ነጻን ፍትሓውን ሓሳብ፡ ንህግደፍ ዘይምሕር ቀዛፊ ሕማምን ደምሳሲ ሚሳይልን’ዩ።

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ 1996 ዓ.ም ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ነጻ ፕሬስ ክህሉ ምስ ፈቐደ፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይ ወዓል ሕደር ጋዜጣታት ክሕተም ተሓቲሙ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ ጀሚሩ። በዚ ኣጋጣሚ ሰቲት፣ ቀስተ ደመና፣ ኣድማስ፣ መቓልሕ …ወዘተ ዝኣርእስቶም ጋዜጣታት ሓደ ድሕሪ

ሓደ ክወጽኡን ቀልቢ ኣንበብቲ ክማርኹን ተራእዮም። ስለምንታይ’ሲ ነጻ ፕሬስ ሓደ መግለጺ ነጻ ሓሳብ’ዩ። ነጻ ፕሬስ ምንጪ ሓበሬታ’ዩ። ነጻ ፕሬስ ኣእምሮ ደቂ-ሰባት ዝስሕል መሳርሒ’ዩ።

ስለዚ ከኣ ኣብ’ቲ ነጻ ፕሬስ ንሓጺር ግዜ ተቐልቂልሉ ዝነበረ ወቕቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍቲ፡ ገጠምቲ፡ ተረኽቲ በብዓቕሞም ኣበርክቶ ይገብሩ ብምንባሮም ናይ ዜጋታት ሆራይዘን ክዓቢ ክሰፍሕ ኣረኣእያ ክዓሙቕ ጀሚሩ ኔይሩ’ዩ። ብዘይ ቃልዓለም ከኣ እተን ጋዜጣታት ብዜጋታት ቅቡላት’የ ኔይረን።

ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ብባህሪኡ ዓፋኒ’ዩ። ዝተበሃልካዮ ግበር ‘ምበር ሓሲብካ ግበር ዝብል መትከል ኣይነበሮን። ሕጂ’ውን የብሉን። ኣብ 1996 ነጻ ፕሬስ ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ፈቒዱ ዘበለኒ ድማ ካብ ፖለቲካዊ ባህሪኡን ግብራዊ ተመክሮኡን ተበጊሰ’የ። ንሱ ፈቒዱ፡ ወነንቲ ነጻ ፕሬስ ፍቓድ ኣይውጺኦም። ጋዜጠኛታት ተቖጺሮም። ኣይሓመቑን ኣሎ ዝበሃል ሓቅታት ብሞያዊ ብስለት ብድፍረት ነቲ ብጻምእ ሓበሬታ ዝሳቐ ዝነበረ ህዝቢ እንካ ኣንብብ ሓቂ ፍለጥ’ሞ ዝግበር ግበር ኢለሞ።

ኣብ ሓጺር ግዜ ድማ ነቲ ውልቀ መላኺ ኣሰንቢድዎ። እቲ ነጻ ፕሬስ ክህሉ ዝፈቐዶ ቅኑዕ ክንሱ ጌጋ ከም ዝፈጸመ ኣጉህይዎ። ኣጣዒስዎ። ምኽንያቱ ንሱ ዝህቦ መምርሒ፡ መጠንቀቕታ፡ መብጸዓ፡ ፈኸራ፡ ጃህራ ካብ ምዝርጋሕ ወጻኢ ካልእ ትሕዝቶ ዘይነበራ ወዳሲት ሓዳስ ኤርትራ ለሚዱ ስለ ዝጸንሐ፡ በተን ዝተጠቕሳ ጋዜጣታት ሓቂ ክዝራእ፡ ሰበስልጣናት ክንቀፉ፡ ምድንጋራት ክቃላዕ ስለ ዝጀመረ ዘይሓሰቦ ዱብ ቦላ ኮይንዎ።   ብዘይካ ዘይተሰርሐ ተሰሪሑ፡ ዘይተዓመ ተዓሚሙ፡ ህዝቢ ዘየመስገነ ክንሱ ኣመስጊኑ፡ ካብ ምባል ሓሊፋ ሓቂ ዘይወጽኣ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ በንበብቲ ተፈንፊና፡ ተኻዒባ። ዝነበራ ተቐባልነት ለሚሱ።  

ገለ ኤርትራውያን ነጻ ፕሬስ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ብዘይፍላጥ ዘይኮነ ብፍላጥ’ዩ ይብሉ። ኣብ 90ታት ብልሳኑ ህዝባዊ ክመስል ይፍትን ስለ ዝነበረ፡ ክሳብ ምስ’ዞም ጉግ ማንጉግ ኣፍሪቃውያን ዘይኮነ ምስተን ዝማዕበላ ሃገራት ኢና ንወዳደር፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ሲንጋፖር ክንክውን ኢና .. ወዘተ ብመብጸዓ ዝዘቕበበ ኣጉል ፕሮፖጋንዳ ይነዝሕ ስለ ዝነበረ፡ ኮነ ኢሉ ብመደብ ክግልገለለን ኢሉ ዝገበሮ’ዩ ይብሉ። እንተኾነ ውጽኢቱ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ኣንጻሩ ኮይነን ስለ ዝተረኽባ፡ ህዝቢ ከንብብ፡ ክጽሕፍ፡ ክካታዕ ስለ ዝጀመረ ብሓቂ ሰንቢዱ። ናበይ ከየበለ ዝለኣኽ፡ ስለምንታይ ከይበለ ዝፍጽም ድፉን ኣእምሮ ‘ምበር፡ ብፍልጠት ዝድግፍ፡ ብፍልጠት ድማ ዝቃወም ህዝቢ ክህሉ ስለ ዘይደለየ ማለት ከምኡ ዓይነት ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ባህሪኡ ስለ ዘይፈቕደሉ ውጽኢት ፕሬስ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ምርካቡ ኣብ ክንዲ ዝሕጎስ ጉህዩ። ኣብ ክንዲ ዝደፍር ፈሪሑ።

