Reconstructing State building after post dictatorship Eritrea.

Chauvenism the root cause of internal conflict in Eritrea

Abboy Habtemariam and his politics of liquidation of other nationalities in Eritrea.

The Cushitic Popular Movement in Ethiopia against Amharization and Tigrinatization.

The Agazian- Tigray –Tigrni project in Mekele

ካብ ጽሑፋት ስትራትጅካዊ መጽናዕትታት ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ

ታሪኻዊ ኣቋቁማን መነባብሮን ሕዝብታት ኤርትራ

  1. 1.ቅርጻ መንግስቲ ሃገረ ኤርትራ ከመይ ይኩን
  2. 2.እንታይ ዓይነት ሃገራዊ ቅዋም ኢዩ ንብዙሓዊት ኤርትራ ብሰላም ከናብራ ዝኸእል/ ኣሃዱኣዊ ወይስ ፈደራላዊ- ንመራመር

ብፍስሓ ናይር

                  

እታ ሎሚ ሃገረ ኤርትራ ተባሂላ ትፍለጥ ዝተፈላለዩ ሕዝብታት ብቋንቆምን፣ ባህሎምን፣ብጆግራፍያዊ ኣቀማምጦኦም ዝነብሩላ ሃገር ኢያ፣ እዚ ሕዝብታትዚ ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ዝነብር ካብ ዝተፈላለየ ቦታት ዝመጽኤ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን መበቈልን( ኒላዊ መብቈል ዘለዎም ኩናማን ናራን እቶም ቀዳማት ነበርቲ ኢዮም፣ እቶም ኩሻዊ ሰረት ዘሎም ከኣ፣ ሳሆ ዓፋር፣ ቢለን፣ ሰማዊ ሰረት ዘለዎም ድማ ትግረ ንትግርኛን ኢዮም።

ቅድሚ መግዛእቲ ጣልያን 1890-1941 እዛ ሎሚ ኤርትራ ተባሂላ ትፍለጥ ሃገር ኣብ ስለስተ ዞባታት ተመቂላ ትመሓደር ነበረት፣ እቲ ሎሚ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቀደም ምምሕዳር ዓሰብ መረት ሕዝቢ ዓፋር ዳንካልያ ናቶም ቦታዊ ምምሕዳር ሱልጣናት( Sultanate) ዝበሃሉ መራሕቲ ይመሓደሩ ነበሩ፣ እቲ ከበሳዊ ሕዝቢ ድማ ብሓበሻ ወይ ድማ ራእስታት አክሱም ይመሓደሩ ነበሩ፣ ሕዝቢ መታሕት ድማ ወላ እኳ ናቱ ዘይምኩል ምሕደራ ይንበሮ በቶም ብበግዜኡ ክወሩ ዝመጹ ሓያላን ገዛእቲ ከም ቱርኪ ኦቶማን፣ ግብጽን ኣብዚ ናይ ሎሚ ኤርትራ ብከፊል ነዚ ሕዝቢ ይገዝኡ ከምዝነበሩ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ኣሎ፣ ካብ 1891-1941 ኢጣልያዊ መግዛእቲ ነቲ ኣብዛ ናይ ሎም ኤርትራና ፋሕ ኢሉ ዝነብር ዝነበረ ሕዝቢ ፍልልያቱ ብዘየገድስ ዶባቱ ሓንጺጻ ኤርትራ ዝብል ሰም ሂባ 59 ዓመታት ከምዝገዝኣታ እውን ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ውጺኢት ናይ 59 መግዛእቲ ጥልያን ንኤርትራ ኣህጉራዊ ዶባታን ኣውራጃዊ ዶባታን ሓንጺጹ፣ ቢሮክራስያዊ ምሕደራ ኣተኣታትዩ፣ሕብረ-ቁጠባዊ ሰረት ኣንቢሩ፣ እቲ ብወረርቲ ሰላም ስኢኑ ዝጸንሔ ሕዝቢ ድማ ሰላምን ግዝኣተ ሕግን ኣምጽኣሉ።

