ንጃንዳ ህግደፍ ክነብሎም ፋሕ‘‘ክንዲ ኣብ ከተማታት ኤርትራ‘‘ዓሪድካ ምጽናሕ‘‘ካብ ነጋሪት ጥፍኣት ምንፋሕ‘‘ ዉሑድ ዋጋ ከፊልና‘‘ንድሕነት ንህዝቢ ንሃገር ንስራሕ። ኤርትራዊያን ናትና ንግበር‘‘መን ረቢሑ‘‘ካብ ውዲት ወያነ ምስ ግንባር።

ሕልና ኣልቦ ኮና ተሪፍና‘‘ካብ ዘረባ ወጺና‘‘ነብስና ወዱብና‘‘ ንህግደፍ ናብ ናይ ታሪኽ ጓሐፍ‘‘ ንጉሐፎ ባዕልና‘‘ ቪቫ ትግራይ‘‘ክንብል መዓስ የምሕረልንና‘‘ኢድ ምትእትታው እንድዩ‘‘ሐይልና በታቲኑ‘‘መፍተት ኢሰያስን ጉጅሉኡን ገሩና‘‘ን29 ዓመት ደም ንነብዕ ዘለና።

ኤርትራ ወላዲት ሾሞንተ,,ብ8 ኮማንዶ ዝድሕን ህዝባ‘‘ ካብ ተጋሩ ክገብሩልና ንጽበ‘‘ተጋሩ ኤርትራዊያን ኣይኮኑን‘‘ ኢትዮጳያዊያን እንበር‘‘በለካ ለኽዓካ ገዲፍና ካብ ድቃስና ንባራበር።

ጅግና ስዉእ ሐምድ እድሪስ ዓዋተ‘‘ብሽም ጀማሪት ሰውራና ቲቪ ኣዳል‘‘ ንህዝብና ልሳኑ ኮይና ክተማቕቕሎ‘‘ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ‘‘ንደሞክራስያዊ ለውጢ‘‘ሐቀኛ ዜና ንምዕዳል‘‘ ሐደ መስከረም ብኣዳል መቓልሕ መሊሳ‘‘ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ‘‘ድምጺ ሐርነት ተኲሳ።

(ኣብዘይ መንጠቢትክን ኣይተእትዋ ኢድክን)ዘይዘራእካዮ መዓስ ትሐፍሶ‘‘ንጅግንነትና ኣይነህስሶ‘‘ንማፍያዊ ጉጅለ ባዕልና ነፍርሶ‘‘ኣይነፍቅድን ዳግማይ ደምና ክፈስስ‘‘ኢድና ንኣክብ‘‘ካብ ጣልቃ ምእቶው ሎምስ‘‘ዓገብ ኣብ ውግእ ሕድ ሕድ ኢድካ ምሕዋስ‘‘ካብ ሑሉፍ ታሪኽ ተማሂርካ ምዕጋስ‘‘ ኣቱም ዕላማኹም ዝረሳዕኩም‘‘እቶም ን3,ኣትማን ትድግፉ‘‘ ካብ ሰለስቲኦም መን ኣሎ ዝሐሊ ንህዝብኹም።

ኤርትራዊያን ንጉዳይና ረሲዕናዮ‘‘እቶም ሐደ ንኢሱ ንኣቢዪ ደገፍና ህብናዮ‘‘ እቶም ሐደ ንደብረጽዮን ደጊፍናዮ‘‘ህዝብና ኣያ ሲኢኑ ይብል እዝግዮ‘ብዘረባ ዶ ንህዝቢ ሐራ ተውጽእ‘‘ ንሕና ንዛረብ ኣባ ብልሐቱ‘‘ይዳሎ ንውግእ‘‘ውዲት ኣሊሙ እስትራተጂ የውጽእ‘‘ንመንእሰያት ኤርትራ ከጥፍእ።

ነዚኦም እዮም ደመኛታት ህዝብና‘‘ኢሰያስን ጉጅሉኡን ምስ ኣለና‘‘ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ክሰፍኖ‘‘እቲ ሐደ ብጥልመት ዝልለ‘‘ን.ተ.ሐ.ኤ ፋሕ ዘበለ‘‘ንጉጅለ ኢሰያስ ምስ ኣገልገለ‘‘ ምኒስተር ዝተቐበለ‘‘ህዝቢ ኤርትራ ረጊሙ ኣብጺሑ‘‘ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ክጽበያ ጸኒሑ‘‘ዝኣጎድዎ ሐዊ‘‘ ጓህሪ ኮይኑ ተወሊዑ‘‘ንውዲተኛታት ውሕጅ መረብ ክወስዶም ዩ ገፊዑ።

ህዝቢ ዓፋር ከይትዝንጋዕ‘‘ኤርትራዊ ወናኒ ዓሰብ ምጽዋዕ‘‘ ብኢሰያስን መሻርኽቱን ክይትግፋዕ‘‘ይበዝሕ ይበዝሕ ጨው ይነዝሕ‘‘ውግእ ንጸረ ዓደቦዩ ዘርብሕ‘‘መቃልሕ ሐርነት ምስ ዝቃላሕ‘‘ደጊም ኣብ ቅድሚ ስራሕ‘‘ኣይተፈለጥኩን ኢልካ ኣይጽናሕ‘‘ብክድዓት ከይትሕተት ጽባሕ።

ንህዝብና ተወሳኺ ሕማም ኣይንኹኖ‘‘ካብ ዳግማይ ወራር ክነድሕኖ‘‘ንጉጅለ ህግደፍ ዓጢቕና‘‘ ባዕልና ንበትኖ‘‘እንበዛ ብደዔ ሕደጉ ኣይበልናንዶ‘‘ንኤርትራና መድሕና 8 ኮማንዶ‘‘

ዶብና ኣበይ ምዃኑ ጠፊኡና ዶ‘‘ዘይናቱ ዝደሊ ክንትርፎ ባዶ‘‘ንጸላእቲ ህዝብና መዓት ክወርዶ።

ሐይልታት ምክልኽል ኤርትራ‘‘ኣይፋል ንውግእ በሎም‘‘ ጃንዳ ህግደፍ እዮም ጸላእትኻ‘‘መድሕን ህዝብኻ ኢኻሞ‘‘ ሻንብቆ ብረትካ‘‘ናብ ኢሰያስን ጀነራላቱን ኣቕንኣዮ‘‘ ሐቀኛ ለውጢ ብኤርትራን‘‘ኣሃዱታ ተቕውሞ ደንበ‘‘ኣብ ጎንኻ ኣሎ‘‘ብኹሊቱ ኣቲና ክንክንብሎ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና,ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ ካብ ሰናስ ግርብትና ዝምነ‘‘ኣባል ተ,ሐ,ኤ,በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን‘‘13 11 2020።