መዛግብቲ ታሪኽን ምሁራት ስነ-ታሪኽን ከም ዘረጋግጽዎ መበገሲ ናይ’ዚ “ባርነት” ዝብል ኣምር ዋንነት ትሕዝቶ ነገራዊ ሃብቲ’ዩ።  ምንጪ ዕለታዊ መግቢ ናይ ቀደም ሰባት ካብ ሃደን እንስሳ ዘገዳምን ፍረታት’ዩ ዝርከብ ነይሩ። ነቲ ማእሪሮም ዝረኸብዎ እቶት ኣብ ምክፍፋል ድማ ይጋጨው ነይሮም። ኣብ’ቲ ግጭት ሰዓርን ተሰዓርን ይኾኑ። ዝሰዓረ ጎይታ ዝተሳዕረ ኣገልጋሊ ወይ ጊላ ይኸውን ስለ ዝነበረ፡ ባሪያ (ባርነት) ብኸምዚ ከም ዝጀመረ ይሕብሩ። እቶም መዛግብቲ ታሪኽን ምሁራት ስነ-ታሪኽን ነዚ ናይ ጉልበታዊ ዕዮ ግዱድ ባርነት ኢሎም’ዮም ዝገልጽዎ።

 

ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ’ዚ  ባሪያ፡ ባርነት፡ ስርዓተ ባሪያ ዝበሃል መበገሲኡን ተግባሩን ሕልናዊ ዘይኮነ ግዱድ  ጉልበታዊ ዕዮ ምዃኑ የረድኡ። ምኽንያቱ ናይ ጉልበት ባርነት ግዱድ ምዃኑ ዘረጋግጹ፡ እቶም ኢዶምን እግሮምን ብናይ ሓጺን ሰንሰለት ተኣሲሮም ብኮርማጅን በትርን ከም ሕሱም እናተገርፉ ከገልግሉ ዝተፈርዱ ሰባት’ዮም፡፡ ንሳቶም ምስ ሕልናዊ ነጻነቶም ስለ ዝነበሩ’ዮም  ብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ምስ ኣሰራሕቶም ዝበኣሱ፡ እንተሰሊጥዎም ከኣ ዝቐትሉ ዝነበሩን። ኣስራሕቶም’ውን ምስ ሕልናዊ ነጻነቶም ከም ዘለው ስለ ዝፈልጡ’ዮም ብናይ ሓጺን ሰንሰለት ዝኣስርዎም፡ ኣካሎም ዘጉድልዎም፡ ኣብዘይድፋእን ዘይድየብን ብኮንኩሪት ዝተሰርሐ ኣባይቲ ከም ከብቲ ዝሕዝዎም ዝነበሩ። ግዱዳት ናይ ጉልበታዊ ዕዮ ባሮት’ምበር ናይ ሕልና ባሮት ብድሌት ስለ ዘይነበሩ ድማ’ዮም፡ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ናብ ተነጻጻሪ ነጻነት ክሰጋገሩ ዝኸኣሉ። ካብ ብሉይ ባርነት ናብ ስማዊ ዘመናዊ ባርነት ለውጢ ክተኣታቶ ጸቕቲ ዝገበሩ።

 እዚ ግዱድ ባርነታዊ ጉልበታዊ ዕዮ መልክዑ ቀይሩ ደኣምበር ዛጊት መሊኡ ኣይጠፍአን። ግዱድ ጉልበታዊ ባርነት ብስማዊ ክፍሊት ይቕጽል ከም ዘሎ ይሕብሩ። ጸጋታት ናይ’ዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ርትዓውነት ብዝጎደሎ ብውሑዳት ሰባት ተገቢቱ ይርከብ። ስለዚ ከኣ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ውሑዳት ሰብ ሃብቲ ዝወደቕሉ ልዕልና ሒዙ ኣሎ። ብስም ሰብኣዊ መሰልን ነጻነትን ዝወሃብ ሽፋን ብዘየገድስ፡ ናይ ስርሕ ሰዓታት ዝውስኑ እቶም ውሑዳት ሃብታማት ‘ምበር እቶም ብዙሓት ድኻታት ኣይኮኑን። ንረቒቕ ፍልጠት ኮነ ጉልበታዊ ዕዮ ንሰዓት ድዩ ንወርሒ ክንደይ ክኽፈል ከም ዘለዎ ዝውስኑ ንሳቶም እቶም ውሑዳት ሃብታማት’ዮም። እቲ ዝበዝሕ በቲ ንሳቶም ዝወስንሉ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ክፍሊት ተቐቢሉ ክኸይድ ኢና ንዕዘብ ዘለና። ኣብ መብዛሕቲኡ እቲ ክፍሊት ምስ’ቲ ስራሕ ዝመጣጠን ኣይኮነን። ካልእ ምርጫ ስለ ዘየለ ግን ብሓውሲ ፍቶት፡ ብግዴታ ፍልጠቱ ድዩ ጉልበቱ ሸይጡ ይነብር። እዚ ብሰናይ ምርጫኻ ዝእቶ መሸጣ ፍልጠትን ጉልበትን ምስ’ቲ ዝወሃብ ክፍሊት ስለ ዘይመጣጠን ድማ ዘመናዊ ባርነት ዝብል መግለጺ ተደጋጊሙ ይስማዕ።