ምዕራባዊ መግዛእቲ ምስ ተወድኤ ናይ ኤርትራ ሕዝቢ ርእሰ ውሳነ ወይ ሃገራዊ ርእሰ ውሳነ ብከመይ ተወሰነ፣ ሕዝቢ ኤርትራኸ ዕድል ረኺቡዲ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን፣ እተን ካልኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጥልያን ዝነበራ ከም ሊብያ ሶማልያ ናጽነተን ክወስዳ ዝተወሰነ ኤርትራ ግን ንግዚኡ ኣብ ትሕቲ ሕድሪ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ብወተሃደራዊ ምሕደራ ኢንግሊዝ ንግዜኡ ክትመሓደር ተወሰነ (1942-1952) ኣብዚ ግዚዚ ሕዝቢ ኤርትራ ናይ ትምህርትን ናይ ነጻ ምዝራብን ምጽሓፍን፣ ምወዳብን ዕድላት ሰለዝረኸበ ኣፍልጦኡ ብዛዕባ ሃገራውነትን፣ ዝምድና ሕዝብን መንግስትን ክብ ክብል ጀሚሩ፣ ኣብዚ ግዚዚ ኢዩ ድማ ኤርትራውያን ሃገራዊ ንቅሓት ክቀስሙ ዝጀመሩ፣ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጥልያን ሕዝቢ ኤርትራ ናጽነት ኣይነበሮም ግንከ ሰላምን ድሓን ዝኾነ ቁጠባዊ ኣነባብራን ሰለዝነበሮም፣ ካብ ጥልያን ሓንቲ ትምህርቲ ኣይረኸቡን፣ ከብዶም መሊኦም ሓንጐሎም ግን ጥራሑ ከምዝኸወን ገሩ ኢዩ ገዲፍዎም፣ እታ ሓንቲ ጥልያን ዝሰርሓ ንኤርትራ ሃገራዊ ትሕቲ ቅርጻን፣ ከተማታትን፣ጽርግያታትን ሓኒጹ፣ ከምኡ ድማ ንኤርትራ ኣብ ምምሕዳራት መቂሉ፣ ዶባታ ሓንጺጹ ከምግዝኣቱ በተን ናይ ሽዑ ሃጸያውያን ገዛእቲ ሃገራት ከምትፍለጥ ገበራ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጥልያን እተን ሎሚ ኤርትራ ዘቆማ ዓድታትን ሕዝብን ናይ ውሽጠን ምሕደራ ነሩወን፣ መግዛእቲ ጥልያን ነዚ ናይ ዓድታት ምሕደራ ኣይተንከፎን፣ ኣብዚ ግዚዚ እቶም ኣብ ምዕራባውን ምስራቃውን ቈላ ዝነብሩ ዝነበሩ ህዝብታት ንናቶም ምሕደራ ብዓዲ ደረጃ ነበሮም፣ እዚ ድማ ኣብዚ ግዜዚ ዘይምኩል ምሕደራ ይበሃል። ኣብ ከበሳታት ኤርትራ እውን ብዓድታት ክነሱ ምእኩል ምሕደራ ይኽተሉ ከምዝነበሩ ታሪኽ ይነግረና።

ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ኢንግሊዝ ከመይ ይመሓደር ነበረ፣

ምሕደራ ኢንግሊዝ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ ብደረጃ ዓዲ ዘይኮነስ ብሃገር ደረጃ ከምዝሓስቡ ገበሮም፣ እቲ ሊበራላዊ ምሕደራ ኢንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ፖሊቲካዊ ናጽነትን ውደባን ኣተኣታተወ፣ ኣብዚ ግዚዚ እታ መጀመርያ ሕዝቢ ኤርትራ ዝወደባ ፖሊቲካዊ ሰልፊ ማሕበር ፍቅሪ ሃገር ትበሃል ኢያ ንሳ ድማ ብሰንኪ ናይ ኢትዮጵያ ኢድ ምተትታው ተፈናጪላ ተረፈት፣ድሕሪ ምፍንጫል እዚ ሃገራዊ ምንቅስቃዚ እተን ቀጺለን ዝተመስረታ ሰልፍታት፣ ብዛዕባ መሰል ውሳነ ሃገሮም ክወስኑ ኣብ ናይ ሓባር ተረድኦ ክበጽሑ ኣይከኣሉን፣ እቲ ዝነበረ ፖሊቲካዊ ኣወዳድቦኦም ድማ ኣብ ሃይማኖታውን ቋንቁውን ዝተመርኰስ ብምንባሩ፣ ኣብ መንጎ እተን ኣብቲ ግዜቲ ዝነበራ ሰልፍታት እቲ ቀንዲ መካትዒ ዝነበረ ናይ መንነት ከም ሃይምኖት ቋንቋታት፣ባህልታት ድኣ እምበር ሕዝቢ ኤርትራ ነፍሱ ከመሓድር ብቅዓት ኣለዎዶ የብሉን ዝብል ኣብ ፖሊቲካውን ፣ ቁጠባውን፣ ማሕበራበርዋን ጉዳያት ዝብል ኣይነበረን፣ እዚ ሰለ ዘይነበረ ድማ ኢዩ ጉዳይ ሕዝቢ ኤርትራ ዋና ስኢኑ ወላ ድሕሪ እቲ ምውዳእ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግዝሊዝ እውን እንተኾነ እተን ዝነበራ ሰልፍታት ስለዝተማቀላ መትከል ርእሰ ውሳነ ሃገረ ኤርትራ ተሪፉ ኤርትራ ብፈደርሽን ዝመሰል ውሽጣዊ ምሕደራ ኣብ ትሕቲ ንጉሳዊት ኢትዮጵያ ከትቁረን ዝተገብረ፣እቲ ዝተፈላለየ ሕዝብታት ርእይቶታቱ ከይተሰምዕ በተን ኣብቲ ግዜቲ ዓብላሊ ሰልጣን ዝነበረን ሰልፍታት ማሕበር ኣንድነትን ራቢጣ ኢስላምያን፣ ዝተዀልፈ።

ኣብ ግዜ ፈደረሽን ኤርትራውያን ውላ ነቲ ውሽጣዊ ምሕደራ እውን ብስምምዕ ከካይዱ ሰለዘይከኣሉ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት 1952-1963 ዓመታት ፈደርሽን ፈሪሱ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ መስፍናዊ ሃጸይ ሃይለ ስላሰ ኣተወት፣ ኤርትራ ኣብዚ ግዚዚ ናይ ገዛእ መንግስቲ ኣቊማ፣ ቅዋምን፣ፓርላማን መንግስትን ነበራ፣ ኣብቲ ግዜቲ ኤርትራ ኣብ 8 ኣውራጃታት ተመቂላ ትመሓደር ነበረት፣ (ዓሰብ፣ሓማሰን፣ሰራየ፣ኣከለጉዛይ ሲንሒት በርካ ሰምሃር ሳሕል ጸኒሑ ድማ ኣውራጃ ጋሽ ሰቲት ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ ከም ኣውራጃ ተፍልየ) መንግስቲ ሃይለ ሰላሴ ምሕደራ ፈደረሽን ካብ ቀደሙ ሰለ ዘይደገፎ ንምፍራሱ ጻዕርታት ኣካየደ፣ ነታ ሽዑ ዓብላሊት ሰልፊ ማሕበር ኣንድነት ገሩ ድማ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣፍሪሱ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ሓንቲ ኢትዮጵያ ብምባል ኣብ መስፍናዊ ስርዓቱ ከተታ።

