ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝበለ ኣሰካፊ ጥርዚ በጺሑ ከም ዘሎ፡ ንለባማትን ሓላፍነታውያንን ኤርትራውያን ብሩህ’ዩ። ንዓኻትኩም ንበሃማት ኣመለኽቲ ኢሳያስን ህግደፍን ግን ገና ኣይተሰቆረኩምን። ከም’ቲ “ብዘመነ ውቤ ዝጸመመ ውቤ ክብል ይነብር” ዝበሃል ምስላ፡ ብራዕዲ ድዩ ብምድንጋር ሓንሳብ ኢሳያስ ህግደፍ ዝብል ኣስማት ኣብ ኣእምሮኹም ከም ሓወልቲ ምስተቐርጸ፡ ፖለቲካዊ መግለጺ ብዘይብሉ ኢሳያስ መራሒና ህግደፍ መንግስትና ትብሉ ኣለኹም። ከይተሰከፍኩም ኢሳያስ ወይ ሞት ኢልኩም ትፍክሩ ኣለኹም። እግዝኣብሄር ዝፈጠራ ክብርቲ ነብሲ ዘራኸሰ ባርነት ይቐጽል ዝብል መፈክር። ብግዜን ብትሕዝቶን ምስ’ዚ ናትኩም ፖለቲካዊ ድኽነት ይመሳሰል ኣይመሳሰልን ርግጸኛ ኣይኮንኩን ግን ክልተ ናብኡ ቅርበት ዘለዎ ኣብነት ክጠቅስ፡-

ሓደ፡ ኣብ 1974 ካብ ታሕተዎት መኮነናት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተወጻጽኣ ወተሃደራዊ ጉጅለ ( ደርግ) ንመስፍናዊ ስርዓት ሃ/ስላሴ ብዕልዋ ምስ ገልበጦ፡ ንኢትዮጵያ ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ፣ ብህዝባዊ ሰላም፣ ብህዝባዊ ልምዓት፣ ብማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዘስረዓ፡ ብኣብነት ዘግልጻ ህዝቢ ዘሳተፈ ጥጡሕ ፖለቲካዊ ባይታ ከይፈጠረን ንልኡላውነት ህዝቢ ብንቅሓትን ብሕግን ከየውሓሰን “ኢትዮጵያ ትቕደም” ዝብል ጭርሖ የምበልብል ነይሩ። ሃገረ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ስርዓት ደርግ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዝነበረት ግን ኩሉ ዝፈልጦ ይመስለኒ። ኣምለኽቲ ሓደ ሰብ መንግስቱ ሃ/ማርያምን ኣማራጺ ሓሳብ ዘይብሉ ብሻምብቆ ብረት ጥራሕ ዝረዳዳእ ወተሃደራዊ ጉጅለ ደርግን ዝኾኑ ዘይነዓቕ ቁጽሪ ዝነበሮም ኢትዮጵያውያን ድማ፡ ነቲ ባዶ ጭርሖ ከም ንቕድሚት ከሰጉም ዝኽእል ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፣ ስትራተጂን ፖሊስን ትሕዝቶ ዘለዎ ረዚን መልእኽቲ ዝሓቖፈ መምርሒ ተቐቢሎም፡ ብዓውታን ብምድግጋምን የቃልሕዎ ነይሮም። ንመሰረታዊ ጸላኢኦም ኣጆኻ ኣብ ጎኒኻ ኣለና ኢሎም ይሕብሕቡ ነይሮም። ዝረኸብዎ ውጽኢት ግን ህዝብን ሃገርን ዘዋርድ’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብጭርሖ “ኢትዮጵያ ትቕደም” መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ብቃልዕ ተረጊጹ። ደም ንጹሃት ከም ውሕጂ ፈሲሱ። ኣብ መንጎ ዜጋታት ምትእምማን ጠፊኡ፡ ምጥርጣር ነጊሱ። ድሕረትን ድኽነትን መሬት ዘቢጡ። ብኣወንታ ትግለጸሉ ዝነበረት ክብርታት ተባሕጒጉ። ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብርእሰ ምትእምማን ደው ክትብል ዘይትኽእል ብኹለንተንኣ ዝተደወነት ሃገር ኮይና። ናይ ዓወት ሕልሚ ከም ሓፋ በኒኑ ምሉእ ንምሉእ ብስዕረትን ክሳራን ተደምዲሙ። ነዚ ለባማት ኢትዮጵያውያን ዓው ኢሎም ይኹንንዎ ነይሮምን ኣለውን።፡ ዳግም ከምኡ ዓይነት ክስተት ከይፍጠር ብመጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣደጊፎም ዝምህርሉ ዘለው ኣሉታዊ ታሪኽን ተመክሮን’ዩ።

