ህዝቢ ኤርትራ ብኣንጻር ዝነበሮ ናይ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ባህግታትን ዝኸፈሎ ኩለ-መዳዊ መስዋእትን’ዩ ኣጓኒፍዎ ዘሎ። ኢደ ወነናዊ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ብመደብ ብዝኽተሎ ዘሎ ኣድኪኻ፡ ኣርዒድካን ከፋፊልካን ግዛእ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ስቓይን መከራን እናተሰጋገረ፣ ብጉልባብ ምዕቃብ ነጻነትን ምውሓስ ልኡላውነትን ብጨካን ፋሽሽታዊ በትሪ ብጭውያን ቅንጸላን ብዙሓት ወገናት እናኸፈለ 32 ዓመት ተጓዒዙን ገና ይቕጽል ኣሎን።

እተን ናይ ነዊሕ ግዜ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ልምዲ ዘለወን ኣንጻር ፍጹም መላኺ ኣገዛዝኣ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተሰለፋ ውድባትን ግንባራትን ድማ፡ ህዝቢ ዝፈልጦ ዝግምግሞን ዝዓስሎን ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፡ ስትራተጂን ስልትን ቀሪጸን፡ ሓሳብ ምስ ተግባር ኣዋሂደን ተሓታትነት ብዘለዎ ኣገባብ ኣብ ምስራሕ ዛጊት ኣይበቕዓን። ውሽጣዊ ፍልልያተን ብደሞክራስያዊ ኣገባብ እናመሓደራ፡ ተናቢበንን ዓቕሚታተን ኣላፊነን ብከም’ቲ ዝድለ ተቓሊሰን ከቃልሳ ኣይከኣላን። ሕድሕደን ብትምክሕትን ጽበትን ድሑር ኣረኣእያታት እናተራጋሓ፡ ብዙሕ ናይ ለውጢ ዕድላት ኣምኪነን፡፡ ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ጸኒሐን ክልተ ስጉሚ ንድሕሪት እናተመልሳ፡ ግን ከኣ ከቢድ ዋጋ እናኸፈላ፡ ተጽዕኖ ናብ ዝፈጥራሉ ፖለቲካዊ ብራኸ ከይደየባ እነሆ 32 ዓመት ተቖጺሩ።

ዝኽፈል ኩሉ ዋጋ ከፊሉ ንባዕዳዊ መግዛእታዊ ሓይሊ፡ ብሓይልን ብሕግን ስዒሩ ልኡላውነት ሃገር ክውን ዝገበረ ህዝቢ፡ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ብዘቤታዊ ጸላኢ ተሓዲጉ፡ ኣብ መንጎ ምህላውን ዘይምህላውን ተቐርቂሩ ይርከብ ኣሎ። ብገለ ካብ ነባራት ኣባላት ውድባት፡ መጀመሪያ ዝሓዝዎ ህዝባዊ ኣጀንዳ ንጎኒ ገዲፎም፡ በቲ ጸላኢ ዝጥቀመሉ ቀሻሺ ፕሮፖጋንዳ ልዕሊ ድሕነትን ክብረትን ወዲ-ሰብን፡ ህዝባዊ ቅዋማዊ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ምርግጋጽን፡ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ምዕቃብ ነጻነትን ምኽባር ልኡላውነት ሃገርን ዝብል ባዶ ጭርሖ ክትሰምዕ የደንጹ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ፡ ብባህሪኡ ከመይ ይግለጽ? ዝኽተሎ ፖሊስን ስትራተጂን ንመን ይጎድእ ንመንከ የርብሕ? ፈታዊ ድዩ ጸላኢ? ብኸመይ ከ ክእለ ኣለዎ? መጻኢ ፖለቲካዊ ኣንፈት እዛ ሃገር ከ እንታይን ከመይን ክመስል ኣለዎ? ኣብ ዝብል፡ ዝተነጸረ ሓባራዊ ፖለቲካዊ ኣንፈት ቀሪጽካን ወኒንካን ኣብ ምቅላስ ርኡይ ዝኾነ ዕንቅፋት ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ቀዳምነት ምውሓስ ልኡላውነት ሃገር ዝብል ካባ ዝገበረ፡ ድሑርን መርተዖ ዘይብሉን ብጽልኢ ዝዓወረን ጭርሖ፡ ብፍላይ ካብ’ቶም ካብ ግዜ ጸረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣትሒዞም ኣብ’ቲ ህዝባዊ ቃልሲ ክዋስኡ ዝጸንሑ ሓርበኛታት ዝሓወሰ ብምዃኑ፡ ንሓቀኛ ባህሪኦም፡ ህዝባዊ ወገናውነቶም፡ ፖለቲካዊ ናይ ምምራሕ ዓቕሞም፡ ጽንዓቶም፡ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ’ዩ።