ኣብ ግዜ ምሕደራ ሃጸይ ሃይለ ስላሰ ኩነታት ኤርትራውያን ከመይ ነበረ፣ እቶም ምፍራስ ፈደረሽን ዝተቃወሙ መጀመርያ ተቃውሞኦም ብሰላማዊ መገድታት ኣካዪዶም፣ ከም ንኣብነት ምንቅሳቃስ ተማህሮን ሰራሕተኛታትን ቀጺሎም ድማ ምስጢራዊ ምንቅስቃስ ወይ ማሕበር ሾብዓተ ወይ ሓረካ ብቋንቋ ዓረብ ዝፍለጥ ተኻዪዱ፣እዚ ድማ ነቲ 1961 ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ መበገሲ ኮይንዎ።

ተመክሮ ፖሊቲካውን ብረታውን ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ እንተርኤና እውን እቲ ኣብ ግዜ ምውሳን መሰል ኤርትራ እተን ሰልፍታት ብሰንኪ ናይ ሓበር ተረድኦን ናይ ሓድሕድ ምትእምማንን፣ ኣብ ሃይማኖታውን ወገናውን መንነታት ተፈናጪሎም፣ ዕድል ናጽነት ኤርትራ በዂሩ፣ እቲ ዘይምትምማን ኣብ ብረታዊ ቓልሲ እውን ቀጺሉ፣ እቲ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ በቶም ምስ ኢትዮጵያ መስላትናን ጥቅምናን ክሕሎ ኣይኮነን ኢሎም ዝተቃወሙ ማሕበር ራቢጣ ኢስላምያ ኣስላም ኤርትራውያን በቶም ኣብ ማሕበር አንድነት ዝነበሩ ኤርትራውያን ምትእምማን ስለዘይነበረ ኩሉ ተቃውሞኦም ብዓይኒ ጥርጠራ ይርኤ ነበረ፣ መግዛእቲ ኢትዮጵያ እናመረረ ምስ ከደ እቲ ዝሓስቡዎን ዝደለይዎን ስለዘይኮነ ብብቅሩብ ኣብቲ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተጀመረ ክሳተፉ ጀመሩ፣ እቲ ብግዜ ምውሳን ዕድል ሕዝቢ ኤርትራ ዝተራእየ ቀጺሉ ድማ ኣብ መንጎ ራቢጣ ኢስላምያን ማሕበር ኣንድነትን ድሓር ድማ ብግዜ ፈደረሽን ዝተራእየ ዘይምትእምማን ኣብ ብረታዊ ቃልሲ እውን ቀጺሉ፣ ተመክሮ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዕብለላን ጽቅጥትን ባህልታት ኣጥርዩ መዳ ኤርትራ መን ዓብልለ ብዝብል እት ሓደ ነቲ ሓደ ከጥፍእ ተዓጥቀ ክሳብ ስግር ኤርትራ ምስ ካልኦት ኰንኳ ምጥፋእ ከም ሓላል ተወሲዱ ናይ ኣሽሓት ሃገራውያን ህይወት ዘጥፍኤ ካብ ናይ ጽልእን ፍርሓትን ዝንባለ ዝመጽኤ ጊጉይ ኣፈታትሓ ውሽጣዊ ግርጭት ኢዩ።

