Bilen Eritireaኤረትሪ-ቊር፣ ሰኾረን አመታት ሓርብዲ እንሺኽዲር ደንቢ 24/ክብሊሪ/1991ዓም ጂብናር (መግዛእቲ) ኢትዮቢኲሲ ሳዓርነሪ ግርጋ ኣኽረዉድ፣ እና ግርጋ 24/ ክብላ/2020ዓም ለጘርጝንዲ ሰሳ አመታት ደንቢ ጀበረቲት ባሕርድኑ፣ ኦ ናዉክ!! ይናከዉታት ተኸትልር ሺራኹልኽር ህንብደናኽር ዋዲክ ፈርሕድነት፣ ፈርሕነት ይነኩን። ዉንትር ይኖ ግራጋ እንዲሂቲ ኤልብድኑ ኤረትርይ-ቊር ጀበረቲትር ናይዲትር ኤርድኖ ለገትረጝን ሲሕ ፊዂት ቡቚሲነሪ እርግርነዲን፡ ለመለምየንቱታት ዓውቲትኖ ኣስመራ ኤተዩኑስክ፣ ገንንኻ ዕላልድ፡ እክል ብርጅድር፣ ላዂ ላዂሲ ሓቆፉኹር ሰለሙኽር ና ፈርሓሲ ቋሊስነሪ ግርጋ፡ አውስኮት ሳንኪትኖ ጨበሩኑላ እርግነሪ አክረት ይና ገሽሽል ቋልሱዂ። ጀብረቲር ዩኑ ሻሎትዲ ጀገንዲ ሱርጙግዲ መርዓዉትዲ ክኒተዉዲ ክኒሰዉዲ ጋበርድ ሸቓልድ ልበዉዲ ለኸንተዉዲ ዲመክ እልብርስናዉ፣ ይና ባንደርትኻ ይና ለበኪዉሲ መልእድሮ ዲመክ ክብ ያዂል ኣንበልበልድርኒሪ።

ሻን ሓይሳን ንኪትል ኣኽኖ ይና ነበኺ ሰኾረጝን ኤመታታዂ፣ ይን ኤርእነዉ ሰበትድ ይና ፈርሓት ታምም ኣኽገት ብርክስጚ ኳሪሰና በርሆ ቋልሰኩና። ኮዶ ከቲኖ ሻኽግናዂ ኒን እንትሮ ቐደረት ጃቢሶ ቋለዉ እርግነትና ኤልብድኖ ህንበኩና። ናዋ ና ደር ደርብድ ሻዓብ ኤረትሪዉሲ ኣዋጅድ እክብሳ ፈሀማ ደበልታ ዩኑና ሰጘንኲ። ለመለም ኒ ማእኮትል ተቦ ጃብራ ፍርዶ ሻዓብ ፍሀምድ ተከዉሮሉ ሻዂዂ። እከክ ናት ዓመጫዂሲ ፈርግድኖ ፋጥን ለበካ ጀረብደኩሎም። ኤረትሪዂ ለመለም ኒ ብርፍሊ ናዉክ ላድ የመምኖኽር መቅርሕኖኽር ብርፍ ሲገዉሉ ኣኻዂድ ዓንቀፍስሮ ኣኸት ቋሉሱ እርጉዂ። ሻዓብ ጀበረቲት ናዕስድኖ ለቡኑኽር ክሩኑኽር፣ ጣልሜንኻ ና መንፈዒትል ትብትኖ ከደሙኑ ድይነ ጀበረቲ እንትረሰና በደርኖ መሪት ባሕትኑዂ። ንኪ ኤረትራ መሪትል ላ ግርዋ ኣኾርድ ፈረዉ ሕጊዲ ስርዓዲ ኤርእገዉ ሙቑል መዓንያ ኮፍ ይኖ ህንበነክ። ይና ኣጭጉም ሰርጥ ህግደፍ ግን። እንሽኽ፣ ጋይትና፣ ሓጋለት ኒዉክ ኔልድ እንተራዂ ግን። እና ሙቊል ኔን ግርጋ ሺርኒ ታኽቲትኒ ና ለብና ከብተጋዂ ግን። ኮዶ ናጝር እማኒሰና ኤሪውድ ምልሰግኒን፣ እክብስንን ፈሀምንን ፍትሕዲ ናይዲ ሻኽረሪ ኤርትራ መሀድኖ ኤሪዉ ከዉታትዲ ኣኽኖ ይና ናይሲ ተከዉኑ ለመለም ይንን።

