ዝሰርሕ ሰብ ይዕንቀፍ ይጋገ’ዩ። ተመራመርቲ፡ ሰባት ስለ ዝኾኑ ይጋገዩ’ዮም። መራሕቲ ሃይማኖት ጉድለት ይፍጽሙ’ዮም። ፖለቲከኛታት እንተስ ደርባዊ ፖለቲካዊ ባህሪኦም ኣገዲድዎም ስሱዓት በሓቲ ኮይኖም ወይ ድማ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓትን ሓጺርዎም፡ ካብ መስመር ሓቂ ወጻኢ ክኹብልሉ ክሃሉ ይረኣዩ ‘ዮም …..ወዘተ። እዚ ጎደሎ ኣልቦ ምሉእ ዝበሃል ፍልጠት ኮነ ጉልበት ዝወነነ ሰብ ከምዘየለ፡ ብወዲ ሰብ ማለት ተመራመርቲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ፖለቲከኛታት ዝግበር ንጥፈታት፡ ካብ ዝሓለፈ ውድቀት እናተማህረ፡ እርማት እናገበረ፡ ሓደ ካብ’ቲ ካልእ እናወሰደ እናተመጋገበ ዝምርሽ ምዃኑ የርእየና።

ኣነ ኣኽል ታርፍ ፍልጠት ወኒነ’የ ካብ ካልእ ሰብ ምዕዶ፡ ምኽርን ትምሀርትን ኣየድልየኒን። ኣነ ሕልፍን ትርፍን ዓይነታዊ ድዩ ገንዘባዊ ሃብቲ ኣኪበ’የ፡ ዕዳጋ ወሪደ ናተይ ክሸይጥ ወይ ካብ ካልኦት ክሽምት ዘገድድ የብለይን። ኣነ ገዲምን ሓርበኛን’የ ንኹሉ ኣብ ቅድመይ ዝጸንሕ ዕንቅፋት፡ ብዘይ ዝኾነ ናይ ካልእ ደገፍ በይነይ ክዋጸኦ’የ፡ ክዕወተሉ’የ። ኣነ ናይ ቅድመይ ዝነበሩ ተመራመርቲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሞያተኛታት፡ ፖለቲከኛታት ባህርን ተግባርን ውድቀትን ዓወትን ከይተወከስኩ፡ ታሪኽ ከየጽናዕኩን ዘድልየኒ ብዝመስለኒ ኣገባብ ወይ መንገዲ ኣብ ፍጻሜ ከብጸሖ ይኽእል’የ ዝብል ኣተሓሳስባ ክህብን ክቕበልን ናይ ዘይኽእል ጎደሎ ስነ-ኣእምሮ ምልክት’ዩ።

ማዕባሊ ተመራማሪ፣ ብሓቂ ናይ እምነት ናይ ሕልና ኣቦ፣ ሞያተኛ፣ መሪሕ ባእታ፡ መሪሕ ፖለቲካዊ ውድብ ኣነ መምህር ‘ምበር ተመሃራይ ኣይኮንኩን ኢሉ ኣእምሮኡ ፍልጠት ከይቕበል ዝዓጹ ዘይኮነ፡ ወትሩ ተመሃራይ’የ ዝብል ንቕሓት ዝወነነ ክኸውን ኣለዎ። ንዕውት ተግባሩ ዓቂቡ፡ ካብ ሕሉፍ ጉድለቱ ዝመሃር ክኸውን ይግባእ። ብሓሳብ ድዩ ብነዋት ዝግለጽ፡ ካብ ዘለዎ ቅቡል ኣወንታዊ ፍርያት ንካልኦት ዘካፍል፡ ካብ ካልኦት ድማ ብወግዒ ዝወስድ ዝመሃር ክኸውን ኣለዎ። ኮታ ዝሓለፎ ናይ ውድቀት ተመክሮ ዘይደግም፡ ካብ ዝሓለፈን ዘሎን ዝሓሸ ንምምጻእ ኣሚቱ ዝጽዕት ኮይኑ ክርከብ የድሊ።