ሕዝቢ ኤርትራ ድሕሪ 30 ብረታዊ ቃልሲ ብ 1991 ሃገሩ ናጻ ኣውጺኡ፣ ብ1993 ድማ ብረፈረንዱም ገሩ ናጽነቱ ኣዊጁ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ዓለም ድማ ኮነ፣ እቲ ሜዳ ኤርትራ ብሒቱ ናጽነት ኤርትራ ኣምጺኤ ኢሉ ዝምካሕ ሕዝባዊ ግንባር ጸኒሑ ድማ ሕዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ብዝብል ስም ዝፍለጥ ንኩሎም ካልኦት ውድባት ወጊዱ ስልጣን ንበይኑ ብሒቱ ሓዞ። ንዝኾነ ደላይ ዕርቅን ፍትሕን ድማ ኣስረን ኣጥፌን፣ ኣብ ኤርትራ ድማ ምልካዊ ምሕደራ ጠጠዔ። ፍርሓትን ጽልእን ድማ ሰስነ። ብ1999 እተን ደገ ዝተረፋ ፖሊቲካዊ ውድባት ክስነያ ጀመራ ቀጺለን ድማ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ዝብል ናይ ሓባር ግንባር መስረታ። ሕቶ ሓድነት ኤርትራ ድማ ፍታሕ ከይረኸበ ተረፈ። ተቃወምቲ ፖሊቲካዊ ውድባት ካብ ምሕዝነት ናብ ኪዳን ዝብል ስልታዊ ግዚያዊ ምትሕብባር ተስማሚዔን ክሰርሓ ጀመራ፡ እዚ ክኽወን ከሎ ግን ምሉእ ሓድነት ክፈጥራ ኣይከአላን፣ ምኽንያቱ ድማ ገና ኣብ ናይ ጥርጠራን ዘይምትእምማን ስለዝነብራ ኢዩ።

እዚ ናይ ፍርሓትን ጽልእን ሎሚ እውን ኣብተን ተቃውምቲ ውድባትን ኣብቲ ንኤርትራ ብሓይሊ ጨቊኑ ሒዙ ዘሎ መንግስቲ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስያን ፍትሕን ንርእዮን ንከታተሎን ጉዳይ ኢዩ፣ ፖሊቲካውያን መራሕቲ ኤርትራ ቅርጻ ምሕደራ ኤርትራ ከመይ ይኹን ዝብል ሕቶ እንተቀሪቡዎም ምንም መልሲ ኣይህቡን፣ ፈደራላዊ ምሕደራ ከም ኣሉታውን ኣፈላላይን ስለዝረይዎ፣ንኤርትራ ክጐዛዝይዋ ኢዮም ተጠንቀቁ እናበሉ ንሓቀኛ ትርጉም ፈደራላዊ ኣመሓዳደራ ብጌጋ ይገልጽዎ፣ ሎሚ ካብ 50% ሃገራት ዓለም ብፈደራላዊ ምሕደራ ይመሓደራ ኣለዋ፣ ፈደራልያ ስርዓት ምሕደራ ንሓድነት ሕዝብታት ይደልደል እምበር ኣይፈላልን ኢዩ። እቶም ብጊጋ ዝገልጹ ካብ ፍርሓትን ጥርጠራን ከምኡ ድማ ንክዕብልሉ ክጥዕሞም ነቲ ገርሄኛ ሕዝቦም ኣታሊሎም ንኽገዝኡ ዝጥቀምዎ ኣረጊት ፖሊትካዊ ሽጣራ ኢዩ ወላ ንገሊኦምሲ እታ ፈደራል ትብል ቃል ሕማማ ርእሲ ኢያ ተምጽኣሎም። ፈደራላዊ ደሞክራስያ ንብዝሓውነት ኤርትራ ከመይ ገርካ ብምዕሩይ ኣገባብ ንውሽጣዊ ፍልልያትካ ኣሊኻ ኩላቶም ዜጋታት ኣብ ቦታዊ ጉዳያቶም ባዕሎም ኣብቲ ናይ ሃገር ድማ ብማዕርነት ኣብ ፖሊቲካዊ ውሳነታትን ኣብ ኢኮኖምያውን ማህበራውን ባህላውን ንክሳተፉ ዕድል ዝህብ ደምክራስያዊ ስርዓት ኢዩ።

ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ ንደሞክራስያዊ ብዓይኒ ምርጫታት ምክያድን መሪሕነት ምምራጽን ዘይኮነስ ክንየዉዚ ማለት፣ ኣብ ውሳነታትን ኣብ ሽርክና ሃገራዊ ሃብትን ፖሊቲካዊ ስልጣንን ዝኣመተ ኣምር ኢዩ ንምዕዋት ዝቃለስ ውድብ ኢዩ፣

