ካብ ጻባ,

ዘይተረኸበስ ካብ ማይ ጸባ

ህዝቢ ኤርትራ ረኻቢ ጸበባ

ንሃገርና መድሐና መንዩ ህዝባ‘‘

ንጉዳይናስ ባዕልና ደኣ

ባተንቲ ዘይብሎም ክልተ ኣጋንንቲ

መምህርን ተማሃራይን ክልተ በተንቲ

ካብ ዞም ሕቡእ ኣጀንዳ ኣለዎም ስልቲ

ህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ግርብታናዩ ዝምነ

ወሲና ጸረ ጃንዳ ህግደፍ ክንፈዲ ሕነ‘‘

ኢትዮጵያዊያን እንተ ተባእሱ

ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ኣቢሱ

ብሰንኪ ጃንዳ መራሒኦም ኢሱ

ሐዊ ዝነድድ መመሊሱ

ንህግደፍ ምእላይ ዩ ፈውሱ‘‘

ንጉዳይናስ ባዕልና ደኣ

መኒኻ ታ

ንሰባት ከም ጣኦት ተምልኽ

ንሶቶምስ ዕላማ ኣለዎም እሉኽ

ንህዝቢ ኤርትራ ዘንበርክኽ‘‘

ደቂ ኤረይ ጉዳይና ንግበር

መዓስ ተጋግዩ ኢሱ ፈገር

ተቃለስቲ ንፍትሒ እንበር

ብድኽመትና ከይትፈርስ ሃገር

ህዝቢ ከይጸነተ ሐዱኡ ንግበር‘‘

ንጉዳይናስ ባዕልና ደኣ

ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ዝዘለለ

ኤርትራ ንኤርትራዊያን ዝበለ

ብዙሕዩ ኣብ ቃልሲ ዝሸምገለ‘‘

ብገዛእ ርስትኻ ጓና ኮንካ

ህዝቢ ኤርትራ ጉድ ረኺብካ

ዘረባ ጥራይ ኮይኖም ደቅኻ

ን29 ዓመት ፍትሒ ሐሪሙካ‘‘

ንጉዳይናስ ባዕልና ደኣ

ናይ ኢትዮጵያዊያን ቃልሲ

ኣነ ይበልጽ ብስልጣን ባእሲ

ባዕሎም ይድለዩሉ ፈውሲ‘‘

ኢዲ ምሕዋስ ናይ ትማሊ ተመኩሮ ኣሎና

ቀሚሽ ኣደይ ሐንኲሉኒ ሎምስ ያኣኽለና

ኣብ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ቅልጽምና ነዋሃህዶ ጸረ ቲ ደም ህዝብና ዝመጺ‘‘

ኣናፍራ ቆቛሕ

ዘይፈልጥ ኣይሃዳናይን

ዓይንና ንኽፈቶ ኤርትራዊያን

ተኣፋፊ ኮይኑ ኣሎ እዚ እዋን

ንህዝብናን ሃገርናን ንምድሐን

ንለውጢ ባዕልና ኣለናዮ ሃገራዊያን‘‘

ክንብርኩት ከይንብርኩት,ኣብ ማይ ንብጻሕ እንዳባ

ኤርትራና ንመፋቐሪ ጎረቤት ኣይፈስስን ዩ ደም ህዝባ

ተቀባልነት የብሉን ካብ ኢሰያስ ዝኸፈ የለን ዝብል ዘረባ

ንጃንዳ ህግደፍ ሕንቲ ወስታ ትኣኽሎም ናይ እምኒ ዳርባ

ብዘረባ እንታይ ገዲፍና,ግብሪ ወሲኽና ንስገሮ ሩባ‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።