ካልኣይ፡ ቅድሚ 4 ዓመት መራሒ ናይ ዓለምና ሓያል ሃገር ኮይኑ ዝተመርጸ ዶናልድ ትራምፕ “ኣመሪካ ትቕድም” (American First) ዝብል ጭርሖ ሒዙ ከም ዝተበገሰ ናይ ቀረባ ተዘክሮ’ዩ። ትራምፕ ኣመሪካ ትቕደም ዝብል መፈክሩ ብተግባር ንምትርጓም፡ ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ እታ ሃገር፡ ዝኽተልዎ ዝነበሩ ፖሊሲታትን ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድባትን ዝኸተምዎ ኣወንታዊ ውዑላት ብምቕያርን ምድምሳስን’ዩ ጀሚሩ። ከም’ቲ “ዝዘራእካዮ ኢኻ ትዓጽድ” ዝበሃል፡ ብጭርሖ ኣመሪካ ትቕደም ዶናልድ ትራምፕ ትምራሕ ሃብታም፡ ዓባይ ሃገር ኣመሪካ ሕጂ ብተግባር ትቕድም ዲያ ዘላ ወይስ ትወድቕ? ብዓለም ደረጃ ዝነበራ ተቐባልነትን ጽልዋን ይተርር ድዩ ዘሎ ወይስ ይልሕልሕ? ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ገዛእ ርእሱ ምስክር’ዩ። ዝነበራ ክብርን ተቓባልነት ቀስ ብቐስ ክብሕጎግ፡ ክትድፈር፡ ታሪኽ ክትከውን ዘአንፍት ‘ምበር ክትቅድም ንርኢ የለናን። ድሌታ ኣብ ማዕርነታዊ ሽርክነትን ምትእምማን ዝተሰረተ ዘይኮነ ብዓይኒ ዕሙት ብሓይሊ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክትጽዕን ትገብሮ ዘላ ፈተነ፡ ውድቀት ዘስገኦ ዓቕሊ ጽበታዊ ፋሕተርተር’ዩ። ንነዊሕ ዓመታት ዘዋህለለቶ ሃብቲ እናጠጠመት ዝነበራ ላዕለዋይ ኢድ ብቑዘማ ክትዝክር ኢና ንዕዘብ ዘለና።

ምኽንያቱ ህዝባዊ መሰረት ዘይብሉ ኣብ ሓደ ሰብን ሓደ ጉጅለን ዝተኣማመን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ውጽኢቱ ኩሉ ግዜ ባዶ’ዩ። እንጣጢዕ ዘሪእካ እንጣጢዕ ‘ምበር ስርናይ ኣይትሓፍስን። ዝኾነ መቆጻጸሪ ዘይብሉ ኣብ ምሉእ ምሕረት ሓደ ሰብን ናብ ጥፍኣት ዝወስድ ጭርሖን ተጎሲምካ፡ ሃገራዊ ሰላም ከንግስ ከቶ ኣይኽእልን። ብሆይ ሆይ ህዝባዊ ልኡላውነት ከረጋግጽ ትጽቢት ኣይግበርን። ባዶ ምስ ባዶ እንተደሚርካዮ ትረኽቦ ውጽኢት ሓደ ወይ ክልተ ቁጽሪ ዘይኮነ ባዶ’ዩ። ንኣካል ዝድግፍ ወይ ዝቃወም ብኣካል ክከሓድን ክህረምን ከኣ ባህሪያዊ’ዩ። ንሓሳብ ዝድግፍ ወይ ዝቃወም ግን ቀጻልነቱ ውሑስ’ዩ። ብሓሳብ እንተስዒርካ እሰይ፡ እንተተሳዒርካ ከኣ ትመሃረሉ። ናይ ሓሳብ ፍልልይ ናይ እምነት ናይ መትከል ጉዳይ’ዩ። ሰብ ርኢኻ ወይ ፈሪሕካ ዝግበር ደገፍ ግን ብዘይካ ክሳራ መኽሰብ ዘይብሉ፡ ባርነታዊ ኣምልኾ’ዩ።

ስለዚ በሃማት ኣምለኽቲ ኢሳያስን ህግደፍን ሰባት ስለ ዝኾንኩም፡ ዕድመ ድማ ትምህርቲ ስለ ዝኾነ፡ ካብ’ዚ ዝሓለፈ ጉዕዞ 29 ዓመት ትምህርቲ ክትወስዱ ነይርኩም፡፡ ካብ እንስሳዊ ደመ ነብሳዊ ባርነታዊ ኣተሓሳስባ ወጺእኩም፡ ሰባዊ ኣተሓሳስባ ከተማዕብሉ ትኽእሉ ነይርኩም። በስገዳድ ብባርነት ንስለ ካልእ ካብ ትነብሩ፡ ገዛእ ርእስኹም ኮይንኩም ክትነብሩ ትኽእልሉ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ክትውንኑ ይግባእ ነይሩ። ግን ኣይኮነን። ከም ሰባት ክትገብርዎ ዝነበረኩም ገዲፍኩም፡ ክትገብርዎ ዘይነበረኩም ገይርኩም። ብዝኾነ “ዝሓለፈስ ሓለፈ ጸሓፍ ዝተረፈ” ‘ዩሞ ሕጂ’ውን ናብ ልብኹም