ድሕሪ ምውዳቅ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ኣቋቁማን ውደባን መንግስቲ ኤርትራ ከመይ ክኸውን ኢዩ ዝብልን፣ እንታይ ዓይነት ሃገራዊ ቅዋም ኢዩ ንሕዝብታት ኤርትራ ብማዕረን ፍትሓውን ከመሓድር ዝኽእል ካብ ብሕጂ ክንመያየጠሉ ዘሎና ዓበይቲ ሕቶታት ኢዩ፣ ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ማዕበል ብሽም መንእስያት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝውንጨፍ ዘሎ ጉዳይ ኤርትራ ምውዳቅ ምልካዊ ስርዓት ጥራሕ ከምዘይኮነን ድሕሪኡ ዝሰዕብ ዓበይቲ ሃገራዊ ሕቶታት ኣሎ ካብ ብሕጂ መጽናዕትን ኣተኣላልያን ዘድልዮም ድማ ኢዮም።

እቶም ሕጂ ዝላዓሉ ዘለዉ ብሽም መንእሰያት ዝንቀሳቀሱ ዘለዉ ኣፍልጦኦም ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣቁቁማ ሕዝብታት ኤርትራ ክፍትሹን ናይ መጻኢት ኤርትራ ውደባ መንግስትን ምሕደራን ከመይ ክመስል ኢዩ እንታት ዓይነት ሃገራዊ ቅዋም ኢዩ ነዞም ሕዝብታት እዚኦም ብሰላም ከናብር ዝኽእል ከመራመሩን ኣለዎም። እንተዘይኮነ በቲ ኣነ ዝከታተሎ ድሕሪ ምውዳቅ ምልክነት ኤርትራ፣ሓዲሽ ስም ዝሕዘ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ዝኸፍኤ ምልክነትን ናይ ሕዝብታት ምጽናትን ከይመጽእ ዝስግእ ኢዩ።

