መሪሕነት አብዚ ግዜዚ እቲ አገዳስን አድላይን አብ ኩሉ መዳያት ውዳቤ ናይ ሕይወትና ፣ ናይ ክሉ ሕይወትና ግላዊ ይኹን ማሕበራዊ፣ አብ ቁጠባውን፣ ፖሊቲካውን፣ ማሕበራውን፣ባህላውን ንስራሓትና ንምዕዋት አፍልጦን ትግባረን መሪሕነት አገዳሲ ኢዩ።

አብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ሕዝቢ ብዛዕባ ጽንሰ- ሓሳብ መርሕነት እንታይ ምዃኑን፣ ከመይ ገርካ ድማ ጥዑያት መራሕቲ ትምህዝ፣ከም ውልቀሰብ ድማ ጽፉፋት መራሕቲ ንክኾኑ፣ሓበረታን አፍልጦን ንክረኽቡ ይሓቱን ይጽዕሩን፣ ካብዚ ብምብጋስ ድማ ሎሚ እዚ ኣርአስቲ እዚ ነፍሱ ዝኸኣለ አካደምያዊ ዲሲፕሊን ኮይኑ ብትምህርትን፣ ከምኡ ድማ አብ ኩለን ቤት ንባብ ብዛዕባ ምምራሕን መርሕነትን መሃርን መኻርን መጻሕፍቲ ከተነብብን አፍልጦ ክትቀሰምን ትኽእል።

ብዙሓት ሰባት መሪሕነት ማለት ወልቃውን፣ ማሕበራውን ሙያውን ሒይወትካ ንምምሕያሽ እትወስዶ መንገዲ ኢዩ ኢሎም ይአምኑ። ኩባንያታት ኢንዱስትሪ ወይ ድማ ንግዶም መታን ክዕወት ብቁዓት መራሕቲ ይደልዩ፣ ነዚ ንምዕዋት ድማ ናይ ምምራሕ ስልጠና ንሰራሕተኛታቶም ይህቡ፣ በዚ ምኽንያት ሎሚ መርሕነት ብምሁራት ተመራመርቲ ዓቢይ ቆላሕታ ረኺቡ ብዙሕ መጽናዕትታት ይካየድን ተኻዪዱን አሎ።

ሎሚ አብተን አብ ምስልጣን ዝረከባ ሃገራት አፍሪቃ ብፍላይ አብ ፖሊቲካዊ ሒይወት ስኣን ብቁዓት መርሕነታት ሕዝብታት አፍሪቃ አብ ድኽነትን ድንቁርናን፣ አብ ናይ ሓድሕድ ኩናትን ብርሰትን ይሳቀ አሎ።

አብ ናይ ሎሚ ሓተታይ ብዛዕባ ኣገልጋሊ ኣመራርሓ/ Servant Leadership/ እንታይነቱን ሞደሉን ከመይ ይሰርሕን ክገልጽ ክፍትን ኢየ።

ኣቀዲመ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝፍለጥ አርባዕተ ክፋላት አመራርሓ ክጠቅስ ቀጺለ ድማ አብቲ አገልጋሊ ኣመራርሓ አብ ዝብል ኣርእስቲ ከተኩር ኢየ።

  1. Tranformational Leadership ናይ ለውጢ አመራርሓ
  2. Authentic Leadership           ናይ ትኽክል ኣመራርሓ
  3. Servant Leadership             ኣገልጋሊ ኣመራርሓ
  4. Team Leadership               ናይ ጋንታ ኣመራርሓ

ብዙሓት ተመራመርቲ ዕዉት ኣመራርሓ እንታይ ክኸውንን ከማልእን አለዎ ብዝብል ብዙሕ መጽናዕትታት ኣካዪዶምን የካይዱን አለዉ፣ አገልጋሊ ኣመራርሓ ካብቲ ዝመርሕ ባህርያትን ጠባያትን ዝተመርኰሰ ኢዩ፣ ኣገልገልቲ መራሕቲ ብጉዳያትን ጠለባትን ሰዓብቶም ዝግደሱን ዝሓልዩን ንዕብየቶም ዝግደሱን ምስ ዝኾኑ ኢዮም፣ ኣገልጋሊ መራሒ ስነ-ምግባር/ leadership Ethics/ ዝመልኦ ቀዳምነት ናይቲ ዘገልግሎ ማሕበርን፣ ህዝብን ዝህብ ምስ ዝኸውን ኢዩ ኣገልጋሊ መራሒ ዝበሃል።