ኤርትራዊ ዓውዲ ፖለቲካን ኤርትራውያን ፖለቲከኛታትን ብመንጽር ቅቡል ማዕባሊ መስርሕ ምስ ዝምዘን ውጽኢቱ ናብ ምንታይ ይዛዙ? ናብ ኣወንታ ወይስ ኣሉታ? ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ወትሩ ክመሃሩ ቅሩባት ወይስ ኣነ ናይ ክንድዚ ዓመት ገዲም ተጋዳላይ ፖለቲከኛ ስለዝኾኑ፡ ሓርበኛ ስለዝኾንኩ ኣእምሮኦም ንፍልጠት ንማዕባሊ ለውጢ ዝዓጸው? ትማሊ ቅድሚ ትማሊ ብዝፈጸምዎ ናይ ኣረኣእያን ተግባርን ስሕታን ክኽፈል ዘይነበሮ ህይወት ደቂ-ህዝቢ ንከንቱ ከም ዝጠፍአ፡ ኣብ ህዝብን ሃገርን ከኣ ከቢድ ክሳራ ከም ዝበጽሐ ካብ ተመክሮኦም ዝተማህሩ፡ ብልቢ ብንቕሓት ዝተጣዕሱ፡ ንዕኡ ንዘይምድጋም ነብሰ ተሓድሶ ዝገበሩ ድዮም ወይስ ኣብ’ቲ ጭቃ ተኣሊኾም፡ ብልሳኖም ናይ ፖለቲካ ስርዓት ለውጥን ህዝባዊ ሓድነት ዝጭርሑ ድሑራት? ክግምገም ክምመ ኣለዎ።

ገድሊ ኤርትራ ብመንጽር ዝወሰዶ ግዜ በዓል ጸጋ ዕድመ’ዩ። ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት’ውን ከምኡ ብመንጽር ትማሊ ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ ንሃገራዊ ነጻነትን መንነትን ሎሚ ኣንጻር ዘቤታዊ ገዛኢ ስማዊ ውድብ ህግደፍ ንኽብረት መሰረታዊ ህዝባዊ ሓርነታዊ መሰላት ንምኽባር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዝተሰለፍሉ ግዜ ክልካዕ እንከሎ፡ ብዙሓት ገዳይም ዝሓቖፈ ቃልሲ’ዩ። እቲ ሓሳብ፣ እቲ ትልሚ፣ እቲ ሕልሚ ብውጽኢት ክምዘን ክፍረድ ስለ ዘለዎ ግን፡ ገዲም ሰውራ ኤርትራ ንዘቑጸሮ ዕድመ ዝምጥን ኣወንታዊ ውጽኢት ኣየመዝገበን። ገለ ገዳይም ኤርትራውያን ፖለቲከኛታትን ፖለቲካዊ ውድባትን’ውን ገና ሀ ሁ ፖለቲካ ዝመሃሩ ዘለው ተልመደን ‘ምበር፡ ብዙሕ ዝረኣዩ ዝተመኮሩ ምዃኖም ዘረጋግጽ ህዝባዊ ራእይን ተግባርን ከም ዘለዎም ኣብ ዘመስከርሉ ባይታ ኣለው ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን።

ሕቶ ሓድነትን ፖለቲካዊ ደሞክራስን ማዕረ ግድምና እንቲ ገድሊ ክንሱ፡ ክሳብ ሎሚ ግን ፍታሕ ኣይረኸበን። እቲ ሕቶ እቲ ጭርሖ ቅኑዕ’ዩ ግቡእ መልሲ ዘይምርካቡ ግን ዘስደምም ዘቐንዙ’ዩ። ውሑዳት ዘይኮኑ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ኣብ ኣፈትታሓን ምሕደራን ግርጭታት፡ ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ዝተሳሕሉ ብሱላት ቀለስቲ ምዃኖም ዘይኮነ፡ መሰረታዊ ዛዕባ ገዲፎም ኣብ ዘይመሰረታዊ ዕዮ ዝተጸምዱ፡ ህዝቢ ኣብ ዘሳተፈን ቀጻልነት ኣብ ዘለዎን ቅሉዕ መድረኻት፡ ሓሳብ ብሓሳብ ነጥቢ ብነጥቢ በሊሕ ደርባዊ ፖለቲካዊ ፍሕፍሕ ዘካይዱ ዘይኮኑስ፡ ንሕሉፍ ጉድለት ከም ዘለዎ ዝደግሙ፡ ኣብ ባሕሪ ፖለቲካዊ ድሕረት እናሓንበሱ፡ ዘይትግብርዎ ጭርሖ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ዘቃልሑ’ዮም።

ህዝቢ ንፉዓት ይኹኑ ኣይኹኑ ብፖለቲካዊ ውድባትን ፖለቲከኛታትን ከም ዝጽሎ ዘከራኽር የብሉን። ብባህርን ብተግባርን ህዝባዊ ኣስተሓኮ ዘይብሉ ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ ንክንድዚ ዝኣክል ዓመታት፡ ብዘይ ንጹር ህዝባዊ ፖለቲካዊ ኣንፈትን ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋምን ክገዝእ ዝኸኣለ፡ ብፋሽሽታዊ ስጉምቲ ብዝፈጠሮ ራዕዲ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብተሓሳስባ’ውን ብግጉይ ኣገንዝቦ እግሪ ክተክል ዘኽኣሎ ኣብ ህዝቢ ጽልዋ ክፈጥር ብምኽኣሉ’ዩ። ስለዚ ከኣ ኣብ ዓውደ ፖለቲካ ንልምዓት ኮነ ንጥፍኣት ግደን ጽልዋን ፖለቲካዊ ውድባትን ፖለቲከኛታትን ልዑል ምዃኑ’ዩ ዘረደኣና።

