኡን ፍልስፍናኡ ደኣምበር ብተግባርስ ካብ ፖለቲካ ዝተነጸለ ህይወት የብሉን። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እንኮላይ ንኤርትራ ሃገርና ሓውሲካ ዝርከቡ መራሕትን ምእመናንን ዝተፈላለያ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ነቲ ቆይምናሉ ዝብልዎ ሰማያዊ እምነትን ሕግታትን ንጎኒ ገዲፎም፡ ናብ’ታ ናትና ዝብልዋ ምድራዊት ፖለቲካዊት ሃገሮምን መንግስቶምን ወጊኖም፡ ንኻልኦት ክኹንኑ ክሳብ’ውን ንምጥፋኦም ዝከኣሎም ክገብሩን ኢና ንዕዘብ ዘለና። ሃይማኖትና ሃገር ዝፈጠረት፡ መንግስቲ ዘጣየሰት፡ ንስለ ሃገራዊ ልኡላውነት ኣንጻር እከለ ዝወፍረት መስዋእቲ ዝኸፈለት እናበሉ ብተዘዋዋሪ ዘይኮነ ብቐጥታ ክምድሩ ምስማዕ ዝተለምደ’ዩ። ንወረርቲ ጨፍጨፍቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ደጊፎም ብሓደ ኢዶም፡ ቅዱስ መጽሓፍ፡ በቲ ካልእ ኢዶም ካላሽን ተሓንጊጦም ናብ ዓወደ ኲናት ክወፍሩን ክጉስጉሱን ኣብ በበይኑ መድረኻት ዝተራእየ ሓቂ’ዩ። እዚ ብጭቡጥ ፖለቲካን ወዲ-ሰብን ዘይፈላለዩ ምዃኖም’ዩ ዘረጋግጽ።

ኣብ በበይኑ መድረኻት ዝኽሰት ባዕላውን ወድዓውን ኩነታት ከመይ መጺኡ? ናበይ ከ ከምርሕ’ዩ?  ከመይ ከ ክምከት ኣለዎ? ወይ ከመይ ክተኣሳሰር ኣለዎ ዝግምግም ውጥን ኣውጺኡ ዝውስን ኣብ ተግባር ክትርጎም ሓላፍነት ዘለዎ ክፍሊ ፖለቲካን ፖለቲካዊ መሪሕነትን ‘ምበር ካልኦት ሚኒስትሪ ኣብያተ ጽሕፈታት ኣይኮኑን። እዞም ዝተገልጹን ካልኦትን ሚኒስትሪታት በቲ ፖለቲካዊ ክፍሊ ዝጣየሱ፡ ነናቶም ውሱን ተልእኾ ዘለዎም፡ ሓደ ምስ’ቲ ካልእ ሚኒስትሪ ተመዓደውቲ (ተደጋገፍቲ)  ‘ምበር ሓፈሻዊ ባዕላውን ወድዓውን ኩነታት ናይ’ቲ ህዝብን ሃገርን እንታይ ይመስል ወይ እንታይ ክመስል ኣለዎ ናይ ምግምጋም ኮነ ምውሳን ቀጥታዊ ሓላፍነት የብሎምን። ሓደ ነቲ ካልእ ብቐጥታዊ ትእዛዝን መምርሕን ክቆጻጸርሉ ከመሓድርሉ ዘኽእሎም ሕጋዊ ተልእኾ የብሎምን። ብወሳኒ መልክዑ ካብ’ቲ ፖለቲካዊ መዘውር ዝተቖጻጸረ ኣካል ዝተዋህቦም መደብን ስልጣንን መሰረት ገይሮም ዝሰርሑ፡ ወርሓዊ ደሞዝ ብዝኽፈሉ ቁጹራት ሞያተኛታት (ስቪል ሰርቫንት)  ዝንቀሳቐሱ ትካላት’ዮም። ብሓጺሩ ናይ ፖለቲካዊ መሓውር ‘ምበር ርእሲ ኣይኮኑን። ፖለቲካዊ ዓውዲ ግን ናተይ ዝብሎ ዝምረሓሉ ስነ-ሓሳብ ዘለዎ፡ ናይ ሓንቲ ሃገር ኩለንተናዊ ንጥፈታት እንታይ ክመስልን ብኸመይ ክኸይድ ከም ዘለዎ ዝርእን ዝውስን ኣውራ’ዩ።

