ህዝባዊ ልኡላውነትና ከየውሓስና፡ ሃገራዊ (ግዝኣታዊ) ልኡላውነትና ከነኽብር ኣይንኽእልን። ህዝባዊ ልኡላውነትና ነውሕሰሉ ፍቱን መንገዲ ከኣ ካብ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ሓራ ብምዃን’ዩ። ህዝባዊ ኣረኣእያን ህዝባዊ ውግንና ወኒንካ፡ ኣንጻር ድሑር ትምክሕቲ፡ ጽበትን በለጽን ፊት ንፊት ደው ምባል’ዩ። በዓል ቅኑዕ መትከል ንምዃን ኣብ ኣእምሮኻ ምስ ዘሎ ዝንቡዕ ኣራኣእያ ምፍታሕ’ዩ። እንተዘይኮነ ካብ ዘቤታዊ ጸላኢ ኮነ፡ ግዳማዊ ጎበጣ ንድሕነሉ መንገዲ ክጸብብን ክነውሕን’ዩ። ካብ ግዳም ንዝውርወር ዘሎ ጎባጢ ሂቕታ፡ ብመራኸቢ ብዙሓን መግለጺታት ብምሃብን ክንረአ ኢና ፈኸራ ብምስማዕን ከተዕግሶ ምሕላን ኣወንታዊ ውጽኢት ዘምጽእ ኣይኮነን።

ክቡር ህይወት ተኸፊልዎ ንዝመጽአ ሃገራዊ ልኡላውነት ዝዳፈር ድምጺ ክትሰምዕ እንከለኻ ብሓቂ የሻቕልን የቐንዙን’ዩ። ነዚ ሻቕኪትን ቃንዛን’ዚ ዓጺፍካ ግዝኣታዊ ልኡላውነት ብዘተኣማምን ውሑስ ንምግባር ግን፡ ብቐዳምነት ነዚ ሻቕሎት ቃንዛን ዝወለደ ምኽንያት ምፍላጥ፡ ፈሊጥካ ድማ ምፍዋስ የድሊ። ሕልሚ ስሱዓትን ገዛእትን ኣብ ከመይ ኩነታት ዕድል ይረክብን ፈለኽለኽ ይብልን መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ’ዮም። ምሁራት ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ብመጽናዕቲ ብተነታን የረድኡ’ዮም።

ንሕና ከኣ ከም ህዝቢ ናትና ጭቡጥ ተመክሮ ኣለና። መግዛእቲ ጣልያን ኣብ መሬት ኤርትራ እግሩ ክረግጽ እንከሎ ብቅጽበትን ብሃንደበትን ብምውራር ኣይኮነን። ግዜ ወሲዱ፡ ድሕረትና፣ ድኽነትና፣ ዝተበታተነ ኣተሃላልዋና ኮታ ፖለቲካዊ ዘይንቕሓትናን ዘይብቕዓትናን ብግቡእ ኣጽኒዑ’ዩ ዝጎበጠና። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ 2ይ ኲናት ዓለም ኣብ ትሕቲ ኤውሮጳዊ መግዛእታዊ ስርዓታት ዝነበራ ሃገራት፡ ሃገራዊ ነጻነት ክጎናጸፋ ኣለወን። ባዕለን ብባዕለን ነብሰን ከመሓድራ ኣለወን። ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ጠቕሊሎም ክወጽኡ ኣለዎም። ታሪኽ ቀጥታዊ መግዛእትን ባርነትን ንሓንሳእን ንሓዋሩን ከኽትም ኣለዎ ኢሉ ከብቅዕ፡ ንሶማሊያን ሊብያን ምሉእ ነጻነት ፈቒዱ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ርእሱ ከመሓድር ኣይክእልን፣ ን10 ዓመት ኣብ ትሕቲ ሞዚትነትን ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ክጸንሕን ከመይነት ምሕደራ ክለማመድ ኣለዎን ኢሉ ዝበየነሉ ምኽንያት፡ ብቐንዱ ውሽጣዊ ዘይንቕሓትና፡ ዘይብቕዓትናን ዘይውህደትናን ብምምዝማዝ’ዩ።

ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ልኢኹ ብቕዓት ምሕደራ ኤርትራውያን ክመዝን እንከሎ፡ ኣብ እዋኑ ዝነበሩ ሓያላን ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና፡ ከይወከልናዮም ሰብ ጉዳይ ኮይኖም፡ ገለና ንሱዳን፣ ገለ ንኢትዮጵያ፣ ገለ ምስ ጣልያን በታቲኖም ዘርምዘርሞ ክንክውን ክሻኾቱልና እንከለው፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ብዘይድሌትና ምስ ኢትዮጵያ ብፈደሬሽን ቆሪኖም፡ ከም እንደገና ብዘይ ኣፍልጦና ባዕሎም ዘጽደቕዎ ፈደሬሽን ኣፍሪሶም፡ ኣብ ዳግማይ ቀጥታዊ መግዛእቲ፡ ኲናትን ህልቂትን ክንኣቱ ዝገበርሉ ምኽንያት ኩሉ ሸነኻዊ ድኽነትና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣረኣእያ ዘለና ድኹም ጎኒ ኣጽኒዕም ከም ዝኾኑ ብግቡእ ክስቆረናን ክንመሃረሉን ይግባእ።