ብርግጽ ንጹር ህዝባዊ ፖለቲካዊ መስመር ወኒንካ ንመስዋእቲ ድልውነት እናሃለወካ’ውን ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ብዝኾነ ወድዓዊ ተጽዕኖ ካብ ሕቑፊ ህዝብኻ ክትርሕቕ ዕለተ ዓወት ቃልስኻ ድማ ክነውሕ ይኽእል’ዩ። ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ሓይለን ከይወጽኣ ዝገበረ ምኽንያት ግን ብወሳኒ መልክዑ፡ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ወድዓዊ ኩነታት ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዘይተገርሐ ባህርን ዘይንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብን ዝወለዶ ባዕላዊ ፖለቲካዊ ድኽነት’ዩ። ካብ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ገዛኢ ወጻኢ፡ ብጭቡጥ መርተዖ ኣደጊፍካ እከለ ዝተባህለ ግዳማዊ ሓይሊ ሓደጋ’ዩ ኢልካ ከተቕርበሉ ኣብዘይትኽእለሉ፡ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘይኣቱ ብሕጊ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ነጻነትን ኣህጉራዊ ተቐባልነት ዝረኸበ ልኡላዊ ግዝኣትን ምሕላው ቅድሚ ኩሉ ዝብል ቀዳማይ ኣጀንዳኻ ምግባር፡ ብዝነኣሰ መርሆኻ ምጥፋእ፡ ብዝዓበየ ከኣ ብኣካል ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብባህሪ ኣብ ደምበ ጸላኢ ከም ዘለኻ ዘመልክት ሓደገኛ ኣካይዳ’ዩ። ንሃገራዊ ኮነ ውድባዊ ባዕላዊ ጸገምካ ብሰንኪ እከለ እናበልካ ደጋዊ ከተምስሎ ምፍታን ንበዓል ቅኑዕ ዕላማ ፖለቲካዊ ነብሰ ቅትለት’ዩ ዝብል ገምጋም ኣለዎ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ።

ካብ’ቶም ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብገለ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብቐጥታውን ዘይቀጥታውን ዝስምዑ ዘለው፡ መግለጺ መርሆ ኣልቦነት፣ ዘይህዝባውነት፣ ፖለቲካዊ ድኽነት፣ ዝርገተ ኣተሓስስባን ምውልዋልን ንኣብነት፡-

ቀዳማይ፡ ምስቲ ካብ 1998-2000 ብዶብ ተመኽንዩ ብጀማርነት ጉጅለ ኢሳያስ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኣብራሲ ደማዊ ኲናት ምትእስሳር ዘለዎ’ዩ፡፡ ብቕንዕና ካብ ባህሪኡን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ፋሽሽታዊ ተግባራትን ተበጊስካ መን ወረረ መን ተወረረ ምርዳእ’ኳ ዘጸግም እንተዘይኮነ፡ ወራሪ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ ክብል እቲ ብስምምዕ ናይ ክልቲኦም ተኻራኸርቲ ወገናት፡ ብኣፍልጦ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብን ዝተጣየሰ ኮሚሽን ካሕሳ ብሕግን ብወግዕን ኣረጋጊጽዎ’ዩ። ጉጅለ ኢሳያስ’ውን ኣብ እዋኑ ብወግዕን ብጸጋን ተቐቢልዎ’ዩ።

ካልኣይ፡ ኣብ 2018 ኢሳያስ ምስ ኢትዮጵያ ዝገበሮ በይናውን ዘይግሉጽን ስምምዕን ከም ውጽኢቱ ካብ 2020 ጀሚሩ ብግህዶ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጽሞ ዘሎ ምኽንያት ኣልቦ ኢ-ፖለቲካዊ፡ ኢ-ሰብኣውን ኢ-ሞራላውን ዘርኢ ምጽናት፡ ኣብ’ዚ ዝተራእየ ዘስደምም ናይ መርገጽ ምግልባጥ’ዩ።