ብዝኾነ ቀጥታዊ ግዱድ ባርነታዊ ዕዮን ብስማዊ ክፍሊት ብስምምዕ ዝካየድ ተዘዋዋሪ ባርነታዊ ዕዮን ስውር ኣይኮነን ብዓይኒ ዝረአ’ዩ። መፍትሒኡ ኸኣ ዝተወደበ ርሱን ደርባዊ ቃልሲ ምክያድ ጥራሕ ምዃኑ ምሁራት ስነ-ታሪኽ የረድኡ።  መልእኽቲ ጽሑፈይ ናብ ግዱድ ባርነታዊ ዕዮ ዘትኮረ ኣይኮነን። መበገሲ ሓሳባይ ብኣዝዩ ዘሰክፍ መልክዑ ኣብ ገለ ኤርትራውያን ዝስዕርር ዘሎ ካብ ጭቡጥ ክውንነት ዝረሓቐ ኣምልኾ ኣብ ሓደ ሰብ ዘትኮረ’ዩ። ዝበዝሕ ህዝቢ ዓለም ዝኣምነሉን ዘምልኾን ምድርን ሰማይን ህይወት ዘለዎን ዘይብሉን ዝፈጠረ ህላወ ሓደ ኣምላኽ’ዩ። ኣብ ህላወ ሓደ ኣምላኽ ዝኣምን ሰብ ንዕኡ ከምልኽ ንቡር’ዩ። ንኸማኻ ሰብ ምምላኽ ግን ንቡር ኣይኮነን። ቅቡል ዘብሎ መረዳእታ’ውን የብሉን።  ቅዱሳን መጻሕፍቲ ከም ዝብልዎ ንክልተ ነገራት ብማዕረ ከተምልኽ ኣይከኣልን።  ኣብ ሓደን መወዳድርቲ ዘይብሉን ፈጣሪ ጥራሕ ኣምልኽ’ዮም ዝብሉ። ኣብ ኣምልኾ ሰብን ፈጣርን ምምታእ ኣይፍቀድን። ካብ ሕጊ ሃይማኖት ወጻኢ’ዩ። ጣኦታዊ ኣምልኾ’ዩ እዮም ዝብሉ።