ኣብ’ዚ ንርከበሉ መድረኽ ፖለቲካ ኤርትራ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ተዘሪጉ ኣሎ። ዘንጸላልዎ ዘሎ ሓደጋ’ውን ኣሰካፊ’ዩ። ጠንቂ ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ ምዃኑ ኣብ ኣብዘሓ ኤርትራውያን ሓባራዊ ኣገንዝቦ ተታሒዙ ኣሎ። ስለዚ ድማ ህዝቢ ጽገናዊ ዘይኮነ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ይጽውዕ ኣሎ። ይጽውዕ ጥራሕ ዘይኮነ ብተግባር ኣብ ምውጋድ እዚ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ክሳተፍ ቅሩብ ምዃኑ’ውን ድልውነቱ ይገልጽ ኣሎ። ብኸመይ ይቃለስ ግን ምሉእን ንጹር ስትራተጂካውን ስልታን ፖለቲካዊ መረዳእታ ዝጨበጠ ኣይመስልን። ምኽንያቱ እቲ ናብ ዓወት ዝወስድ ፖለቲካዊ ጎደና ማዕረ’ቲ ድሌት ዝኸይድ ንጹር ኣይኮነን። ተደዋዊሱ’ዩ ዘሎ። እዚ ውድዓዊ ኩነታት ንለውጢ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ከም ዝበሰለ ምቹእ ከም ዝኾነ ግን ከኣ ብድኽመት ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ጋም ማን ይብል ምህላውን’ዩ ዝሕብረና።

ካብ ውድቀቶም ካብ ሕሉፍ ተመክሮኦም ዘይመሃሩ ገለ ፖለቲካዊ ውድባትን ፖለቲከኛታትን፡ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኣወንታዊ ህዝባዊ ረስኒ ንመሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ጠምዚዞም ናብ ውልቃውን ጉጅላውን ረብሓኦም ከውዕልዎ ኣሉታዊ ወስታታት የርእዩ ኣለው። ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ ክንሶም፡ ንርእይቶ ፖለቲካዊ ውድባት ኣይትስምዑ። ናብኣተን ኣይትጸግዑ። ናብኣተን ቅርበት ናይ ዘለወን ስቪክ ማሕበራት ሓሳብ ኣትስምዑ። ኣብኣተን ኣይትተሓቖፉ። ኣቓልቦኹም ፍልጠትኩም ገንዘብኩም ናባና ኣብሉ። ንዓና ጥራሕ ስምዑ። ንዓና ጥራሕ ደግፉ። ንሕና ምስ ጽልዋ ዘለወን ዓበይቲ ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና መስሪትና ኣለና። ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ጸጥታዊ፣ ዜናዊ ደገፍ ክንረክብ ኢና።ሃገር ከምርሑ ዝኽእሉ ምሁራትን ፖለቲከኛታትን ኣለውና። ኣብ ሰራዊት ኤርትራ ጽልዋ ኣለና። ንፕረሲደንት ኢሳያስን ኣብ ዙርያኡ ዝርከቡ ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም ሰባትን ኣልጊስና፡ ክብርን ዝናን ህግደፍ ብዘይትንክፍ ተጸጊኑ ክቕጽል ክንገብር ኢና ብዝብል እግሩን ርእስኑ ዘይፍለጥ፡ ብባህሪ ዕትብቱ ዘይተበትከ ኣተሓሳስባ ጎስጓስ ይገብሩ ኣለው።

እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ንህግደፍ ‘ምበር ንህዝቢ ዘገልግል ኣይኮነን። ስለዚ እንተተኻኢሉ ክግራሕ ክምከር ክእረም፡ ኩሉ ግዱስ ጠመተ ክገብረሉ ይግባእ። ብዝተረፈ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ፡ ምስ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ምድንጋጽ፡ ህግደፍ ተጸጊኑ ክቕጽል ‘ምበር፡ ንሱ ከም ስርዓት ተጸሪጉ መሰረታዊ ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ለውጢ ክመጽእ ዘይምድላይ፡ ናተይ ጥራሕ ተቐበሉ፡ ካብ ውድቀቱ ዘይመሃር ክፉእ ሕማም ገለ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ብስቕታ ክህለፍ የብሉን። ብወግዒ ዓገብ ክበሃል ኣለዎ። ስለምታይ? በቲ ናቶም’መንገዲ ምዃድ ተሓጺብካ ጭቃ ስለ ዝኾነ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 17-05-2019