ይን ህንብናኹ ህመት ኮሮናቫይረስ (Covid-19) ናትክ ዓለምሲ ሰሀርዳዂዲ ሸረባዂዲ ዕድር ፈድሰ ህንባዂ ወክት ግን። ከደን ህንብናኽር ኣኽን ኮል ህንበዉ ኒሰና መሪትል ህንበዉ ኣኽኒን ኢፋልካ ደርብ ከትረ ህንብረክ የዉር ላት ኣኽኖ ይና ነበክል ደባን ይና ከዉሲኽር ይና ሹትኽር ዳሕኒስኖ ለመለም ይኖ ጀረብዳኹና ወክትል ህንብነኩን። ገሽሽ ቅሬናትሩ ና ከዉድ ሓሰበዉ ንኪ ራሕመት ጀረብዳዂ ወክት ግን ይኖ ቂር ገንጃ እንገት እና ዕድርሲ ለመለም የዉሲ ቋልነኩን እንኩንዂን። ጨገም ወክትል ይና በለዲ ራሕመትሲ ትክሰረ ኤርእረር ሰጘቲ። ውራ ኣኽሮ መሪ ህግደፍሩዂ ኒ ለበካ ራሕመትልድ ሸፈተትልድ ወክት እሲዂ። ልጝንቲ ንሽዉውሊ ገሪ ኤመታት እንሸዉሰዉ ዋኒነት ናዉክ ዋስናዂዲ ኤርእናዂዲ ግን። ልጝንቲ ንሽዉዉ ከዉ ብጅኽድ እና ዕድር ኒን ይና ኮል ኤተይግኒ ግራ፣ ኤተየን ሙቑል ቋልስሮና ቀደረት ዋስነኩን እንኩንዂን። ይጝር ደባን ሻዂ በለድል ዋንትኑ እና ላ አርባ ልጝሊ ይና ከረምስነድ ውሪኮት መረሮና ዋነት ኤርእድናዂ ግን። ኣዳም ራሓምሮ ኣዳም ኣኽሮ ካይ ህንበኩሉ። ክዉ ግን ከዉ ሰጝነኲ ይስኖ ኣከን ንኪ ይነልድ ጨበረዉሲ ራሓምኖ ሻኽንዂን። ንኪ ቦሎቲካ ኤወይሲ ገሪ ኤመታት ግብል እንሸድዉሶ ህንበዉድ፣ ቁስታኹር ጂእሳዂ እንገዉድ፣ ኤመታት ዕስክሪኒል ገነዉድ፣ ጋይትኒል ህንበዉድ ራሓምኖል ህንበኩና።