ሎሚ ግን ኣብ ኤርትራ ብኣንጻርቲ ሕጊ ሃይማኖት ዝኸዱ፡ ሰብ ዘምልኹ ሰባት ንዕዘብ ኣለና። እዚ ኣምልኾ ኣብ ከማኻ ሰብ ብዝተጻሕፈ ሰነዳት ዝግለጽ ኣይኮነን። ብተግባር’ዩ ዝዛረብ። ምኽንያቱ እቶም ኣምለኽቲ ሓደ ሰብ ሃይማኖተኛታት ኢና’ዮም ዝብሉ። ብቕዱሳን መጻሕፍቲ ንምራሕ ኢና በሃልቲ’ዮም። ኣብ ህላወ ሓደ ኣምላኽ ንኣምን ኢና’ዮም ዝብሉ።  ናብ ቤተ እምነታት ከይዶም ይሰግዱን ይጽልዩን’ዮም። ብሓጺሩ ሃይማኖተኛታት ኣይኮናን፡ ብትእዛዝ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ኣይንምራሕን፣ ኣብ ህላወ ሓደ ፈጣሪ ኣይንኣምንን፣ ኣይንሰግድን ኣይነጸሉትን ኣይብሉን። ብባህርን ብተግባርን ግን ጸረ-ሃይማኖት፡ ጸረ ቅዱሳን መጻሕፍቲ፡ ጸረ-ሓደ ኣምላኽ፡ ጸረ-ሓቀኛ ስግዳንን ጸሎትን ክኸዱ ይረኣዩ። ስለዚ ከኣ ጸረ-ሰብኣዊ ፍጡር፡ ጸረ-ፍትሒ፡ ጸረ-ሓቂ’ዮም። እቲ ሃይማኖተኛታት ኢና ኣብ ህላወ ሓደ ኣምላኽ ንኣምንን ነምልኽን ኢና ዝብልዎ ምስሉይነት’ዩ። እቲ ስግዳንን ጸሎትን ንስለ ረኣዩልና ስምዑልና ዝግበር ሽፋን’ዩ።  ሓቀኛ እምነቶም ኣብ’ቲ ከም ደቂ-ኣሕድርትና ኣሎን ዝበሃል ግን ከኣ ሕጋዊ ሕላወ ዘይብሉ ህግደፍ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ወልቀ ሰብ ኢሳያስ’ዩ ዘምልኽ። ህላወ ውድብ ህግደፍ ብፖለቲካ ብሕጊ  ብኣመራርሓ እስከ ኣርእዩና እንተኢልካዮም ከርእዩ ኣይኽእሉን። ስለምንታይ ስለ ዘየለ። ንኢሳያስ ክሳብ ምምላኽ ዘብጸሓኹም ሕጋዊ ውክልና፡ ህዝባዊ ሓልዮቱ፡ ፖለቲካዊ ናይ ምምሕዳር ብቕዓቱ ዘረጋግጽ፡ ኣብ ሃገራዊ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣  ቁጠባዊ ምዕባለ፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ውሽጣዊ ሓድነት፣ ዲፕሎማስያዊ ዓወት እስከ ኣቕርቡ ምስ ዝበሃሉ ከቕርብዎ ዝኽእሉ መርተዖ የብሎምን።

 ኣብ’ዚ ንርከበሉ መዋእል፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብሕጊ ‘ምበር ብስምዒት፡ ብትካላዊ ኣሰራርሓ ‘ምበር ብድሌት ውልቀ ሰብ ኣይምራሕን። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ካብ ጥንቲ ብልዕልና ግዝኣተ ሕጊ  ዝኣምን ኣካል ኣምሳል ማሕበረ-ሰብ ዓለም’ዩ። ንሳቶም ግን ካብ መስመር ሰብኣውነት፡ ሰማያውን ምድራውን ሕግን ኣሰራርሓን ወጻኢ ኣምለኽቲ ሓደ ሰብ’ዮም። ምኽንያቱ ስርዓተ ሃይማኖት በቲ ዘምልኽዎ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብቕሉዕ እናተጣሕሰ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ብዘይ ጭቡጥ ምኽንያትን ክስን እናተኣስሩ፡ ብጭውያን መርሸትን እናጠፍኡ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሳቕዮም እናመቱ፡ ንብረት ሃይማኖታዊ ትካላት እናተዘምተ፡ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ክቕደድ፡ ብሓዊ ክቃጸል ... ወዘተ እናረኣዩን እናሰምዑን እንቋዕ ኮነ ‘ምበር ዓገብ ኣይብሉን።

 ነቲ ኣብ 1997 ኣጽዲቕናዮ ዝብልዎ በይናዊ ቅዋም፡ እቲ ዘምልኽዎ ሰብ በቲ ልሙድ ዘይእርኑብ ናይ ዓዋሉ ቋንቋ፡ ቅዋም ቅዋም ኣይትበሉ ቅዋም 97 መይቱ’ዩ ኢሉ ከርደኦም እንከሎ ኣይሰንበዱን። ኣይተቖጥዑን። ዝኾነ ተቓውሞ ኣየስምዑን።  ቅዋም’ዶ ይመውት’ዩ ኣይበሉን። ብዘይ ቅዋም ደኣሞ ብኸመይ ክንመሓደር ተጋጊኻ ኣለኻ’ሞ ተኣረም ዝብል ሕቶ ኣየልዓሉን። ኣብ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዘለዎም እምነት መለኮታዊ ‘ምበር ፖለቲካዊ ስለ ዘይኮነ፡ ነቲ መርድእ ሞት ቅዋም 1997 ከም ዘለዎ’ዮም ጎሲመሞ። ፖለቲካዊ ማዕበያኦም ድሕሪ ኢሳያስ ምዝራብ፡ ናብ ተግባር ምብጋስ ‘ምበር፡ ሕቶ ርእይቶ ምቕራብ ዘረባ ኢሳያስ ምብልሻው’ዩ ዝብል ምሩኽ ሕልና ስለ ዝኾነ፡ ብጸጋ ተቐቢለሞ ይነብሩ ኣለው።