ዝኾነ ጎባጢ ሓይሊ ዶብ ሰጊሩ ልኡላውነት ሃገር ደፊሩ፡ መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰላት ህዝቢ ጨፍሊቑ ጸጋታት እታ ሃገር ክዘርፍ ስለ ዝደለየ ጥራሕ ብድድ ኢሉ ወራሪ ሂቕታ ኣየስምዕን። ወይ ብተግባር ኣይወርርን። ፖለቲካዊ ንቕሓት፣ ውሽጣዊ ሓድነት፣ ቁጠባዊ ዓቕሚ፣ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጽልዋን ተቐባልነትን፣ ወተሃደራዊ ዓቕሚ፡ ዓይነትን ዕጥቅን ስንቅን ወነን ድልውነትን ወተሃደራት …ወዘተ እንታይ ይመስል ወይ ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከብ፡ ምስ ናቱ ጭቡጥ ዓቕምን ድልውነትን ብምንጽጻር’ዩ “ህ” ኢሉ ዝጅምር። ሕጂ ንሰምዖ ዘለና ደግሲ መግዛእቲ ‘ምበኣር መንቀሊኡ ናትና ዘይብቕዓትን ድኻም’ዩ።

ኢትዮጵያውያን ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ዘስምዕዎ ዘለው ወደብ ዓሰብን ቀይሕ ባሕርን ተፈጥሮኣዊ ዋንነትና ስለዝኾነ ክንምልሶ ኣለና ዝብል ወራሪ ሂቕታ፡ ጭቡጥ ውሽጣዊ ዘይ ስጡም ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጸብጻብ ዘእተወ ምዃኑ ክንርዳእ ኣለና። “ ዝወደቐ ኦም ምሳር ይበዝሖ” ከም ዝተባህለ፡ ብሰንኪ ሃላሊ እንኮ ሰባዊ ጉጅለ ህግደፍ ፖለቲካዊ ኣረኣእያናን ማሕበራዊ መሳርዕናን ተዘሩጉ፣ ብቁጠባዊ ድኽነት ሕቖና ጎቢጡ፡ ኣብ ክንዲ ካብ ሃገራት ስደት ናብ ሃገርና ንኣቱ፡ ካብ ሃገርና ሃዲምና ሓራ ንወጽኣሉ ኩነታት ብቕረባ ይዕዘቡ ስለ ዘለው’ዮም። ተረከብቲ ሕድሪ ዝኾኑ መንእሰያት፡ ብዓማሚ ርሑቕ ስደት፡ ሰላምን እንጀራን ስደት ንምርካብ ኣእምሮኦም ኣብ ዝተሰልበሉ ድኹም ኩነታት ስለ ንርከብ፡ ደንዲኖምና’ዮም መሬት እናጻሕተሩ ዝንቅው ዘለው።

እዚ ፖለቲካዊ ውድቀትናን ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ዝተዘርገ ኣተሃላልዋናን ተበሊጹ፡ ህዝባዊ ልኡላውነትና ረጊጹ፡ ሃገራዊ ( ግዝኣታዊ) ልኡላውነትና ብሓይሊ ወሪሩ ናቱ ንምግባር ዝሕንሕን ዘሎ ጸረ-ህዝቢ መቓልሕ፡ ኣቓልቦ ሂብና ክንከታተሎ፡ ብግቡእ ሰኒድና ክንሕዞን ቅኑዕን ክንገብሮ ዘለናን’ዩ። ይኹን ግን በብሰዓቱን መዓልቱን ውልቀ ሰባት ዘዝበልዎ ክንምልስ ደድሕሪኦም ብምኻድ ግዜና ከነባኽን ግን ቅኑዕ ኮይኑ ኣይረኣየኒን።

ስለምንታይ’ሲ መሰረታዊ ጠንቂ ናይ’ዚ ከም ህዝብን ሃገርን ንርከበሉ ኣሰካፊ ኩነታት ዘቤታዊ ሽግርና’ዩ። መሰረታዊ መፍትሒኡ ከኣ ውሽጣዊ ሽግር ምፍታሕን ኣብ ንቕሓትን ብቕዓት ዝተሰረተ ሓቀኛ ሓድነት ምፍጣር’ዩ። እዚ ሕጂ ንሰምዖን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ንምልሰሉ ዘለናን ካብ’ቲ ትማሊ ብሓይልን ብሕግን መዕለቢ ዝገበርናሉ ሸነኽ ዝለዓል ዘሎ ደግሲ ስለዝኾነ፡ ዝተዘርገ ኣተሓሳስባና ገምጊምና፡ ጠንቂ ጸጊና ዘይኮነ ምሉእ ንምሉእ ኣልጊስና፡ ናብ ባህሪያዊ ቦታና ንምለሰሉ ኩነታት ብምፍጣር ፈትዩ ከይፈተወ ዝዕጾ ኣጀንዳ ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ።