ንኣብነት ኤርትራ ሃገርና ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘቐንዙን ኩለንተናዊ ውድቀት ኣጋጢሚዋ ኣሎ። እዚ ውድቀት’ዚ ከመይ መጺኡ ብግቡእ ክግምገም ክልወጥ ኣለዎ። መን ይገምግሞ ይለውጦ? ዜጋታት ክግምግሙ፡ ጠቅን ሳዕቤንን ከለልዩ፡ መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽእ ቅኑዕ ኣንፈት ክሕዙ፡  ዝምህሮም፡ ዝውድቦም፡ ዝመርሖም፡  ክረኽቡ ኣለዎም።  እተን ኣብዘይህላወ በጺሐን ዘለዋ ሚኒስትሪታትን ብኢድ ምትእትታው እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ጉጅለ ዝሕቆና ዘለዋ ሃይማኖታዊ ትካላትን ይትረፍ ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ሃገራዊ ዕማም ክፍጽማ፡ ገዛእ ህልውናአን ከዕቁባ’ውን ኣይከኣላን። ደረጃ ብደረጃ ከንቆልቁላ ‘ምበር ንቕድሚት ክስጉማ ይረኣያ የለዋን። ከምኡ ክኾና ዝገበረ ብርግጽ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ እንኮ-ሰባዊ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ’ዩ። እዚ ከኣ ብሰባት ዝተሰርሐ ብሰባት ድማ ዝቕየር ግጉይ ፖለቲካዊ ምሕደራ’ዩ። እዚ ካብ መሰረቱ ዝቕየር ህዝባዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት ብዝወነኑ ብቑዓት ፖለቲከኛታትን ህዝብን’ዩ።  ፖለቲካ ሕጊ ተፈጥሮ ኣይኮነን።  ዘርዕድ ዘህድም ናይ ህልቂትን ድኽነትን ባይታ ኣይኮነን። ፖለቲካ ንዕቤት ድዩ ንውድቀት ህዝብን ሃገርን ዝውስን ዘይስገር ዓውዲ ምዃኑ ብንቕሓት ምርዳእን ምቕባልን የድሊ። ዝተበላሸወ ፖለቲካዊ ምሕደራ እንተሃዲምካሉ መሊሱ’ዩ ዝቐርበካ ዘዳቕቐካ። ብንቕሓት ኣቲኻ እንተተዋሲእካሉ ግን ይጸሪ ይፍወስ’ዩ። ኣጋጢሙና ዘሎ ኩለንተናዊ ውድቀት፡ ህዝቢ ብዘሳተፍ ብንጹር ህዝባውን ደሞክራስያውን ዝኾነ ፖሊሲ ዝምራሕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ጥራሕ ከም ዝፍታሕ ክእመን ኣለዎ።