ኢሳያስ ሓንሳእ ዘይኮነ ደጋጊሙ፡ ነዊሕን ሰፊሕን ባሕሪ ኣለና ግን፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 32 ዓመታት ኣይተጠቕምናሉን። ክልተ ወደባትን ብዙሓት ማርሳታት ኣለና ኣይተጠቕምናሉን። ጽገና’ውን ኣይተገብረሉን። ጽርጊያታት ጣልያን ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ምስ ሃነጾ ዝኾነ ጽገና ኣይተገብረሉን። መዓርፎ ነፈርቲ’ውን ከምኡ። ቀረብ ማይ ኮነ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌትሪክ ኣብ’ዛ ሃገር ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ኮታ ኣብ ባሕሪ፡ ወደባት፡  ጽርግያታት፡ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ሃብቲ ማይን ጸዓትን ዋላ ሓንቲ ኣይሰራሕናን። ኩሉ ዳርጋ ዘየለ’ዩ ኢሉ ብግልጺ እናነገሮም፡ ኤርትራ ብሳላ መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ልምዓት ፖሊሲ ኣብ ገስጋስ ምዕባለ ትርከብ ኣላ ኢሎም ይማጎቱ። ንውድቀት ምሕደራ ኢሳያስ ልዕሊ ኢሳያስ ኮይኖም ይከላኸሉ። እዚ ካብ ጌጋኡ ብመርተዖ ዘይምለስ፡ ብዓይኑ ርእዩ ዘይኣምን ኣተሓሳስባ መግለጺ ግዱድ ጉልበታዊ ባርነት ኣይኮነን። መግለጺ ሕልናዊ ባርነት ብድሌት’ዩ።

 ስድራ-ቤታት ይበታተና ኣለዋ። ዜጋታት ይስደዱ ኣለው። ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ሓደጋ ያጋጥሞም ኣሎ። ኣብ ማእካላይ ባሕሪ ብጃምላ ናይ ዝተቐዝፉ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወገናት፡ ወጻእተኛታት መዓልቲ ሓዘን ብምእዋጅ ብወግዒ ኣብ ሰብኣውነት ዘለዎም ክብርን ሞራልን ገሊጾም። ዝተበታተነ ሬሳ ኤርትራውያን ግዳያት ብዙሕ ሰብኣዊ፡ ገንዘባዊ ነገራዊ መሳለጥያን ኣውጺኦም፡ ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ኣእትዮም፡ መለለዪ ኮድ ገይሮም ብጥርኑፍ ክቐመጥ ገይሮም። እቲ ንሳትኩም ተምልኽዎ ትውድስዎ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ግን ኣይናትናን ክብል ክሒድዎም። ኣስካሬኖም ካብ 2013 ክሳብ ሎሚ 2023 ንቡር ስርዓተ ቀብሪ ተሓሪምዎ ኣብ መኻዚኖ ሃገረ ጣልያን ይነብር ኣሎ ምስ እትብሎም፡ መንግስትና ከዋርዱ ዝወፈሩ ከደዓት’ዮም። እንቋዕ ኮኑ’ እንቋዕ ድማ ከምኡ ገበረ ዝብል ንምስማዑ ዘደንጹ መልሲ ይቡኻ። ዝተኸፍለ ይከፈል ፖለቲካዊ ምስሊ ኢሳያስ ክበላሾ ክድወን የብሉን። ህላወ ሃገረ ኤርትራ ምስ ህላወ ወዲ ኣፈወርቂ ዝተኣሳሰረ ስለ ዝኾነ ናይ ግድን ኢሳያስ ይንበረልና ንበር ይብሉ።