ነጻ ሓሳብን መግለጺ ነጻ ሓሳብ ዝኾነ ፕሬስን ካልኦት መራኸቢ ብዙሓንን ንጉጅለ ኢሳያስ ከም ሓያል ቀዝሒ ስለ ዘንቀጥቅጦ፡ ከም ቀዛፊ ሕማምን፡ ምሕረት ኣልቦ ደምሳሲ ሚሳይልን ስለ ዝሪኦን፡ ብስውኣትን ልኡላውነትን ሃገርን እናገዓረ ነተን ፍቕሪ ሃገር፡ ሓድነት፡ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ..ወዘተ ዝዘርኣ ዝኹስኩሳ፡ ኮታ ኣብ ዜጋታት ኣወንታዊ ሓሳባት ዘስርጻ ዝነበራ ጋዜጣታትን ጋዜጠኛታትን ያላ እሰርዎም ዓሽግዎን ኢሉ ለኲትወን።

እዚ ጉጅለ ኣብ’ዚ ነዊሕ ናይ ገባራይ ሓዳጋይነት ናይ ስልጣን ዕምሩ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘይፈጸሞ ዓይነት ገበናት የለን። ካብ መጀመርያ 70ታት ክሳብ ‘ዚ ንርከበሉ መድረኽ፡ ናይ ብዙሓት ህይወት ኣጥፊኡ፡ ናይ ብዙሓት ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጉድኣት ኣብጺሑ’ዩ። ነዚ ዝፈልጥዎ ግን ውሑዳት’ዮም። እቲ ዝበዝሕ ንሱን መጋበርያታቱን ብዝነዝሕዎ ፕሮፖጋንዳ ብንጽህናኡን ጀግንነቱን ‘ምበር፡ ብፋሽሽታዊ ተግባሩን ኣምስሉ ልሳኑን ይፈልጦ ኣይነበረን። ኣብ ተራ ሃገራውነት ዝብል ኣስካሪ ጎስጓስ ተሓቢኡ’ዩ ዝኸይድ ነይሩ። ነዚ ከም’ዚ ዓይነት ፍቱን መድሓኒት ከኣ ነጻ ህላወ መራኸቢ ብዙሓን ( ነጻ ፕሬስ)’ዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ተራእየን ብኣሳቃቒ ኩነታት ዝጠፍኣ ነጻ ጋዜጣን ኣዳለውተንን ጎርጒረን ጎራጊረን ዘውጸኣኦ ሓቅታት ድማ እቲ ብተግባር ዝተራእየ’ዩ።

እነሆ ድማ ካብ 2001 ንነጀው ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ብዘይካ ፈንፊኑ ዝገደፈን መቀናጀዊት ምልኪ ዝኾነት ሓዳስ ኤርትራ፡ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ካልእ ፍርያት ነጻ ፕሬስ ካብ ዝሕረሞ ኣስታት 18 ኮይኑ። ነጻ ፕሬስ ምዕጻው ማለት ነጻ ሓሳብ ምዕጻው ማለት’ዩ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ሓሳቡ ከየስምዕን ሓሳብ ካልኦት ከይሰምዕን ትም ሕትም ኮይኑ። ስለዚ ኢሳያስን ኣምለኽቱን ቀተልቲ ሰብ ጥራሕ ዘይኮይኑ ቀተልቲ ሓሳብ’ውን እዮም። ሓድሽ ሓሳብ ዝፍልፍለሉ መንገዲ ብምዕጻው ነጻ ሓሳብ ከይህሉን ከይምዕብልን ብምዕፋን ሰብ ብኣካሉ እናሃለወ፡ ከምዘይሓስብ ከምዘይዛረብ፡ ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ክሓስቡን ክዛረቡን ዘለዎም ካልኦት ‘ምበር ነዓይ ዝምልከት ኣይኮነን ዝብል ለዋህ ግን ከኣ ቀታሊ ኣተሓሳስባ ከስርጽ ፈቲኑ።

ከምዚ’ ምግባር ኣይኮነን መንግስቲ ኮይንካ ህዝቢ ይመርሕ ኣለኹ እናበልካ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ውልቀ ሰብ ውን ይግበሮ ኢልካ ዘይትጽበዮ’ዩ። መቸም ንኣፍ ክጥም ‘ምበር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ትማሊ ኮነ፡ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ሎሚ እቲ ውድብ ኢሳያስ’ዩ። ትካላዊ ሓባራዊ ኣሰራርሓ ትማኢ ኣይነበረን። ሎሚ’ውን የለን። ብጸቢብ ሃገራዊ ስምዒት ዝተነድቀ ኣድናቒ ኢሳያስን ኣብ ተራ ጽልኢ ዝተመሰረተ ስምዒት ጥራሕ’ዩ ኔይሩ። ነጻ ሓሳብን ነጻ ፕሬስን ዘይብሉ ፖለቲካዊ ቃልሲ ውጽኢቱ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ እዚ ሕጂ ንርከበሉ ዘሎና ኩነታት ምስክር’ዩ።

                                                                   ካብ ሚልካና ፍረ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 07-09-2019