ፖለቲካ ብኣረኣእያ ደረጃ ነገራዊ ቁጠባዊ ውነና መሰረቱ ብዝገበረ ብደርብታትን ኣካለ ደርብታትን ዝተኸፋፈለ ምዃኑ  ምርዳእ የድሊ። ፖለቲካ ምጽላእ ኣብ’ታ ናይ ሓባር ሃገር ተሳትፎኻ ምግዳብ፡ ገዛእ ርእስኻ ከመይ ክትመሓደር ከም ዘለካ ዘይምፍላጥ፡ ሚዛን ሰብኣዊ ክብረት ናብ ደረጃ ሳዕሪ ብላዕ እንስሳ ምውራድ፡ ብርድኢት ብውጥን ዘይኮነ ብሃውሪ ከም ምኻድ ዝቑጸር ቅሉዕ ድንቁርና ምዃኑ ልዕል ኢለ ገሊጸዮ ነይረ። ፖለቲካዊ ምሕደራ ከም ብመጽናዕትን ምርምርን ተደጊፉ እናተመሓየሸ ዝኸይድ ኣካል ስነ-ፍልጠት፡ ይትረፍ ካብኡ ነብስኻ ኣግሊልካ ኣብኡ እናተሳተፍካ’ውን ዕሙቕ ዝበለ ንቕሓት፡ ህዝባዊ ወገንነት፡ መትከላዊ ንጹርነትን ጽንዓትን ዝጠልብ ወሳኒ ዛዕባ ምዃኑ ምግንዛብ ጽቡቕ’ዩ። ኣብ’ታ ሃገር ዝዋስኡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝምርሕሉ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ስትራተጂን ስልትን ብሓሳብ ደረጃ  ምርዳእ ንፖለቲካ ትህቦ ክብደት የቕልሎ። እቶም ሓይልታት ቅድሚ ተግባሮም ባህሪኦም፡ ማሕበራዊ መሰረቶም እንታይን መንን ምዃኑ ክትፈልጥ ይሕግዘካ። ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ናይ ዓለምና ዝርከብ መንግስታዊ ፖለቲካዊ ስልጣን፡ ብወግዒ ይገለጽ ኣይገለጽ ካብ መንጎ’ቲ ይመርሖ ኣለኹ ዝብሎ ህዝቢ፡ ናተይ ዝብሎ ፍሉይ ማሕበራዊ መሰረት ኣለዎ። ማሕበራዊ መሰረቱ ኸኣ ካብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡን ቁጠባዊ ነገራዊ ውነናን’ዩ ዝብገስ። ደርብታትን ኣካለ ደርብታትን ካብ ምቛም መንግስታዊ ታሪኽ ዝጀመረ ተርእዮ’ዩ። ንኩሉ ናይ ሓንቲ ሃገር ህዝቢ ከም ህዝቢ ማሕበራዊ መሰረቱ ዝገበረ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ዛጊት ኣይተራእየን። ናይ ደርብታትን ኣካለ ደርብታትን ምክፍፋል እንተዘይህሉ ድማ፡ እቲ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምርጫ ዝበሃል ኣይምሃለወን።

ኣብ’ታ ከም ናይ ዓለምና ርእሰ ሓያል ሃገር ትቑጸር፡ ብምኽባር መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ድማ ትመጻደቕ ኣመሪካ ንኣብነት፡ ብግልጺ ዝረአ ናይ ደርብታትን ኣካለ ደርብታትን ምክፍፋል ኣሎ። ንቀያሕቲ ህንዳውያን ጸለምቲ ኣመሪካውያንን ናእሽቱ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ከይሓወስና፡ ነተን ክልተ ፍሩያት ተነሓናሕቲ ሰልፍታት ማለት፡ ሰልፊ ደሞክራስን ሰልፊ ሪፖብሊካንን እንተወሲድና፡ መን ኣበይ ማሕበራዊ መሰረቱ ንጹር’ዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ማሕበራዊ መሰረቱ ኣብ ታሕተዎትን ማእከሎትን ክፍልታት ሕብረተ-ሰብ ዝገበረ’ዩ። ሰልፊ ሪፖብሊካን ከኣ ወካሊ ናይ ወነንቲ ዓበይቲ ኢዳስትሪያዊ ትካላት ዝኾኑ ዜጋታት’ዩ። ኣብ ከም በዓል ሃገራት ኤውሮጳ፡ ካናዳ፣ እንግሊዝ፣ ኣውስትራሊያ ...ወዘተ ዘሎው ሰልፊ ሰራሕተኛ፣ ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ፣ ሰልፊ ኮንሰርቫቲብ (ኣባታዊ)፣ ክርስትያናዊ ሰልፊ፣ ብሓፈሻ ጸጋማዊ-የማናዊ እናተባህሉ ዝጽውዑ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ’ቲ ህዝቢ ናትና ዝብልዎ ማሕበራዊ መሰረት ኣለዎም። እቲ ህዝቢ’ውን ከምኡ መን ይውክሎ ፈሊጡ’ዩ ብኣባልነት ዝሕቆፉን ዝድግፍን። ኣብ ግዜ ምርጫ ዝግበር ጎስጓስ ምረጹኒ ኸኣ ጭቡጥ መረዳእታ’ዩ።

