ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ንባሕቲ መስከረም 1961  ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ መሰረት ዝኾነ፡ ታሪኻዊ ፖለቲካውን ሕጋውን ፍትሓዊ ህዝባዊ ሕቶና እንታይ ነይሩ? ነዚ ክውን ንምግባር ካብ 1961 ክሳብ 1991 ን30 ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ህዝባዊ ኲናት፣ ኣብኡ ዝተኸፍለ ኩሉ-ዓይነት መስዋእቲ፣ ዝተመዝገበ ጽንዓትን ጀግንነትን ብምዝካር፡ ኤርትራ ብ1991 ካብ ማዕዳዊ መግዛእታዊ ኣርዑት ተገላጊላ፡ ብ1993 ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብዝተኻየደ ሕጋውን ወግዓውን ህዝበ ውሳኔ (ረፈረንዱም) ልኡላዊት ሃገር ምዃና  ከም ዘረጋገጸት ይፍለጥ።

እንተኾነ ግን ካብ ሽዑ ክሳብ ሎሚ፡ ከም ህዝቢ ብዘቤታዊ ጸላኢ ነሕልፎ ዘለና ሓደ ብሓደ ምዝርዛር ዘየድልዮ ብዓይኒ ዝረአ፡ ብፖለቲካዊ ሸነኹ፡ ምስ’ቲ ዝተፈጸመ ሃገራዊ ሓርበኝነትን ጀግንነትን ዘይቃዶ ዘሕፍር፤ ብሰብኣዊ ሸነኹ ንምግላጹ’ውን ዘደንጹ ዘስካሕክሕ ኢ-ሰብኣዊ ገበናዊ ፍጻሜ፤  ብሕጋዊ ሸነኹ ዝኾነ ሕጋዊ መሰረትን መረዳእታን ዘይርከበሉ ተራ ሕነ ምፍዳይ ዝመስል ጨካን ተግባር እናሃለና እንቋዕ ኣብጸሓኩም ኣብ ጸሓና ንምባል፡ ንቕኑዕ ሕልና ዝርብሽ ‘ኳ እንተኾነ፡ ብመሰረት’ቲ ንቡርን ክቡርን ባህልና ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ኣብ ጸሓካን ኣብጸሓናን ይብል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ።

ሎሚ ማለት ኣብ መስከረም 2023 ኮይና ንባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ከነኽብር እንከለና፡ ድሕሪት ተመሊስና ቅድሚ 62 ዓመትን ክንዮኡን ፖለቲካዊ ንጥፈታት ኤርትራን ኤርትራውያን ፖለቲከኛታትን ከመይ ነበረ ብምዝካር ክኸውን ይግባእ።  ስለምንታይ’ሲ ታሪኻዊት ዕለት ባሕቲ መስከረም 1961 ቅድሚኡ ይካየድ ናይ ዝነበረ ዝተወደበን ዘይተወደበን  እምቢታ ንባዕዳውያን መግዛእትን ፍትሓዊ ሕቶ ንሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ዘንቀሎ ቃልሲ መቐጽልታን ነጥበ መቐይሮን ደኣምበር ብዝኾነ ኣጋጣሚ  ሽዑ ዝተኸስተ ተረኽቦ ኣይኮነን። ብ1890 ብባዕዳዊ መግዛእቲ ጣልያን ዝጀመረ ኤርትራዊ ሃገርነት፡ ብግዝያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝን  ግዱድ ብይን መድረኽ ፈደሬሽንን ሓፍ ለጠቕ ዝበዝሖ ነዊሕ ጉዕዞ ሓሊፉ’ዩ ኣብ’ዚ ወሳኒ መድረኽ 1961 በጺሑ።