ሕመረት ትርጉም ናይ ኣገልጋሊ ኣመራርሓ፣ከምቲ ብዙሓት ተመራመርቲ ዝኣምንዎ፣ካብቲ ናይ ውልቆም ጥቅሚ፣ ጥቅሚ ሰዓብቶምን፣ ምምሕያሾምን ዝግደሱ አብ ዝብል አምር ይምርኰሱ፣ሓያል ሞራላዊ ጠባይ ንሰዓብቶምን፣ ማሕብሮምን፣ተኻፈልቶምን የርእዩ፣አግልጋሊ ኣመራርሓ ብልምምድ ድኣ እምበር ብተውህቦ አይኮነን፣ ከምኡ ድማ ካብቲ ጠባይ ናይ ውልቀሰብ ዝምንጩ ኢዩ።

ታሪኻዊ መሰረታት አገልጋሊ ኣመራርሓ

Robert K.Greenleaf ዝበሃል አብ ጉዕዞ መጽናዕቱ ኢዩ ነዚ ኣገልጋሊ አመራርሓ ነዚ ስም እዚ ዝሃቦ፣አብዚ መጽናዕቲ ዚ ድማ ኢዩ ንክለሳ ሓሳባውን ተግባሩን ከመይ ከምዝኾነ አስፊሑ ይገልጽ። ሮበርት አብ ናይ አመሪካ ተለፎንን ተለግራፍን 40 ዓመት ሰሪሑ ፣ ጥሮታ ምስ ወጽኤ ድማ ናይ ዝተፈላለያ ትካላት ዝያዳ ንጡፋትን አገልገልትን ሕዝበን ክኾና ብከመይ ከመሓዳደራ አለወን ብዝብል፣ ብዛዕባ መዝነትን ሓላፍነትን ሰባት ከመይ ገሮም ክሰርሑን ክተሓባበሩን ይግባእ ብዝብል አምር ኢዩ ዝትንትን፣ ዕላማኡ ድማ ንምልካዊ አመራርሓ ንምውጋድ ኢዩ።

ነዚ ድማ መገሻ ምስራቅ ብዝብል ኣፍአዊ ታሪኽ ገሩ ይገልጾ፣ ሓደ ግዜ ሓንቲ ጋንታ መገሻ ብሓንሳብ ጀሚሮም አብቲ ዝደልይዎ ንክበጽሑ ድማ ሓደ መራሒ መረጹ፣ እዚ መራሒ ዚ ድማ ከም አገልጋሊ መራሒ፣ እቶም ገያሾ ብዘይ እዚ መራሒ አብቲ ክበጽሕዎ ዝደልዩ ቦታ ከበጽሑ አይከ ኣሉን፣ እዚ መራሒ እዚ ካብ ግላዊ ጥቅሙ ጥቅሚ እቶም ገያሾ ሰለዝግደስ ኢዩ ዝያዳ ተኣማንነት ዝረኸበ።