ክትምለሱ ዕድል ኣለኩም። ኣብ ውሽጢ 29 ዓመት ንኢሳያስን ህግደፍን ብምድጋፍ ኣብ ገበናዊ ተግባራት ከም ዝተቖማጣዕኩም፡ ምስ ገዛእ ሕልናኹም ክትዕረቑ፡ ዓው ኢልኩም ይቕረታ ክትሓቱ እዋኑ’ዩ። ተራ ክሲ ወይ መሰረት ዘይብሉ ፈጠራዊ ጸለመ ኣይኮነን ዝቐርበልኩም ዘሎ። ብሓሳብን ብተግባርን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ውልቀ ዜጋታት ከኣ ብፍላይ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን እንታይ ገይርኩም ሕርሕራይ ገይርኩም ትፈልጥዎ ኢኹም።

ደቂ-ሰባት እንታይ ዓይነት ባህሪ ኣለዎም ምንባብ እንተዘይከኣሉ፡ ንተግባሮም ግን ካብኦም ንላዕሊ ዝፈልጥ ሰብ ዘየለ። ኣብ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ዘጽንት ዘሎ ገበናዊ ተግባር እንታይ ብጽሒት ከም ዝነበርኩምን ዛጊት’ውን ኣለኩምን ምስክር ትደልይሉ ኣይኮነን። ምናልባት ናታትኩም ፖለቲካዊ መንነት ስለ ዘይብልኩም፡ ሕልናኹም ሸይጥኩም ኣብ ትሕቲ ምሕረት ካልኦት ሰባት ክትነብሩ ዝፈቐድኩም ሰባት ስለ ዝኾንኩም፡ ንጸሊም ጻዕዳ’ዩ ኢልኩም ክትከራኸሩ ከም ዘይትስከፉ ካብ ፖለቲካዊ ማዕበያኹም ተበጊሰ እግምት’የ፡፡ ኢሳያስ ወይ ሞት ንብል ዘለና ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ጉዳይ’ዩ። ካብ መትከላዊ ፖለቲካዊ እምነትና ዝብገስ’ዩ። ንኢሳያስ ነምልኽ ዘለና ሃገርና ስለ ንፈቱ ኢና፡ ንህግደፍ ንቕልብ ዘለና ብሃገርና ስለ ንግደስ ኢና። እዚ ከኣ መግለጺ ፖለቲካዊ ንቕሓትናን ጽንዓትናን’ዩ ኢልኩም ክትከራኽሩ እሰምዕ’የ። በተሓሳስባኹም ኤርትራውያን ብምዃንኩም ድማ ሕፍረት ይስመዓኒ። እንታይ’ዩ ወሪዱና ድማ እብል። ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ንሳትኩም ክብርኹም ኣዋሪድኩም ስለዝጸደፍኩም ኣነ ምሳኻትኩም ኣይጸድፍን። ናብ ንቡር ኣተሓሳስባ ክትምለሱ፡ ወነንቲ ነብስኹም ክትኮኑ፡ ኣወንታዊ ምኽረይ ቀጻሊ’ዩ። እዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ነጥብታት ድማ እሓተኩም። ካብ ዝተለምደ ስዲ ፖለቲካዊ ማዕበያኹም ወጺእኩም ዝመስለኩም ብእሩም ኣገባብ ክትምልሱለይ ከኣ ኣቐዲመ ኣላበወኩም።

  1. መምዘኒ ናይ ፖለቲካ ሓሳብ’ዩ፡ ኣካል ኣይኮነን። ኤርትራ ኸኣ ከም ልኡላዊት ሃገር ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ብዝጸደቐ ዝተጻሕፈን ዝተቐርጸን ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦ ሓሳብ ዝሓዘ ሰነድ’ያ ክትምራሕ ዘለዋን ዝግባእን። ሃገራዊ መትንታት ተቖጻጺሩ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ ግን፡ ብ1994 ውድባዊ ጉባኤ ምስ ገበረ፡ ኣኼባ ኣይገብር ጉባኤ ኣይገብር፣ ፖለቲካዊ ፕሮግራሙ ኣይፍለጥ፡ ፖለቲካዊ መሪሕነቱ ኣይፍለጥ፣ ከም ደቂ ኣሕድርትና ኣሎ ይበሃል፡ ብሕጋውን ፖለቲካውን መዳይ ደሊኻ ዘይትረኽቦ፡ ስሙ ኣብ ምእካብ ገንዘብን ገበናዊ ተግባርን ጥራሕ ትሰምዖ ህዝባውን ሃገራውን ሓሳብ ዘይብሉ ዘቤታዊ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ’ሞ ንሳትኩም ንዕኡ ዘለኩም ደገፍ ብኸመይ ትገልጽዎ?