ኣብ ሃገርና ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፡ ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ህዝባዊ ምርጫን ዝበሃል ከምዘየድልየናን ከምዘይምልከተናን ብጨፍላቒ ጉጅለ ርሒቑና ስለ ዘሎ፡ ብኸም’ዚ ኣብ ምዕራባውያን ደሞክራስያውያን ሃገራት ብኣብነት ከነቕርቦ ንኽእል ፖለቲካዊ ንጥፈታት የለን። እቲ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ወኪል ናይ’ቶም ብስርቅን ዓመጽን ዘተኣደነ ሃብቲ ወኒኖም መሬት ኣይትኹንና ዝብልዋ ዘለው ውሑዳት ጽግዕተኛታት’ዩ። እቶም ኣንጻሩ ዝተሰለፉ ፖለቲካዊ ውድባት ግን፡ ባዕልኻ ትህቦ ሓፈሻዊ ግምታዊ ገምጋም እንተዘይኮይኑ፡ ኣፍካ መሊእካ እከለ ንእከለ ይውክል፡ ማሕበራዊ መሰረቱ ኣብዚ’ዩ ክትብል ዘኽእል ጭቡጥ ፕሮግራማዊ መረዳእታ የለን።

  ብዘይካ ውሑዳት፡ መብዛሕቲኦም ኣካይዳኦም ኩነታታዊ’ዩ፡፡ ምኽባር ልኡላውነት ሃገር፡ ምርግጋጽ ሃገራዊ ሓድነት፡  ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምድግጋም ወጻኢ፡ ንሕና እዚ’ዩ ስነ-ሓሳብና፡ ኣረኣእያና፡ ማሕበራዊ መሰረትና፡ ኢሎም ብቕሉዕ ከነቓቕሑ ኣይረኣዩን። ኣብ መንጎ ሓረስታይን ሸቃላይን፣ ኣብ መንጎ ንኡስ ደላቢ ሃብትን እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ምስ ኣመለኽቱ ፈጢርዎ ዘሎ ጽግዕተኛ ቢሮክራስያዊ ርእሰ ማልን ዘሎ ናይ ኣነባብራ፡ ባህሪ፡ ቦታን ኣቃውማን  ፍልልይ ትኹረት ዝገብርሉ ኣይመስሉን።  ህይወት ዘለዎ ፖለቲካዊ ንቕሓት ዘማዕብል ናይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ፡ ካብኡ ዝምንጩ ኣብ መንጎ ደርባታትን ኣካለ ደርብታትን ርሱን ናይ ሓሳብ ብሓሳብ መን ሰዓረ ፍሕፍሕ ምስ ዝህሉ’ዩ። ኣባና ግን ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ የለን። ትማሊ’ውን ነይሩ ክበሃል ዝከኣል ኣኮነን። ንደርባዊ ኣረኣእያ ክንጸር፡ ክሰፍሕን ክጸብንን፣ ክረስንን ክዝሕል ዝገብሮ ድማ ከም ዓውዲ ፖለቲካን ፖለቲከኛታት’ዮም። ፖለቲካ ቃላሲ ናይ ሓንቲ ሃገር ኩለንተናዊ ንጥፈታት’ዩ ክበሃል እንከሎ ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ዝነቅል’ዩ። ስለዚ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ምዕሩይን ውሑስን ህይወት ክህልዎ፡ ፍትሓውን ንጹርን ኣረኣእያን ዓጢቕካ ብሓሳብን ብተግባርን ኣብኡ ካብ ምሕምባስ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ የለን።