ባህርያት አገልጋሊ መራሒ

  1. 1.Listening Capacity-ናይ ምስማዕ ተኸሎ፣ አገልጋሊ መራሒ ንናይ ሰዓብቱ ርእይቶታትን ፣ሓሳባትን ዝሰምዕን ዝቅበልን ዘኽብርን ክኸውን አለዎ።
  2. 2.Empathy-ናይ ርሕራሄ ሕልና ፣ አገልጋሊ መራሒ ኩሉ ግዜ ናይ ሰዓብቱ አተሓሳስባን ስምዒታቶምን ክርዳእ ይጽዕር ነዚ ድማ ኩሉ ግዜ ብምርድዳእ ይፍጽሞ።
  3. 3.Healing - መሕወይ ተኽእሎ፣ አገልጋሊ መራሒ ብናይ ሰዓብቱ ድህነት ዝግደስን ንጸገማቶም አብ ምፍታሕ ዝጽዕርን ፣ እዚ ድማ እንተድኣ ሰዓብቱ ብኩሉ ኩነታቶም ዕጉባት ኮይኖም እቲ መራሒ እውን ሕጉስ ይኸውን።
  4. 4.Awareness-- ናይ ግንዛቤ ተኽእሎ፣ አገልጋሊ መራሒ ንናይ ሰዓብቱ አካላውን፣ ማሕበራውን፣ ፖሊቲካውን አካባቢኦም ዝግንዘብ፣ እዚ ማለት ነፍሱን፣እቲ ሓደ አብ ካልኦት ተጽዕኖ ከሕድር ከምዝኽእል ክፈልጥ አለዎ። አገልጋሊን መራሒ ነፍሱ አብ ጐድኒ ገዲፏ ነት ኩነታት ብሰዓብቱ አራ ኣእያ ክርእዮ ክኽእል አለዎ ማለት ኢዩ።
  5. 5.Persuasion-- ምዕጋብ፣ አገልጋሊ መራሒ ንጽርን ቀጻልን ምርድዳእ እናገበረ ንካልኦት ሓሳባቶም ንኽልውጡ ዝገበር ተኽእሎ ዘለዎ ኢዩ፣ እዚ ማለት ብዘይ ምግዳድ ብምርድዳእ ጥራሕ ክኸውን አለዎ።
  6. 6.Conceptualization- ጽንሰ-ሓሳባዊነት ማለት አገልጋሊ አመራርሓ በዓል ራእይን፣ ንጹር ዕላማታትን ፣ መአዝናትን ሃልይዎ ክንዲ ጸቢብ ሰእሊ አብቲ ዓቢይ ሰእሊ ህዝብን ሃገርን ዘድህብ ናይ ሕዝቡ ጸገማት አብ ምፍታሕ ዝጽዕር ምዃን ዝገልጽ አተሓሳስባ ኢዩ።
  7. 7.Foresight/ አርሒቁ ዝሓስብ፣ አገልጋሊ አመራርሓ ናይ መጻኢ ከመይ ወይ እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ዓቅሚ አፍልጦኡ ዘጠቃለለ ኢዩ፣ እዚ ማለት አብ ዝሓለፈን ፣አብ ህልዊ ኩነታት ተመርኲሱ ናይ መጻኢ ኩነታት ክትንብህ ይኽእል። ገለ ተመራመርቲ አርሒቅካ ናይ ምሕሳብ ኣኽእሎ ስነ/ምግባራዊ መኣዝን ኢዩ ዘለዎ ይብሉ፣ ማለት መራሕቲ አብ ግዜኦም ብዝተርኽቡ ጉድለታት ተሓተቲ ይኾኑ።
  8. 8.Stewardship/መጋቢ አመራርሓ፣ እዚ ማለት ብሕዝቢ ወይ አባላት ማሕበርካ ዝተዋህበካ እምነት ተቀቢልካ ምምራሕ ማለት ኢዩ፣ አገልጋሊ አመራርሓ በቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ንሕዝባዊ ጉዳያት ብጥንቃቀ የመሓድር፣ብተወሳኺ ድማ ንናይ ሕዝቡ ጥቅምታት ብምቅዳም እምነት ሕዝቡ የህድር።
  9. 9.Commitment to the growth of people/ ንናይ ሕዝቡ ዕብየት ዝነጥፍ፣ አገልጋሊ አመራርሓ ንነፍስወክፍ አባል/ዚጋ በቲ ንሱ ወይ ንሳ ብዝበርከትዎ ዘይኮነስ ከም ውልቀ ተውህቦኦምን ተፈጥሮኦምን ማእከል ገርካ ኩሉ ዕድላት ናይ ናብራኦም ከመሓይሹሉን ከማዕብሉን ምኽፋት ዝ አመተ አፍልጦ ኢዩ.።
  10. 10.Building Community/ አብ ምሕናጽ ማህበረሰብ ዝነጥፍ፣ አገልጋሊ አመራርሓ ድሕነት ዕብየትን ህዝቡ ዝሓሊ፣ ናይ ሕዝቡ ሓባራዊ ጥቅምታትን ድልየታትን ዘማልእ፣ ናይ ምቅርራብን ሓድነትን ዝሕሉ፣ ኮይኑ ንናይ ነፍሰወከፍ መሰል ዝሕሉ ባህርይ ዝውንን ኢዩ።

እዚ ዓሰርተ መግለጽታት ናይ አገልጋሊ አመራርሓ ኮይኑ አብ ቀጻሊ

Tranformational Leadership ናይ ለውጢ አመራርሓ

Authentic Leadership፣ ናይ ትኽክል ኣመራርሓ

Team Leadership ናይ ጋንታ ኣመራርሓ

ከቅርብ ክፍትን ኢየ፣ ምስትውዓል ዝመልኦ ንባብ።