  2. ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ህዝቢ ዝምራሕሉ፡ መንግስቲ ዝመርሓሉ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም የለን። ሓጋጊ ኣካል የለን። ፈራዲ ኣካል የለን። ፈጻሚ ኣካል’ውን ብኣካል ‘ምበር ብሕግን ብሓሳብን የለን። ስለዚ ንሳትኩም “ሳላኻን ምሳኻን” ክትብሉ እንከለኹም ካብ ኣካላዊ ተምበርካኺ ኣምልኾ ወጻኢ እዚ ዝበሃል ፖለቲካዊ መግለጺ ስለ ዘይብሉ፡ ኣለና ትብልዎ ሓሳብ ብወግዒ ንህዝቢ እንተተገልጹ?
  3. ከም ህዝቢ ንፈናቐል ንስደድ ንበታተን ጥራሕ ዘይኮና ንጸንት ኢና ዘለና። ከቢድ ናይ ዘርኢ ምጽናት፣ ናይ ሓሳብ ምዝራግ፣ ናይ ባህሊ ምርኻስን ምብራዝን፣ ናይ ስርዓተ ሃይማኖት ምልሕላሕ፣ ናይ ታሪኽ ምዝባዕ፣ ሕድሕድ ዘይምትእምማን፣ ተነጽሎ ካብ ከባቢያውን ዓለማውን መድረኻት፣ ምብሕጓግ ፍቕሪ ሃገር፣ ሓደጋ ልኡላዊ ግዝኣት፣ ኮታ ብርሰት ሰብ፡ እንስሳ ዘቤት፡ ኣግራብ ኣጋጢሙና ኣሎ። ኣብዘሓ ኤርትራዊ ጠንቂ ናይ’ዚ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ’ዩ ዝኣምን። ንሳትኩም “ንሕና ንሱ” ግን ጠንቂ ስርዓት ወያነ’ዩ በሃልቲ ኢኹም። ሀ. ህወትሓት (ብናትኩም ኣዘራርባ ወያነ)፡ ብሕጊ ጠንቂ ውድቀት ፖለቲካ ኤርትራ ምዃኑ እንታይ መርተዖ ኣለኩም? ለ. ወያነ ናይ ትግራይ ውድብ’ዩ። ንትግራይ ድማ ይመርሕን የልምዕን ኣሎ። ስለዚ ጠንቂ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ ብኸመይ ወያነ ይኽውን? ሐ. እዚ ምስ’ቲ ምሂርናዮ፡ ሓንጊርና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብጺሕናዮ፡ ዓቕሚ ዘይብሉ ድኹም’ዩ ኢልኩም ትዛረብሉ ኣይራጸምን’ዶ? ሐ. ብኣካል ንኢሳያስን ህግደፍን ከተምልኹን ከተመላኽዑን ፖለቲካዊ ሓያልነት ናይ’ቲ ብዓይኒ ዕሙት ትጸልዎ ወያነ ትቕበሉ ከም ዘለኹም’ኸ ይስቆረኩም’ዶ?
  4. ኣነ ኣብ ህላዌን ሓይልነት ፈጢሪ ይኣምን’የ ጥራሕ ዘይኮነ የምልኽ’የ። ክኣምንን ከምልኽን እንከለኹ ግን ብስምዒት ዘይኮነ ብምኽንያት’የ። ንሳትኩም ኣብ ኢሳያስ ከተምልኹ እንከለኹም መረዳእታኹም እንታይ’ዩ?
  5. ንንእሽቶ ሃገርን ውሑድ ህዝባን ከመሓድር ዘይከኣለ ኢሳያስ ዶብ ሰጊሩ ንኢትዮጵያ ይመርሕ ኣሎ፡ ንመራሕቲ ኢትዮጵያ መምርሒ ሂብዎም ክትብሉ እንከለኹ ሰማዒ ይኽዕበና ኣይትብሉን ዲኹም?