ብሕማም ሕስድና ዝተጠቕዐ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ንነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ብመትከል ንዝኣምን ብተግባር ህይወት ንዝገበረ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ብጥቕራን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን ተጻባእቲ ልኡላውነት ኤርትራን ኣምሲሉ ብዘካየዶ ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ ከም ዘለዎ ተቐቢሎም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወሰድዎን ገና ዝወስድዎ ዘለውን ህዝቢ ከም ህዝቢ ናይ ምጽናት መደብ ካብ ሕልናዊ ባርነት ሓሊፍካ እንታይ ክበሃል ይከኣል? መራሒኦም ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ’ዮም ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ’ዩ። ኣቢይ ካብ ሎሚ ንደሓር ንስኻ ኢኻ መራሒና ...ወዘተ ምባሉ ኣየሕሰቦምን ኣየቖጠዖምን። ኣብ ኣዳራሻት ኢትዮጵያን ኣብ ጎደናታት ምዕራባዊ ዓለምን ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ ሒዞም ዝፈልየና የለን ተደሚርና ኢና። ሓድነትና ብደምን ኣዕጽምትን ዝተለወሰ’ዩ ክብሉ እንከለው ንዓታቶም  ህዝባውን ሃገራውን ክድዓት ዘይኮነ ሓላል’ዩ።  ወይ ምስ መን ተሻሪኾም  ንመጻኢ ወለዶ ዕዳ ይገድፍሉ፡ ብባሕርና ይዋገዩ ከም ዘለው ኣይተሰቆረሙን።

 ተገልቢጦም፡ ኣብ ከበባ ኣትዩ ዘርኢ ምጽናት ንዝተኣወጆ ህዝቢ ትግራይ ብዓይኒ ህዝባውነትን ፍትሕን ምድጋፍ፡ ትግራይ ትስዕር ( ፍትሒ ትስዕር) ንዝብሉ፡ ሃገራዊ ሰራዝነት፣ ትግራዋይነት፣ ወያኔነትን ኢሎም ከጸልሙ ክፍትኑ እንክትሰምዕ ትግረም። ትሓፍር። ነዚ ብርግጽ ፖለቲካዊ ቁማር ዝብል ቃል ኣይገልጾን። ጥቕራን ዝብል ቃል ኣይገልጾን። ፖለቲካዊ ድንቁርና ዝብል ቃል ኣይገልጾን። ደገፍቲ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ዝብል ቃል ኣይገልጾን። ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ፖለቲካዊ ዘይኮነ፡ ሰብኣዊ ውድቀት ብልክዕ ዝገልጾ ሕልናዊ ባርነት ብድሌት ዝብል ጥራሕ’ዩ።

 ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይኮነ ደማዊ (ናይ ዘርኢ) ምትእስሳር ብተራ ናይ ፕሮፕጋንዳ ጽልኢ ዝብተኸ ኣይኮነን። ፋሽሽታዊ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጸሞን ገናውን ዝቕጽለሉ ዘሎን ኩሉ ዓይነት ናይ ምጽናት መደባት፡ ኣይኮነን ነቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ንናይ ማዕዶ ተዓዛቢ’ውን መሪር ቃንዛ’ዩ። እንተኾነ ግን ፈጸምቲ ገበን ደኣ ብህዝባዊ ቃልሲ ተታሒዞም ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም ናይ ኢዶም ይረኽቡ ‘ምበር እቲ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘሎ ዝምድናስ ኣይብተኸን። ኣሕዋት ኮይኑ መዳውብቲ ኮይኑ ክቕጽል’ዩ።