ኣጋጢሙና ዘሎ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ዝርገት ከይገምገምናን ጠንቂ ከየልገስናን ቀዳማይ ሚኒስተር ከም’ዚ ኢሉ፡ ጀነራል ክስቶ ከም’ዚ ደጊሙ፡ እከለ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ከም’ዚ ጽሒፉን መዲሩን እናበልና ግብረ መልሲ ምሃብ፡ ብኣንጻርጽሮት ሚዛን ዘይብሉ ፈኸራን ጸርፍን ምምሕልላፍ፡ ንዕኦም መሊሱ ዘሻድኖም ደኣምበር ዝእርሞም ኣይኮነን።

ስለምንታሲ፡ ወደብ ዓሰብን ገማግም ቀይሕ ባሕርን ይግበኣና ኢሎም ሕጋዊ መርተዖ ሒዞም ዝከራኸርሉ ሓይሊ ስለ ዘለዎም ኣይኮኑን ከምኡ ዝብሉ ዘለው። ውሽጣዊ ሓድነት ኤርትራውያን ተዘሪጉ ስለ ዘሎ፡ ሃገረ ኤርትራ መንእሰይ ኣልቦ ትተርፍ ስለ ዘላ፡ ብ1991 ዝሰኣናዮ ወደባትን ገምጋም ቀይሕ ባሕርን መሊስና ኣብ ኢድና ነእትወሉ ምቹእ እዋን ሎሚ’ዩ ካብ ዝብል ሕሉፍ ስሰዐ ተበጊሶም’ዮም።

እዚ ስሱዕ ድሌትን ሒቕታን’ዚ ብምኽሪ ኣይእረምን። ብኣዋጅ ኣይግራሕን። ብፈኸራን ጸርፍን ደው ኢሉ ኣይሓስብን። ናትና ፖለቲካዊ፣ቁጠባዊ፣ ወተሃደራዊ፣ ዲፕሎማስያዊ፣ ማሕበራዊ መትንታት ተበራቢሩ ተኣሳሲሩን ተርኒዑን ሓይሊ ሚዛኑ ምስ ኣስተኻኸለ ጥራሕ’ዩ ጎባጢ ሕልሙ ዝመክን። ጎባጢ ባህሪኡ ኮይኑ ንነገራት ዝመዝነሉ ሓይሊ ሓሳብ ኣይኮነን። ሕግን ሕጋዊ መንገድን ኣይኮነን። ስነ-መጎት ሓይሊ ጥራሕ’ዩ። ኣብ ታሪኽ ከም ዝተራእየ ከኣ፡ ብስነ-መጎት ሓይሊ ዝተኣማመን ስነ-ኣእምሮ እንተሃሪምካዮ ቀልጢፉ ጫማ ዝልሕስ፡ ድኹም ጎኒኻ እንተርኢኻዮ ከኣ፡ ንጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ኢሉ ዝሪኦ ዘይብሉ ብዓይኒ ዕሙት ዝፍጭፍጭፍ ፈራሕ ጨካን ሕልሚ’ዩ።

ስለዚ ንደግሲ ዳግማይ ጎበጣ ብግቡእ ንከታተሎ መን እንታይ ኢሉ ሰኒድና ንሓዞ። ግዜና ውሽጣዊ ጸገምና ኣብ ምፍዋስ ደኣምበር ንዓኣቶም ኣብ ምምላስን ምጽራፍን ኣይነጥፍእ። ንሳቶም ብኸምዚ ዘለናዮ ድኹማት ኮይና እንተቐጺልና ብሓሳብ ጥራሕ ዘይኮነ ብተግባር ክወሩና ክብገሱ’ዮም። እንኮ ሰባዊ ስርዓት ህግደፍ ዝጠንቁ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩሉ ሸነኻዊ ዘቤታዊ ጸገም ፈዊስና ብሓድነት መሰስ እንተኢል ከኣ፡ ሕልሞም እንተዘይገደፉ፡ መልሓሶም ክእርንቡን ካብ ቀንጠብጠብ ክቑጠቡን ክግደዱ’ዮም። ስለዚ ቅድሚ ኩሉ ዝተዘርገ ውሽጣዊ ሓድነትናን ፖለቲካዊ ኣረኣእይናን ንኣርም።

                                                   ካብ ዛራ- ማና

                                                   12-03-2020