ህዝባዊ ቃልስና ካብ ኣርባዓታት ጀሚሩ ዘካየዶ ሕጋውን ሰላማውን ፖለቲካዊ ቃልሲ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትየጵያን ውዲት ናይ ተሓባበርቶምን ብሓይሊ ምስ ተኣገደ፡ መልክዕ ህዝባዊ ቃልስና ናብ ዕጥቃዊ /ዓመጻዊ/ ኣገባብ ክቕየር ግድን እዩ ዝኾነ፡፡ ይኹን ዳኣምበር ኣብቲ ግዜ እቲ ዓመጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ክመርሕ ዝኽእል ዝተዳለወ ብቑዕ ፖለቲካዊ ውድብ ስለ ዘይነበረ፡ ዕጥቃዊ ቃልስና ኣብ ውሽጢ ሃገር ቀልጢፉ ክብገስ /ክጅምር/ ኣይተኻእለን፡፡

 

ብምዃኑ ድማ ብኣበጋሳይነት ኣብ ወጻኢ /ግብጺ/ ዝነብሩ ዝነበሩ ውሑዳት ተማሃሮን ብምትብበዕን ምትሕብባርን ውልቀታት ፖለቲከኛታት ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ኣንጻር ኢትዮጵያዊ መግዛእትን ተሓባበርቶምን ዝቃለስ ንዝተጋህሰ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋግጽ /ዝመልስ/ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ሃገራዊ ውድብ /ተ.ሓ.ኤ/ ክምስርቱ በቒዖም እዮም፡፡ እዞም ዕዉታት ተቓለስቲ ሃገራውያን እዚኦም እቲ ቃልሲ ኣብ ወጻኢ ክጅምር ዘገድድ ወድዓዊ ኩነታት ዋላ እንተነበረ፡ ከድምዕን ብዘተኣማምን ክካየድ ዝኽእል ኣብ ውሽጢ ሃገር በቲ ውጹዕ ህዝብና ክካየድ ምስ ዝኽእል ምዃኑ ብግቡእ ስለ ዝተረድኡ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓጸረ ግዜ ህዝባዊ ቃልስና ኣብ ሃገርና ብዕጥቃዊ ቃልሲ ተሰንዩ ክካየድ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክጅመር ብምግባር ህዝብና ኣብቲ መስከረም 1961 ዝተጀመረ ዕጥቃዊ ቃልሲ እናዓሰለ ክቃለስ በቒዑ እዩ፡፡

ህዝባዊ ቃልስና ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ክካየድ ምግባሩ ሓደ መሰረታዊ ኣገዳሲ ኩነት እኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መሪሕ ሓይሊ ዝተማለአ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ እስትራተጂ ሓንጺጹ ተቓሊሱ ዘቃልስ ስለ ዘይነበረ፡ ህዝባዊ ቃልስና ንከባቢ ዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ብዘይካ እቲ «ብጸላኢ ዝወረደት ባንዴራና ኣምሊስና ሃገራዊ ነጻነትና ንምርግገጽ ክንቃለስ ኢና» ዝብል ጥቕሉል ዘይተዘርዘረ እምነት ብምሓዝ ብፍቕሪ ሃገርን ናጽነትን ምቅላስ ካብኡ ንላዕሊ ስለ ዘይተበቕዐ፡ ህዝባዊ ቀልስና ኣብ ዕንይንይ ምባልን፡ ዝተፈላለዩ ብድሕረትን ጽበትን ዝግለጹ ጠንቅታት ዝፈጠርዎም ምፍልላያትን ጸገማትን ክኽሰቱን ተቓላሳይ ህዝብናን ተቓለስቲ ደቁን ንዓቢ መሰናኽላትን ጸገማትን ናይ ምፍንጫላት ኣሉታዊ ሳዕቤናቶምን ግዳያት ክኾኑ ተገዲዶምን ኮይኖምን እዮም፡፡

በዚ ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ተርእዮ እዚ ድማ ህዝባዊ ቃለስና ክናዋሕን ካብ ክኸፍሎ ዝግባእ ንላዕሊ ዋጋ  መስዋእትን ኩሉ-መዳያዊ ሓሳረ-ክሳራን ዕንወትን ከተኣናግድ ተገዲዱ እዩ፡፡ እቲ ናብዚ ኩሉ መዳያዊ ክሳራን ጸገማትን ዘሳጠሐ ፖለቲካዊ ክስተት ድማ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ኣብ መሰረታዊ ፍልልይ ዘይብሉ ዕላማን ውደባታትን እናዓሰሉ፡ ዝተማለአ ፕሮግራም ፍልለያቶም /ናይ ሎምን ጽባሕን/ ኣነጺሮም ዘየርእዩ፡ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ድሕሪ ምብራር ባዕዳዊ ጸላኢ እንታይ ዓይነት ስርዓት ክህነጽ ኣለዎ፤ ተሳትፎ ህዝብና ኣብቲ ዝህነጽ ፖለቲካዊ ስርዓትከ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብሉ..ኣገደስቲ ነጥብታት ንህዝብታትና ስለ ዘየርእን ዝበኾረን እዩ፡፡

