ካብ ብኣውራጃ ጽልኢ ምፍሐር

ካብ ኣብ ዘረባ ተጸሚድካ ምንባር

መድሕን ህዝቢ ንኹን ብተግባር‘‘

ብሰላሕ መላሕ

ከየግርሁና በዓል ጎራሕ

ሐሊፍናዮም ንጽናሕ;;

 ቀሲኑ ክነብር ዘይተዓደለ ህዝቢ

ጉዳዩ ረሲዑ ኤርትራዊ ኑኡስ ዓቢ

ሃይማኖት ኣውራጃ ኮይኑ ተዛራቢ‘‘

ኣርዮስ መራሒ ጉጅለ ማስያ

ሰንሰለት ባርነት ሽልማትጃ ንሳ እያ

ብሂወት እንተ ለኻስ ኣይትተርፈካንያ‘‘

ኣቱም ብኣውራጃታት ንህዝቢ ትመቃቅሉ

ንነብስኹም እንበር ንህዝቢ ማዓስ ትውክሉ

ህዝቢ ሐማሴን ሰራየ ኣከለጉዛይ ኣለዎ ባዕሉ

ይፈልጥዩ ብጀካ ህግደፍ ጸላኢ ከም ዘይብሉ

ኣስላማይ ክስታናይ ኢልኩም ኣይትመቓቕሉ‘‘

ምዝልላፍ ኮይንኩም ወልፊ

ልሳንኩም ዘይትገብሩሉ ቁልፊ

ሐደ ካብቲ ሐደ የብሉን ሕልፊ‘‘

ምስ ሸሞንተ ኣዛብእ ብንጭር ዝመርሐ

ኢሰያስ ካብ 8ኣውራጃ ሒዙ ኮይኑ ኣርሐ

ኣየነይቲ ኣውራጃ ናይ ኤርትራ እያ ረቢሐ

ሐድሕድ ምክሳስ ንሃገርና መዓስ የርብሐ‘‘

በዓል ኣመል ማይ ሰትዩ ይጠርጥ

ብገበታ ሐሶት ግልብጥ ግልብጥ

ብሎቖታ ገንዘብ የዋሃት ክሽምጥጥ‘‘

ቦታ ደቀባት ብጓኖት እንዳ ተተከኤ

ዓገብ ዘይፈልጡ ህዝቢ እንዳ ጠፍኤ

ዝበረቀ ጸሐይና መምስ ዝመጽኤ

ኤርትራዊ ዜጋዩ ንርስቱ ዝተሰወኤ‘‘

ኣየ ህግደፋዊያን መንሽሮ

ህዝቢ ብጥሙዩ ትሃርሙ ኮቦሮ

ምስታ ስነ ጥበባዊት ዕንጪራሮ

ሰዓቢ ህግደፍ ፍጹም ዘይስቆሮ‘‘

ንሐርነት ዋጋዩ ዝኽፈሎ

ሕጂ እቅሬታ ዘይሐተተ ብቶሎ

ፍትሒ ምስ ነገሰ ፍርዲ ይጸበዮሎ

ብእዋኑ ተናዘዛ ተናዘዙዩ ዝበሃል ዘሎ‘‘

እቶም ኣብ ሽወደን ዝሳዕሳዕኩም

ዓገብ ሰብ ኒሕ ምስማዕ ዝኣበኹም

ንማፍያዊ ጉጅለ ይርሐሰና ዝበልኩም

ክወግሕዩ ታሪኽ ኣበይ ከይምሕረኩም‘‘

ልሳኖም ዘይዓጸፉ ኣለዉና ኣለዋና

ደለይቲ ፍትሒ ልሳን ውጹዕ ህዝብና

ብሰላማዊ ሰልፊ ለንደን ሕብናት ኢና

ኤርትራዊያን ኣስላምና ክስታና ሐበርና

ንጃንዳ ህግደፍ ንምፍራስ እዩ ቃልስና‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና‘‘ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ብኣባል ተ,ሐ,ኤ, በርሀ ዑቅባዝጊ ኣብ ሃገር ጀርመን።