ኣብ’ዚ ካብ’ቲ ሓደ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ’ቲ ካልእ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምስግጋር ዝተሓልፈ ናይ ብዙሓት ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኣእዳው ዝተሓወሶ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ሕሱም ናይ እምቢታ፡ ቃልስን መስዋእትን ጉዕዞ፡ ከይዘከርካን ካብኡ ክርከብ ዝኽእል ኣወንታውን ኣሉታውን ትምህርቲ ከይወሰድካን ኣብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ መስከረም 1961 ጥራሕ ምትኳር፡ ውዕሎ ቀዳሞት ብኣውዲቕካ ሕለፍ ምስጋር፡ ታሪኽ ድማ ምቑራጽ’ዩ ዝኸውን።  ስለዚ ሎሚ ንመበል 62 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ከነኽብር እንከለና፡ ብውሕዱ ኣብ ኣርባዓታት ዝተወልዳ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ብክንዲ ዝዓቕመንን መድረኽ ዝሃበንን ሒዘናኦ ዝነበራ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ዕላማ፣ ዝተኸፍለ መስዋእቲ፣ ኣብ ሕድሕደን ዝነበረ ዝምድና፡ ፍልልይን ናይ ምምሕዳሩ ጥበብን፣ ዝነበረ ግዳማዊ ኢድ ምትእትታውን ዝፈጠሮ ተጽዕኖን፣ ብፍላይ ኣብ መድረኽ ግዱድ ውዑልን ትግባረን ፈደሬሽን ዝነበረ ኩነታት፣ ብሚጥራዊ ኣወዳድባኡን ስጡም ኣሰራርሓኡን ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ማሕበር ሽውዓተ (ሓረካ)  ዘይምዝካር፡ ዕለማታት ባሕቲ መስከረም 1961 ካበይ ተበጊሱ ብግቡእ ኣየርእን።   በቲ ካልእ መዳይ ድማ፡ ናይ ሎሚ ኩለንተናዊ ፖለቲካዊ ውድቀትና መሰረቱ ካበይ’ዩ ምሉእ ኣፍልጦ ከይህልወና ስለ ዝገብር፡ ንታሪኻዊት ዕለት ባሕቲ መሰከረም ከነብዕል እንከለና፡  ቅድምን ድሕርን 1961 ዝነበረ ኩነታት ብምትእስሳርን ምንጽጻርን ክኸውን ይግባእ።

ሎሚ ኣብ 2023 ዓ.ም ኮይና ነዛ ታሪኻዊት ዕለት ከነኽብር እንከለና፡ ኣብ ምሉእ ሰላምን ንቡር ኩነታትን ከም ዘለና ብሆታን ዕልልታን ዘይኮነ፡ ከም ጥሙር ህዝብን ልኡላዊት ሃገርን ናበይ ዝብል ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ከም ዘለና፡ ናይ’ዚ ጠንቂ ባህሪያዊ ሓደጋ ወይ ግዳማዊ ሓይሊ ዘይኮነ፡ እቲ ብውሑዳት ዘይኮኑ ወገናት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ/ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን መራሒኡ ኢሳያስን ኣሚናዮ ክሒዱና እናበሉ ነብሶም ከታልሉ ዝፍትኑ፡ ብኸመይ እምነት ተነቢርሉ? በየናይ ቅዋማዊ ሕጊ? ኣበይን መዓስን ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ሃገራዊ ምርጫ? ጭቡጥ መረዳእታ ዘይብሉ፡  ካብ ልክዕ ንላዕሊ ዝተመጠ የዋህነትን ፖለቲካዊ ድኽነትን ብምእራም ክኸውን ይግባእ። ካብ’ዚ ምህላውን ዘይምህላውን ዘንጸላልወና ዘሎ ከቢድ ሓደጋን ንምድሓን ድማ፡ እቲ ኣንኮ ኣማራጺ ካብ ዝሓለፈ የዋህ ኣገንዝቦን ፖለቲካዊ ድኽነትን ግቡእ ትምህርቲ ብምውሳድ፡ ብግዝያዊ ስምዒት ብንግባር ንግባር፡ ንሕበር ሕንበር ዘይኮነ፡ ባህርን ተግባርን ጸላኢ ብምጽናዕ፡ ካብ ህዝቢ ዝለዓሉ ናይ መሰል ሕቶታት ብዘይ ዝኾነ ኢንታን ዕንቅፋትን ኣፍልጦን ክብርን ብምሃብ፡ ምስኡ ምስ’ቲ ዝተገፍዐ ህዝቢ ኮይኑ ዝምልስ፡ ብንጹር ዝተጻሕፈን ዝተሰነደን ህዝባዊ ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ ስትራተጂን ስልትን ወኒንካ፡ ኣንጻር እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብንቕሓትን ብጽንዓትን ሓቢርካን ተኸባቢርካን ምቅላስ ጥራሕ ምዃኑ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ይኣምንን ንግብራውነቱ ድልውነቱ የረጋግጽን።

እዚ ሃገራዊ ታሪኻዊ በዓል’ዚ ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ካብ ዝሓለፉ ናይ ቃልሲ ዓመታት ብዓይነቱ ዝተፈልየ ኮይኑ ክኽበር ዝድርኹ ኣወንታዊ ናይ ለውጢ ምዕባሌታት ቅድሚት ደፊኦም ዝመጽእሉ ዘለው ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ብምዃኑ፡ ከም ዜጋ፣ ከም ውድብ፣ ሰልፊ፣ ምቅስቓስ፣ ማሕበር፣ ብቀንዱ ከኣ፡ ከም ህዝቢ ንነብረሉ ዘለና ቦታን ኩነታትን ክንዲ ዝሃበና ዕድላት ተጠቒምና፡ ስለምንታይ ኣብ’ዚ ወዲቕና? ኣበይ’ዩ እቲ ድኽመት? መን’ዩ ናይ’ዚ ተሓታቲ?  ብንቕሓትን ብደቂቕን ብምግምጋም፡ ንኣወንታዊ ተመክሮና ብምዕቃብ፡ ንኣሉታዊ ባህሪናን ተግባርናን ከኣ ብግልጺ ብምንቃፍ፡ ተረዳዲእናን ተቐራሪብናን ኣብ ረብሓና ከነውዕሎ ይግባእ።