መሪትል ራሕመት ጨብርሰገት ህግደፍር ሜርሓይ ከዉኻ ኮሮና ቫሪስልድ ኣልኮተተኩ ንኻ ንጃብ እሰዉ እንሽኽዲ ድደዲ ዓቅትና በሉ፡ ናንኽር ኢትዮብያ ና መሪር ፍሪርኒል ‘’ይትር ቋላዂ ግን ይናሲ ቱስየግን’’ ያዂሲ ናዉክ ዋስናዂ ግን። ህግደፍር ሜርሓይ ይና በልዲ ኤርትርየትል ፍሪር ‘’ኤርብያ ኤምራ ጃብ ፍሪር ቋልደኒ’’ ዮ ኒ ከዉሲ እንተገነር ኡንጚሰና ቀበጫ ዮ ጭልምል መንደርዳዂና ከዋ በለድል ፈሮ ዲክታቶር ነገስድሮ ተሻረኻዂሲ ደዉ ሲኖሉ ይና ዋጅብ ግን። ኢትዮጵያዲ ሱዳንዲትል እንሽኽ ጉዱሮ፣ የመንትል ህንባዂ እንሽኽ ቀሽቀሽጊን እንበርበርዶ ሱቆትር አወትር ጋይተኲ ኣንኩዂ። የኩ እንኩዂ። ኣኻ ኣካንልክ ተከልሳዂ እንሽኽ ከዉ ሪሕሲ ቋዂ ኣኸዉድ ኣና ጉኑ ዲክታቶራት ናጝር እንሽኽ ተከልግኒን ና ደርብስክ ኤበድኖ ይና ዓቅምሲ እስኒንን።

ፍርዕ እክባ ምርቛ ብሊን/ሆደ እን በሀር ግርጋ ኒል ይና ከዉሲ ፋነይነዉ ለጛ ጋራት ህንበኩና።

ሰልፋኻ ኮሮናቫይረስ (Covid-19) ሰዓርኖ ራሕመት ጀረብደኩና። ከደን መንደርትደናኽር ሻን ናንኽር ሓለልስንኹን ይግድኒ እንተ እማኒሰና ኮል ህንበውሲ ኒድጝልድኻ አላ ከበው እንትን ኤርእድነውሲ ካባ ረሃይዳ ይነኩን።

ሊጘርኻ ጀበረቲ ይነሪ እና ናን ህንብናዂሲ እዃርቶ ንርቁር ሰረውዲ ኤረፍዲ ኡዉላ። ኤርትሪ ከዉታት ጋይትኖኽር ኮልኽር መንደርትናኽር ይና መንብሮ ኮድክ ጂቡ ፈረኩ እንኩዂ። ምልምሊ ይና በለዲ ባራ ንርከዉድ ኤሪዉድ ካረዉ ርድቅ ሻኽቲ። ዳኣም ይና ነበኺት ካረሞ ህንባዂ እና መሪት ሻኾ ህንባዂ ኒ መዓንየዲ ገፍትእስሮ ሻኽዂ። እና መናብረት ኒን ለወትስሮ ይናሕልስክ ህግደፍቲ ትንክብኒል እርግስኖሉ ህንበኩና። ፍርዕ እክባ ምርቛ ብሊን/ሆደ ንርቁርልድ ንርቁርድ ንርቁርሊ ሳድረሪ ኣኽረዉድ እንተልድ ደኮ ደበልታዂለዲ ተክለባኹለዲ ሻኽላ እማ ኒድክድሲ ወስ የለ የቲ።

ሓሳን ሻን እንትን ህንብደናኹልክ እና ጃር ኮሮናቫይረስ (Covid-19) ሰተርዶክም ስተርዶና ተምኔትኑ፣ እን ክኒተዉድ ኡሰውና ኮድገስ ላሪ ናልድ ከብሰጝኒ ኢስኖ ሻኽንዂን። እና ኤመራ ኒስ ባሕሮ 24 ክብላ ባሕሮ ጀበረቲሩዂ ወላ ይና ልጝንተል ከረምስኖ ደኩስነሪ፣ ይና ምራድሰና እሰና ኣማር ይና ኮልኽር ይና ከዉድኽር ባሕርድነሪ ኣኽቶና ሳድነኩን።

ፍርዕ እክባ ምርቛ ብሊን-ኤርትራ/ሆደ 23.05.2020

ባሕሮ 24/ክብሊሪ ክብ ዪሮ ኤልብድነሪ በሀሪ ባሕሮ ግን!!

ይና ፍዳታት ደከዉዲ ናጝር ለበዉዲ ዲመክ ከበርናዉ!!

ህግደፍዲ ኒ ማዕየዲ ና ለብ ከብተጋዂ ግን!!

ሰርገል ከዉታት ኤረትሪዉድ!!