ብኣንጻሩ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ፖለቲካዊ ስልጣን መን ተቖጻጸረ፡ ዝብል ዘይደሞክራስያውን በሓትን እምነት ብምሓዝ፡ ነንእምነቶም ግብራዊ ንምግባር «ውግእ ሕድሕድ» ብቐጻሊ ብምኽፋት ህዝብታትና ባዕዳዊ ጸላኢ ንምብራርን ውግእ ሕድሕድ ንምክያድን ክልተ ዓይነት መስዋእትን ስንክልናን ከጋጥሞምን ንዝተፈላለዩ ክሳራታትን ጸገማትን ክሳጥሑን ኮይኖም እዮም፡፡ እዚ ኣሉታዊ ኩነታት ስለ ዝዓብለለ ድማ ሓድነት ተቓለስቲ ሓይልታት ክረጋገጽ ኣይተኻእለን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ውድባት ዋላ ብዝተሓተ ደረጃ ዝግለጽ «ስሙር ግንባር» ከይተመስረታን ውሁድ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ምክያድ ከይበቕዓን ተራ ሃገራዊ ነጻነትና ብልዕልነት ናይ ሓደ ትምክሕተኛ ሓይሊ /መሪሕነት ህግሓኤ/ ከትረጋገጽ በቒዓ ኢያ፡፡

ስማዊት ሃገራዊ ነጻነትና ምስ ተረጋገጸት ድማ እንምነዮም ዝነበርና ሰላምን ምርግጋእን፡ ፍትሕን ደሞክራስን ልምዓትን ንምስፋንን ንምርግጋጽን ዝተጀመረ ቃልሲ በቲ በሓቲ መንግስቲ ምስ ተኣገደ፡ ኣንጻር ጸረ-ህዝብን ደሞክራስን መ/ህግደፍ ከነካይዶ ዝጸናሕናን ነካይዶ ዘለናን ቃልሲኸ እንታይ ምዕቡልን ድኹምን ጎኒ ኣለዎ ኢልና ብሓፈሽኡ  ክንመዝን እንከለና ድማ፤

 ኣወንታዊ /ሓያል ጎኒ ደምበ ተቓውሞና ብከምዚ ምጥቃስ ዝካኣል እዩ፡

-ወጽዓ ክሳብ ዝሃለወ ሕብረተ-ሰብና ይኹን ተቓዋሚ ሓይልታቱ ክቃለሱ ግድን እኳ እንተዀነ፡ ተቓወምቲ ሓይልታትና ምስ ዘለዎ ዝተፈላለዩ ድኽመታትን ጽገማትን ከይተሓለለ ክቃለስ ምጽንሑን ይቃለስ ምህላዉን ንጥፈታቱ ዘዕግብ ዋላ እንተዘይኮነ ንዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ እናነቐፍካን እናደገፍካን ብኣወንታዊ ጎኒ ዝግለጽ እዩ፡፡  

-ኣብ ዝተፈላለዩ ወጻኢ ሃገራት /ዲያስፖራ/ ብሓፈሻ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ካኣ ብፍላይ፡ ንመ/ህግደፍ ዘቃልዕ ብዝተወደበን ዘይተወደበን ኣገባብ ቃልሲ ብምጥቃም፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ቀሊል ዘይኮነ ፖለቲካዊ ምቕላዓት እናካየደ ዝመጸን ይቕጽል ምህላዉን ኣገዳሲ ኣወንታዊ ጎኒ ተገይሩ ዝውሰድ እዩ፡፡

-መ/ህግደፍ ናይ ህዝቢ ሰፊሕ ኣኼባታት ሰሚናራትን ንከይገብር፡ ዓቢ ብደሆን ዕንቅፋትን ብምፍጣር ዋላ ኣድማዕን ዘዕግብን ኣይኹን፡ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ፖለቲካዊ ስኽፍታን ሽቑረራን ክፈጥር ምጽንሑን ምህላዉን፡፡

-መ/ህግደፍ ብስም መሕወዪ ግብርን ክልተ ካብ ሚእትን ካለኦት መምርሒታትን ምስመሳትን ብምጥቃም ዝረኽቦ ዝነበረ መጠነ ብዙሕ ገንዘብ ብምቅዋም ንክስእን እቶቱ ክጎድልን ክዳኸምን ኣብ ምግባር ከካይዶ ዝጸንሐን ዝቕጽለሉ ዘሎን ወፍሪ ተቓውሞን ምቅላዓትን ወዘተ ኣወንታዊ ንጥፈታት ናይ ደምበ ተቓውሞና ተገይሮም ክወሰዱ /ክጥቀሱ/ ዝካኣል እዩ፡፡