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ብወሳኒ መልክዑ ብተግባር ዝረአን ዝንበብን ኣካይዳኡ ብርጌድ ንሓመዱ፡  ጸረ-እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ምንቅስቓስ ካብ ዝጅመር ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝነብሩ መንእሰያት ብምጽላው፡ ብምልዕዓልን ምውዳብን ብኢ-ደወነናዊ ውሳኔ ካብ መድረኽ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ኣእምሮን ተዘክሮን ኤርትራውያን ክትርሕቕ ተፈሪድዋ ዝነበረ ናይ ቃልስን ሃገራዊ መንነትን ኣርማ ዝኾነት ሰማያዊት ሰንደቕ ዕላማና እናምበልበለ፡ መደባት ጸላኢ ኣብ ምብራዓን፡ መሓውር ጸላኢ ኣብ ምርዓድ ዘመዝግቦ ዘሎ ዓወት የመጉስ፡፡ ደግሓኤ ብርጌ ንሓመዱ  ዝረኽቦ ዘሎ ኣህጉራዊ ዜናዊ ሽፋንን ተፈላጥነትን፣ ኣብ ህዝብታት ኤርትራ ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ለውጢ ተስፋን ሞራልን፣ ኣብ ዓለማዊ ዲፕሎማሲ ንጸረ-ህዝቢ ባህርን ተግባርን እቲ ጉጅለ ብምቅላዕ ዘሕድሮ ጸሎ ጽልዋ፡  ዘለዎ ልዑል ኣድናቖትን ናይ ቃልሲ ደገፉን እናገለጸ፡ እቶም ዝጎድልዎ ገና ዘይተማልኡ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ረቋሒታት ኣማሊኡ፡ ምሉእ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኮይኑ፡ ንጥፈታቱ ክቕጽልን በዚ ኣጋጣሚ ኣወንታዊ ምኽሩ ይልግስ።

ደሞክራስያውያን ምሁራት፡ ነባራት ፖለቲካዊ ውድባትን ጸለውቲ ውልቀ-ሰባትን ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 32 ዓመታት ዝጸንሓናን ዘለናን ፖለቲካዊ ተሳትፎን ንጥፈታትን ከመይ ነይሩ ብኣወንታን ኣሉታን ብምግምጋም፡ ኣብ’ዚ ከም ጥሙር  ህዝብን ልኡላዊት ሃገርን ናይ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ዝውስን መድረኽ፡  ኣብ ነባራት ውድባት ዘሎ ቅድሚ ምንጻር ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ግብራዊ ስራሕን ናብ መቐሎ ስልጣን ዘማዕዱ ዘይሓጋዝን ዘገምታውን ጉዕዞ ንምግራሕ፡ ብግልጽን  ሓላፍነታዊ ኣገባብን ተበግሶ ወሲድና ክንዋሳእ ይግባእ። ኩሎም ብስም መንእሰያት ዝጽውዑ ምንቅስቓሳት ብሓፈሻ፡ ምስ ኣምለኽቲ ሓደ ሰብ ብምትሕንናቕ፡ ንህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ክኸፈል ዘለዎ መስዋእቲ ብምቕፋል፡ ኣብ ሓውሲ ደዋታ ዝጸንሐ ደምበ ደሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ቃልሲ ኒያት ብምብርባር ሞራል ዘስንቕ ዘሎ ብርጌድ ንሓመዱ ከኣ ብፍላይ፡ ናብኡ ቀሪብና  ኣወንታዊ ልምድናን ተመክሮናን ብምክፋል፡ ዝተነጸረ ህዝባውን ፖለቲካን ኣንፈት ክሕዝ ብምምካርን ብምትብባዕን ሓላፍነትና ክንዋጻእ ደግሓኤ ይጽውዕ።