 ዝተነጸረ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር መሰረት ዝገበረ ደሞክራስያዊ ሃዋህው ክህሉ፡ መሰረታት ንርእይቶና ረብሓና ይውክልዩ ንዝብልዎ ውድብ ድዩ ሰልፊ ብምሉእ ዓቕሞም ክድግፉ፡ እቲ ፖለቲካዊ መሪሕነት ብተመሳሳሊ ኣብ ስነ-ሓሳቡን መሰረታቱን ተኣማሚኑ ክሰርሕ ዘኽእል፡ ኩሎም ዜጋታት እታ ሃገር ናትና ኢሎም ዝተቐበልዎን ዝምእዘዝሉን ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ክህሉ ኣለዎ። ስለምንታይ ንሰለማዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ውድድር መበገሲኡን ዋሕሱን ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ስለ ዝኾነ። ካብ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ዘይቕዳሕ፡ ብኡ ድማ ዘይግራሕን ዘይዳነን ፖለቲካዊ ንጥፈታት ናይ ውሑዳት ተበለጽቲ መጻወቲ ሜዳ’ዩ ዝኸውን። ብከም’ዚ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ምድያብ ዕድል ዝረኸበ ውድብ ብተግባር እንታይ ከም ዝኸውን እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ጉጅለ ኤርትራ መረጋገጺ’ዩ። ጥዕና ዘለዎ ማሕበራዊ መሰረቱ ዘነጸረ ቅዋም ዝዋሕሱ ሰላማዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ውድድር ዝፍጠረሉ ጥጡሕ ባይታ ክመጽእ’ምበኣር ኣንጻር ውልቀ መላኺ ብንቕሓትን ትብዓትን ምቅላስ የድሊ። ካብ’ዚ ክትሃድም ወይ ናይ ማዕዶ ተዓዛቢ ክትከውን ከኣ ቅኑዕ ኣይኮነን።

 ካልእ ግቡእ ጠመተን መእረምታን ዘድልዮ ጉዳይ፡ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ምስ ካልኦት ተዛመደት ኣይተዛመደት ዝጎድላ ነገር የለን ዝብል ግጉይ ርድኢት ምሓዝ ’ዩ። ኣብ ዓለምና ኣነ ንበይነይ ዝበሃል ነገር የለን። ደቂ-ሰባት ኣብ ገጠር ይሃልው ኣብ ከተማ፣ ዝተማህሩ ይኹኑ ዘይተማህሩ፣ ሃብታማት ይኹን ድኻታት፣ ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ፡ ብርእይቶ ይጸላለው ብባህሊ ይወራረሱ፡ ብተግባር ይለቓቕሑ’ዮም።  ኣብ ዓለም ኣስታት 200 ዝኾና ልኡላውያን ሃገራት ኣለዋ። ካብ’ዘን ኩለን ሓንቲ ሃገር’ኳ ንበይና ዶባታ ዓጽያ ኩሉ ንወዲ-ሰብ ዘድሊ ነገራት ካብ ውሽጣ ኣማሊኣ ትነብር የላን። እታ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ስልጣነ ኣላ ትበሃል ኣመሪካ ንኣብነት፡ ካልኦት ካብኣ ይደሊያ፡ ብተመሳሳሊ ንሳ ካብ ካልኦት ከም እተደሊ ኢና ንዕዘብ ዘለና። ሃገረ ቻይና ኮነ ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ከምኡ።  ሃገር ማለት ፖለቲካዊ’ዩ። ልኡላውነት ማለት ፖለቲካዊ’ዩ። ሃገር ስለ ዘለካ፡ ልኡላውነት ስለ ዘለካ፡ ናተይ ትብሎ መንግስቲ ስለ ዘለካ ተነጺልካ ንበይንኻ ኣይንበርን። ከምኡ ምሕሳብ ቅኑዕ ኣይኮነን። እንተተደልየ’ውን ፈጺሙ ኣይከኣልን።  በቲ በልካ በቲ ካብ ፖለቲካ ምህዳም ኮነ ኣነ ንበይነይ ኢልካ ገዛኻ ዓጺኻ መን ከማይ ማለት ኣየዋጽእን። ኣነ ነበይነይ ማለት ከም ዘየዋጽእ ህልዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ጭቡጥ ምስክር’ዩ።