 ኣነ ንኢሳያስን ሰዓብቱን ብባህሪኦምን ፋሽሽታዊ ተግባሮምን’ምበር ብትውልዶም ካብ ዝኸሱ ሓደ ኣይኮንኩን። ጸረ-ህዝቢ ባህሪኦምን ፋሽሽታዊ ተግባሮምን ምስ ናይ ትውልዲ ሓረጎም፡ ኣሕዋቶም፡ ኣሓቶም፡ ደቆም ክተተኣሳስሮ ምፍታን ክእረም ዘለዎ ግጉይ ርድኢት’ዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለኒ። ፖለቲካ መሰረቱ ኣረኣእያ’ዩ። ናይ ኤርትራ ትውልዲ ዘለዎም ብዙሓት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ኣብ ትግራይ ከኣ ብፍላይ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ስልጣን ኮይኖም ዝዋስኡ ሰባት ነይሮምን ኣለውን። ናይ ትግራይ ትውልዲ ዘለዎም ሰባት’ውን ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ነይሮምን ኣለውን።  ስለዚ ድማ’የ ነቲ ኣብ ክንዲ ብባህርን ብተግባርን ብትውልዲ ዝቐርብ ክሲ ዘይቅበሎ። እዞም ኣምለኽቲ ሓደ ሰብ፡ ናይ ትግራይ ትውልዲ ብዘለዎም ሰባት እናተመርሑ፡ ትግረዋይ ጎሬቤት ዘይብላ ኤርትራ ክሪኡ፡ ንህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ክጸልኡ፡ ከቆናጽቡ፡ ናይ ህልውናኦም ሓደጋ ገይሮም ከቕርቡ ክርእን ክሰምዕን እንከለኹ ግን ይገርመኒ። ሰብን ዓይነታዊ ሓድግታትን ትግራይ ብማዕረ ንምጽናት እናተረባረቡ፡ ንጸረ-ህዝቢ ባህርን ፋሽሽታዊ ተግባርን እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ገዛኢ ንዝቃወሙ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብትሕቲ ሃገርነት ትግራዋይነት ከጸልሙ እንከለው ብሓቂ ይገርም፡፡ እዚኦም ብርግጽ ናይ ጉልበት ባሮት ኣይኮኑን። ናይ ፖለቲካ ደገፍቲ’ውን ኣይኮኑን። እንታይ ደኣ ሰብኣዊ ክብሮም ዝተመንዝዑ ናይ ሕልና ባሮት ምዃኖም’ዩ ዘመልክት።

ኣብ ኤርትራ ዝስዕርር ዘሎ መልክዕ ባርነት’ምበኣር ብዓይነቱ ዝተፈልየ’ዩ። ልዕሊ ፈጣሪ ሰብ ዘምልኽ’ዩ። ሰብኣውነቱ ዝንዕቕ ኣተሓሳስባ’ዩ። እቲ ዘምልኽዎ ሰብ ክንሱ፡ ብእምነቶም ግን ሰብ ኣይኮነን ኩሉ ዘይሰኣኖ ልዕሊ ኩሎም ሰብኣዊ ፍጡራት’ዩ። ብብልሒ ኣእምሮኡ ተወዳዳሪ የብሉን። ብሓይሊ ሓሳብ ኮነ ብስነ-መጎት ሓይሊ ንዕኡ ዝስዕር የለን። ሰማይ ዘድንን መለኮታዊ ሓይሊ’ዩ። ፈጺሙ ኣይጋገን። ኩሉ ንሱ ዝብሎን ዝገብሮን ቅኑዕ’ዩ ዝብል ፍጹማዊ እምነት ዝተቐበለ’ዩ።

ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ፍጹማዊ እምነት ምሕዳር ንቀጻልነቱ ኩሉ ዝኽፈል ክትከፍል ድልዊ ምዃን ብዘየማትእ ሕልናዊ ባርነት ብድሌት’ዩ።  ሕልናዊ ባርነት ብድሌት ከኣ ክሓዊ ዘይኽእል ሕማም’ዩ። ዝዛረብ ዝንቀሳቐስ ግን ከኣ ሰብኣዊ ሕልናኡ ናይ ዝሞተ ሰብ ኣተሓሳስባ’ዩ። ስለምንታይ’ሲ እቲ ዘምልኽዎ ኢሳያስ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 32 ዓመታት ኣይኮነን ሓድሽ ትሕተ ቅርጻ ክንሃንጽ ነቲ ዝነበረ’ውን ኣይጸገናን። ዋላ ሓንቲ ኣይሰራሕናን። ባሕሪ ኣለና ወደባት ኣለና ክንብል ኣይንኽእልን። ቅዋም መይቱ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ’ዩ።  ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝሓለፈ ሰለስተ ወለዶታት ከሲሩ’ዩ። ኣቢይ ካብ ሎሚ ንደሓር መራሒና ንስኻ ኢኻ ...ወዘተ ኢሉ እናነገሮም ደው ኢሎም ክሓስቡ፡ ምስ ነብሶም ክዕረቑ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።  ኢሳያስ ኣይሰራሕናን እናበለ ሰሪሕና’ባ ዝብሉ ህልዋት ዘይህልዋት’ዮም። ኢሳያስ ኣየልማዕናን እናበለ፡ ኣልሚዕና’ባ ኢሎም ዝማጎቱ ጉዳማት ናይ ሕልና ባሮት’ዮም።

 

                                                         ካብ ክብሮም ከሰተ

                                                ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                             11 ጥቕምቲ 2023