ህልዊ ጉድለታት ደምበ ተቓውሞና፤

- ደምበ ተቓውሞና ብወሳኒ መዳዩ፡ ካብ ህዝብታትናን ሃገርናን ወጻኢ ኣብ ጎረባብትን ካለኦት ወጻኢ ሃገራት /ዲያስፖራ/ መበገሲ ብምግባር ይነጥፍ ብምህላዉ፡ ህዝብታትናን ሃገርናን ደጀን ብምግባር ናይ ህዝበታትና ወጽዓን ጸገማትን ማእከል ዘገበረ፡ ህዝብታትና ብቐረባ ብምብርባርን ተወፊና ክንቃለስ ንበቅዕ ብዘይምህላውና፡ ናይ ህዝብታትና ጉልበትን ትሕዝቶን ብግቡእ ወዲብና አወሃሂድናን ክንጥቀመሉ ንኽእል ስለ ዘየለና፡ህዝባዊ ቃልስና ክረኽቦ ዝኽእል ተቓላሳይ ዓቕምን ናይ ቃልሲ ኣሳልጦን ከይህሉ፡ቃልሰና ክነውሕን ኩሉ-መዳያዊ ክሳራ ከጋጥመናን፡ መ/ህገደፍ ዕድል ረኺቡ መግዛእታዊ ዕድሚኡ ከናውሕን ዝገብር ዘሎ ስለ ዝኾነ እቲ ዘዓበየ ድኽመት ናይ ደምበ ተቓውሞና እዩ፡፡

-ኣብ ኣባላት ደምበ ተቓውሞና ኣብ መንነት ጸላኢ ሓደ ሚዛንን መርገጽን ዘይምህላዉ፡ ገለ ኣባላት ንጸላእን መሓወራቱን ብግልጺ ዝድግፉን ዘተባብዑን ምህላዎም፡ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ክካየድ ዝግበኦ ሓባራዊ ቃልሲ ርኡይ ዕንቅፋት ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ነቲ ልፍንታዊ ግንባር ክፈርስ ካብ ዝድርኹ ዘለዉ ጸገማት ሓደ ምዃኑ፡፡ እዚኦምን ካለኦት ዘይተጠቕሱ ነጥብታትን ሓዊስካ ነቲ ልፍንታዊ ግንባር ንከየድምዕ ዝገብሩ ዘለዉ ረቛሒታት እዮም፡፡

-ተቓዋሚ ሓይልና ስሙር ግንባራት መስሪትካ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ኣብ ምቅላስ፡ ዝተሓማዞቘ ኣረኣእያታት ብምሓዝ ብግቡእን ዘላቕን ከይስራሓሎም ዝገብር፡ ግንባር ከም ናይ ውልቀ ዕላማ መተግበሪ ተገይሩ ብምውሳድ ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት እናተገብሩ ተላፈንቲ ሓይልታትና ዓቕሞምን ትሕዝተኦምን ኣዋዲዶም ተኣማሚኖም ንከይቃለሱ ብቐጻሊ ጸገምን ዕንቅፋታትን ይፈጥር ምህላዉ፡፡

-ኣብቲ ግንባራት ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ምጭባጥ ግጉይ ህርፋን ልዑል ብምዃኑ፡ ኣብቲ ሓባራዊ ናይ ግንባር መሪሕነት «ብጽሒትና ውሒዱ…»ብዝብል ምስምስ ዝግበር ምስሕሓባት ዕንቅፋት ይፍጥር ምህላዉ፡፡

-ኣብ ሞንጎ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ዝግበር ናይ ሓድነት ውዕል ብቅንዕናን ሓላፍነትን ስለ ዘይካየድ፡ ቀጻልነት ዘይብሉ ከይወዓለ ከይሓደረ ዝፈርስን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ህዝብናን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ጽልውኡ ኣሉታዊ ኮይኑ ይቕጽል ብምህላዉ፡፡

ናይ ደምበ ተቓውሞና ድኽመታትን ጸገማትን ምፍታሕ ኣብ ዝምልከት፤ተቓዋማይ ሓይልና ንዘለውዎ ኣወንታዊ /ምዕቡል/ ጎኒ ብምጉልባት፡ ድኽመታቱን /ኣሉታዊ/ ጎኑን ንምፍታሕን ንምውጋድን ብዘይሕላለ እናተቓለሰ፡  ህዝባዊ ቃልስና ኣብ ማእከል ህዝብናን ሃገርናን ክልተ እግሩ ተኺሉ ክነጥፍን፡ ናይ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን /ዲያስፖራ/ ቃልስና እናተመጋገበ ክካየድ ንምግባር እናተቓለሰ፡ ንዘለውዎ ዝተፈላለዩ ጸገማት ንምፍታሕ ተወሃሂዱን ተደጋጊፉን ክቃለስ ምስ ዝበቅዕ ጥራሕ ስለ ዝኾነ፡ ውሽጣዊ ውህደቱን ጽርየቱን ንምርግጋጽ ልዑል ትኹረት ሂቡ ክረባረብ ኢዩ ዝግባእ፡፡

                                                    ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                                   15 ታሕሳስ 2023