አብ ተመክሮታት ሕዝባዊ ምልዕዓላት ቱኒስያ፣ ምስሪ፣ ሊብያ እቶም ቀንዲ መራሕቲ ከም ኣህመድ ማህር ከምኡ እውን ካልኦት ቅድሚ ሕዝባዊ ምልዕዓላቶም ኣብ ቅድሚ 20 ዓመታት ብውሽጢ ተወዲቦም ኣብ መጽናዕትን ምርምርን ምሕደራ ሕዝቦም ክመራመሩ ጽኒሖም ኢዮም፣ ገለ ካብኣቶም ድማ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ተዋፊሮም ትካላት ደሞክራስያን ኣፈታትሓ ግርጭታት ከጽኑዑ ጸኒሖም ኢዮም፣ መንእስያት ኤርትራ ክንዲ ኣብ ኢንተርነት ዝውዕሉን ዝሓድሩን፣ ብኣካል ተወዲቦም ኣብቲ ዝነብሩ ሃገራት ዝተፈላለያ ትካላት ናይ ደሞክራስያን ሰላም ምሕደራን ክሳተፉን ከመራርመሩን ኣለዎም። ናይ ኤርትራዉያን ደሞክራስያዊ ቃልሲ ምስ ኣህጉራዊ ቃልስታት ክመሓዞ ኣለዎ ምኽንያቱ ወዲ ሰብ ካብ ሓድሕዱ ኢዩ ዝመሃር፣ ንሕና ጥራሕ ኢና ፈላጣት ዕሽነትን ከምዘይትፈልጥን መግለጺ ኢዩ። እቲ ኣብ ኢንተርነት ፓልቶክ ዝዝረብ ኣካደምያዊ ወይ ኣፍልጦ ሕዝቢ ዘዕቢ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ስሚዕታውን ካብ ብስጭት ዝተላዕለ ሰለዝኾነ ንርእይቶ ሕዝቢ ዝመስጥ ኣይኮነን። መንእስይና ብኮርሳትን ሰሚናራትን ኣቢሉ ኣፍልጦኡ ሓፍ ዘብለሉ መገድታት ክምህዝ ኣለዎ ነዚ ድማ ምስተን ዓለምለኻውያን ትካላት ደሞክራስያን ጽቡቅ ምሕደራን ዘጽናዓ ክተሓባበር ኣለዎ። ዝሓለፈ ወርሒ ብኣ ሕዋትና ደቂ ኣፋር ኣብ ካናዳ ዝቅመጡ ንክልተ ናይ ቅዋማዊ ሕግታት ተመራመርቲ ፕሮፈሰራት ኣቶ በረከት ሃብተስላላሰን ዮሴፍ ማግነትን ዓዲሞም ኣብ ኤርትራ እንታይ ዓይነት ቅዋም ኣብ ዝብል ኣዘራርቦም ኢዮም ከምዚ ዓይነት ሰሚናራትን ኮርሳትንን ኤርትራውያን ኣገዳሲ ኢዩ፣ መንእስያትና ኣብ ፓልቶክ ክንዲ ሰሚናራትን ኮርሳትን ከውድቡን ነቶም ክኢላታት ዓለም ኤርትራውያን ዝመበቆሎም ይኹኑ ደቂ ወጻኢ ብምዕዳም ካብኦም ከመሃሩን ተመክሮታት ክለዋውጡን ኣለዎም። ኣብ ወጻኢ ዝቅመጡ መንእስያት ደቂ ዓፋር ዘካይድዎ ዘለዉ ንጥፈታት ዝንኣድ ኢዩ። መንእሰያት ሰመር ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብፓልቶክ ዝካየድ ጠቃሚ ኢዩ ግን እኹል ኣይኮነን፣ ኣብ ዘዘሎኹምዎ ሃገራት ኮንፈረንሳት ሰሚናራት ናይ ምሽት ኮርሳት ክትውድቡ ክትክእሉ ኣሎኩም ምክንያቱ ንሱ ዝያዳ ንብቅዓትኩምን ተመክሮኹምን ከዕብዮ ይኸእል፡፤

መሰጋገሪ ግዜ ካብ ምውዳቅ ምልካዊ ስርዓት ክሳብ ቀዋሚ ቅዋምን ሕዝባዊ ምርጫን ሰለምንታይ የድሊ

  1. እቲ ንነዊሕ ግዜ ከይተፈትሔ ዝጸንሔ ውሽጣዊ ግርጭታት ሓድነት ኣብ ምፍታሕ ዕድል ይህብ
  2. ንሰላምን ጸጥታን ሃገርን ሕዝብን ንምርግጋጽ
  3. ኣብ መስጋገሪ ውዕል ምስምማዕ
  4. መሰጋገሪ መንግስቲ ምቋም

ተራ ቅዋም እንታይ ኢዩ/

  1. ንውሽጣዊ ግርጭታትካ ንምፍታሕ ሓዲሽ ምሕናጽ ቅዋም ኣድላይነት ኣለዎ
  2. ቅዋም ንድልየታትን ክብርታትን ሕዝብታት ኤርትራ ዘንጸባርቅ ክኸውን ኣለዎ
  3. ንኩሉ ዘሳትፍን ኣብታ ሃገር ሰላም ዝስፍንን ንኩሉ ዜጋ ብማ ዕርነት ኣብ ኩሉ መዳያት/ ፖሊቲካዊ ቁጠባዊ ፣ ባህላዊ ኣብ ዝግበር ውሳነታትን ድምጹ ክህብ ኣለዎ።

እቲ ናይ 1952 ይኹን ናይ 1997 ብኩሉ መ ዔቅንታቱ፣ ብመል እኽቱ ይኹን ብትሕዝቶታቱ ንናይ ብዙሓዊት ኤርትራ ሕዝብታት ድልየታትን ጥቅምታትን ዘውሕስ ው ዕላት፣ ስምም ዓት የብሉን።