  6. ኢሳያስ ምስ ኣቢይ ኮይኑ ንወያነ የሕርቖም ኣሎ። እሰይ ገበሮም እንቋዕ ረኸብዋ ዝብል ዕለታዊ ዕላልኩም’ዩ። ሃገራዊ ሰላምካ ዘሪግካ፡ ህዝብኻ በቲንካ፡ ሰባት ንምሕራቕ፡ ሰላም ጎረቤት ሃገር ምዝራግ መንፈዓት ድዩ? ናይ ፖለቲከኛታት ስራሕ ድዩ’ኸ?
  7. እቲ ተምልኽዎ ኢሳያስ፡ ጉዳይ ምጥራር ዶብ ናይ ሕጂ ዋኒና ኣይኮነን። እዚ ዓቢ ጉዳይ ኣይኮነን ምባሉ ብወግዒ ዝተባህለን ዝተሰነደን ስለ ዝኾነ ትኽሕድዎ ኣይመስለንን። ብምውንዛፍ ምጥራር ዶብ ንኢሳያስ ብኽድዓት ኣብ ክንዲ ምኽሳስ፡ ወያነ’ዮም ከይጥረር ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ዘለው በሃልቲ ኢኹም’ሞ፡ ሰባት ክንስኹም ናብ ደጋሚት ዑፍ ተቐይርኩም ከይትኾኑ፡ ባዕልኹም ንባዕልኹም ርእስኹም ሃሰስ እንተትብልዋ?
  8. ንምዃኑ ብሕድሕድ ውግእ ኢትዮጵያውያንን ምብትታን ሃገረ ኢትዮጵያን ከመይ የሐጉሰኩም? እንታይ ረብሓ’ኸ ትረኽቡ?
  9. ኣብ ኤርትራ ብግዜ መግዛእቲ ጥልያን ዝተሰርሐ፡ ጽገና ድማ ተገይርሉ ዘይፈልጥ፡ ድሩት ኣገልግሎት ዝህብ፡ ጽርጊያታት፣ መዓርፎ ነፈርቲ፣ ወደባት፣ ሻምብቆታት ማይ፣ ሓይሊ ጸዓት ከም ዘሎ፡ ነዚ ሒዝካ ሃገር ንሃንጽ ኣለና ክትብል ከምዘይትኽእል እቲ ተምልኽዎ ኢሳያስ ባዕሉ ደጋጊሙ ገሊጽልኩም’ዩ። በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህጻታት፣ ጽርጊያታት፣ ዲጋታት፣ ዘመናዊ ሕርሻታት፣ ፋብሪካታት፣ መዓርፎ ነፈርቲ፣ መንገዲ ባቡር፣ ዩኒቨሪሲቲታት ...ወዘተ ኣብ ክንዲ ቅዱስ ቅንኢ ተሓድሩ፡ ብሕማም ሕስድና ኣብ ኤርትራ ምስ ዘየለ ትሕተ ቅርጻ ከተወዳድርዎ፡ ከተቆናጽብዎ እንከለኹም ውድቀት ኤርትራዊ ልዕለ ቅርጻን ትሕተ ቅርጻን ትሕብሩ ከም ዘለኹም ይርደኣኩም ድዩ?
  10. ኤርትራ ወዲኻ ኢትዮጵያን ከይትዓቢ ብማዕረ ክንወድቕ ኣለና ዝብል ጸረ-ህዝቢ ኣተሓሳስባ ሒዝኩም ላዕሊ ታሕቲ ትብሉ ከም ዘለኹም ብሩህ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብዘይ ጉዳይኩም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብዘይትኽእልዎ ትህውትቱ ከም ዘለኹም ሓሲብክምሉ ዲኹም?
  11. ኣብ ኤርትራዊ ሃገርነት ነቕ ዘይብል መርገጽ ንዘለዎ ህወሓት ከም ጸረ- ረብሓ ኤርትራን ህዝባን፡ ብወግዒ ዓሰብ ናትና’ያ፡ ዶብና ቀይሕ ባሕሪ’ዩ ንዝብሉ ሓይልታት ከኣ ከም ፈተውቲ ኤርትራን ህዝባን ወሲድካ ምስኣቶም ኮሸምሸም ምባል መኸወሊ ዘይብሉ ሃገራዊ ግድዓት’ዶ ኣይኮነን? መልስኹም እጽበ፡

                                       ካብ ኣሮን በርሀ

                                       19-10-2020