ሃገራይ ግዝኣተይ መሬተይ ክትብል እንከለኻ ኣብ ባሕሪ ፖለቲካ ትሕብስ ከም ዘለኻ ዘይምዝንጋዕ።  ኣብ’ታ ናተይ ትብላ ሃገር ዘይረኸብካዮ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ኣብ ካልእ ኬድካ ከተስተማቕር እንከለኻ፡ ኣብ ሃገርካ ዘይፈሪ ነገራዊ ሸቐጣት ካብ ካልኦት ንምርካብ ላዕሊ ታሕቲ ክትብል እንከለኻ እሱ ፖለቲካ ምዃኑ ተረዳእ።  ፖለቲካ ደቂ-ሰባት ንኻልእ ኢሎም ዘይኮነ ንገዛ ርእሶም ክብሉ ምስ ካልኦት ሓቢሮም ዝዋስእሉ ዓውዲ’ዩ።  ኣብ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት  ኣብ ሕድሕዶም ኮነ ምስ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ክራኸቡ፡ ሓሳባት ድዩ ሸቐጥታ ክለዋወጡ ግዱዳት’ዮም። እዚ ከኣ ፖለቲካን ውጽኢት ፖለቲካን’ዩ።

ኣብ ፖለቲካ ዝተዛበዐር ርድኢት ክተሓዝ ካብ ዝገብሩ፡ ሓደ ዘይንቕሓት፣ ካልኣይ  ነብሰ ትሕተት፣ ሳልሳይ ፍርሒ፣ ራብዓይ ሕሉፍ ስሰዐ ...ወዘተ’ዮም። ኣብ ኤርትራ ሎሚ ካብ’ቶም ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ዝተዘርገ ኣተሓሳስባ ዝኣተው ሰባት፡ ገሊኦም ንነብሶም ጠቕሊሎም ካብ ባሕሪ ፖለቲካ ከም ዘውጽእዋ ዝኣምኑ’ዮም።  ገሊኦም ሃገር ማለት ሰብ ምዃኑ ኣይፈልጡን። ገሊኦም ብኩለንተናዊ ሕሰም እናተገርፉ መን ከማና ከም ናትና ምሕደራ ብዝብል ኣጉል ትምክሕቲ ዝዓወሩ’ዮም። ንኣብነት እቶም ብዱላት ክንሶም ከም በደልቲ ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊኦም ብገንዘቦም፡ ጉልበቶም፡ ፍልጠቶም ንእንኮ-ሰባዊ ስርዓት ዘገልግሉን ንኢሳያስ ድማ ዘምልኹን ውገናት፡ መግለጺ ናይ’ቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዝተዛበዐ ኤርትራዊ ፖለቲካ’ዮም። ስለዚ ከኣ ካብ ፖለቲዊ ተሳተፎ፡ ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረትን ወጻኢ፡ ካብ ኩሉ ተነጺልካ ምንባር ኣይከኣልን’ሞ ኣብ ጉዳይና ጉዳይ ሃገርና ብሓሳብን ብተግባርን ተሳትፎና ነረጋግጽ።

                                                            ክብሮም ከሰተ

                                          ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                             22 ጥቅምቲ 2023