በተሓሳስባ ይኹን ብተግባር ኣብ ደምበ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝነጥፉ ዘለው፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ብዝተፈላለዩ ኣስማት ዝጽውዑ በርገስ ማሕበራትን ኢሳያስን መጋበሪያታቱን ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዞም ኣብ ህዝቢ ዝነበረን ክህሉ ድማ ዝግባእን ንቡር ኣተሓሳስባን ተግባርን ተደምሲሱ፡ ዘይንቡር ኣተሓሳስባን ተግባርን ላዕለዋይ ቦታ ሒዙ ዝርገተ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ኣጠማምታ ክነግስ፡ ክገብሮ ዝጸንሐን ዘሎ እኩይን ኣዕናውን ውጥን ፍረ ይረኽበሉ ከም ዘሎ ተገንዚቦም፡ ከም ህዝቢ ካብ ከም’ዚ ዝበለ ሽርሓዊ መጥቃዕትን ዝርገተ ሓሳብን ወጺእና ናብ ንቡር ክንምለስ፡ ብዝተወደበን ቀጻልነት ብዘለዎን ኣገባብ ሓላፍነቶም  ብግቡእ ክዋጽኡ የዘኻኸር።

ማዕከናት ዜናን ስነ-ጥበበኛታትን  ዘለናዮ መድረኽ ሕቶ ውልቃዊ ጠቕምን ውልቃዊ ዝናን ንምርካብ ንቀዳደመሉ ዘይኮነ፡ ከም ጥሙር ህዝብን ልኡላዊት ሃገርን ናይ ምህላውን ሕቶ ቀጻልነትና ናይ ምምላስን ዘይምምላስን  ዝውስን ረዚን ዛዕባ ብምዃኑ፡ ተልእኾኹም ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ምዃኑ’ውን ኣብ ግምት ብምእታው ካብ’ቲ ከተበርክትዎ ዝጸናሕኩምን ዘለኹምን ንላዕሊ ከተበርክቱ ትጽቢት ይግበረልኩም።  ካብ’ዚ ንሓደ ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ‘ምበር ንህዝቢ ረብሓ ዘይብሉ ከም ንግዳዊ መወዓውዒ ዝተታሕዘ ሃገር፡ ምውሓስ ልኡላውነት፡ ስውኣት፡  ወስታ ወያነ፡ ውዲት ኣመሪካ እናተባህለ ዝንዛሕ መሰረት ዘይብሉ ባዶ ፕሮፖጋንዳ ገዛእ ርእስኹም ሓራ ብምግባር፡ ዝተደናገሩ ዜጋታት ካብ ዘይንቡር ኣካይዳ ናብ ንቡር ፖለቲካዊ ኣተሓሳባ ክምለሱ፡ ኣነ’ውን  ዜጋ’የ፣ ኣብ ጉዳየይ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገረይ ሓሳብ ኣለኒ መሰል ኣለኒ ኢሎም ንቃልስን ለውጥን ክብገሱ ብዝሓየለን ዝጸፈፈን ኣገባብ ፍሪያትኩም ከተቕርቡን ከተቃልሑን ደግሓኤ ይላቦ።

ኣብ መወዳእታ ከም ህዝባዊ መንግስትን ወኪል ህዝቢ ኤርትራ ገይሩ ንነብሱ ዘላሊ ጸረ-ህዝቢ መንግስታዊ ጉጅለ  ህግደፍ ብምሉእ ዓቕሙ ዝተሓወሶ፡ ኣብ ልዕሊ ሓው ህዝቢ ትግራይ ዝተወለዐ ኣብራሲ ኲናት፡  ብተግባር ዝዝተፈጸመ ዘርኢ ናይ ምጽናት ዝተዋደደ ኩለ-መዳያዊ ማለት፡ ኢ-ሰብኣዊ፣ ኢ-ሞራላውን ብኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ዘሕትት ጭካኔን ኣጥቢቕና ንይኹንን።  እዚ ከም’ዚ ዝበለ ጨካን ተግባር መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ፋሽሽታዊ ተግባር ምዃኑ ተቓላሳይ ህዝቢ ትግራይ ይርደኦ’ዩ ዝብል እምነት ኣለና።  ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ተፈጢሩ ዘሎ ኣንጻራዊ ሰላም ብምዕቃብ፡ ተፈናቒሎም ኣብ ከቢድ ሽግር ዝርከቡ ወገናት ናብ ቤቶም ክምለሱ፡ በቲ ዘይንቡር ጨካን ኣብራሲ ኲናት፡ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጉድኣት ዝበጽሖም ወገናት ብሓፈሻ፡ ወላዳት ትግራይ ድማ  ብፍላይ፡ ናይ ምሕዋይን ናብ ንቡር ናይ ምምላስን ብግዝያዊ መንግስቲ ትግራይን ኩሎም መሻርኽቲ ኣካላትን ተታሒዙ ዝስረሓሉ ዘሎ ኣብነታዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ድማ ነደንቕ።

                                                           ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና

                                                  ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                                ሓደ መስከረም 2023