ሳልሳይ፡ ብመግዛእቲ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ዝተማረረ ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ልዕሊ ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ብዝወስዶ ዘሎ ግብራዊ ስጉምቲ፡ ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ፈጢርዎ ዘሎ ኣወንታዊ ናይ ቃልሲ ኒያት፡ ገለ ካብ’ቶም ብተመክሮኦም ብቕኑዕ ኣገባብ ክመርሑን ክገርሑን ትጽቢት ዝገበረሎም ዝነበረ ነበራት ፖለቲካዊ ውድባትን መራሕትን ዝረአ ዘሎ ዘይሕጉስነት ብባህርን ብመርገጽን ካብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ናብ ደምበ ጸላኢ ዝዘንበለ “ምብላዕ ንብላዑ ዝብኢ ዓድና ይብለዓና” ዝብል ትርጉም ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ ብጉጅለ ኢሳያስ እንተጸነተ ኣየቐንዝኹም ዝብል ዘሕፍር ፖለቲካዊ ጣሕመሽመሽ ንምጥቃስ ይከኣል።

ብእምነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ዓለማዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ብመንጽር እቲ ዝሓለፍናዮ ዓመታት ክምዘን እንከሎ፡ ብዝተጸንዐ፡ ብዝተወደበን ዝተናበበን ኣገባብ ክንምዝምዞን ክጥቀመሉ እንተደኣ ክኢልና ነካይዶ ንዘለና ህዝባዊ ናይ ህልውና ቃልሲ ዘተባብዕ’ዩ። ናብ መድረኽ ዝሑል ኲናት ዝምለስ ዘሎ ዝመስል ኣብ መንጎ ዓለማዊ ተጽዕኖ ፈጠርቲ ሓይልታት መን ላዕለዋይ ኢድ ሓዘ ዝረአ ውድድር፡ ገንዘባዊ ዓለማዊ ሚዛን ምሕላው ብዝብል ዝተጣየሰ ብሪክስ፡ ባህርን ተግባርን ኣብኡ ክሕቆፉ ምልክታት ዘርእዩ ዘለው መንግስታት፣ ኣብ መንጎ ተለኣኣኺ ኢሳያስን ለኣኽቲ መንግስታት ቻይናን ራሻን ዝግበር ዘሎ ዝምድና ብርግጽ ንቃልስና ሓጋዚ ኣንፈት ኣለዎ።

ፖለቲካዊ ምንዝርና ኢሳያስ ብመርገጽ ደረጃ ከምዝ’ዩ ንምባል’ኳ ኣጸጋሚ እንተኾነ፡ ብምኽንያት ኲናት ራሻን ዩኩሬንን ጸግዒ ራሻ ሒዙ፡ ጸረ-ምዕራባውያን ብሓፈሻ፡ ጸረ-ኣመሪካ ድማ ብፍላይ ዘስመዖ ዘሎ ብሱል ፖለቲከኛን ደፋርን ንምምሳል ዝፍትን ክሳብ ብመሪሕነት ብላድሜርፑቲን ሳልሳይ ውግእ ዓለም ክውላዕ ዝጽውዕ ውዱቕ መደረ፡ ደምበ ፍትሒ ፈተውቲ ክረብን ከብዝሕን ንሱ ድማ ካብ’ቲ ዘለዎ ተነጽሎ ንላዕሊ ተነጺሉ ክህረም ዝድርኽ ኩነታት’ዩ። ንርከበሉ ዞባዊ ኩነታት’ውን መብዛሕቲኡ ርእሱ ክኢሉ ደው ዘይብል፡ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን በቶም ዓለማዊ ጽልዋ ዘለዎም ሓያላን ተወዳደርቲ መንግስታት ዝዝወር ብምዃኑ፡ ብርጌድ ንሓመዱ ዘካየዶ ዘሎ ምዑት ቃልሲ ብምትብባዕ ሓቢርናን ጸኒዕና እንተተቓሊስና ዓወትና ኣብ ቀረባ ርሕቀት’ዩ።

ሎሚ ኣብ ህዝብና ዘንጸላሉ ዘሎ ናይ ብርሰት ሓደጋ፡ ብዘቤታዊ ጸላኢ ዝፍጸም ዘሎ ፋሽሽታዊ ተግባራት ጥራሕ ኣይኮነን። ዝሓለፈ ክራማት 2023 ዝናብ ኣይነበረን። ሓረስታይ ሃገርና ደበና እናረኣያ ብተስፋ ክልተ ሰለስተ ግዜ ዘሪኡ ቆጽሊ ዘይረኣየሉ፡ ዝሰተ ማይ’ውን ሽግር ኣብ ዝኾነሉ ከቢድ ባህሪያዊ ደርቂ ዝተሓወሶ ሓደጋ ምህላው ተረዲእና ንእንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ብሕቡር ቅልጽምና፡ ባህሪያዊ ደርቂ ንዘምጸኦ ዓጸቦ ድማ ብዝተወደበ ኣገባብ ንደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብምሕባር፡ ህይወት ዜጋታትና ኣብ ምድሓን ሰብኣውን ሞራልውን ሓላፍነቱ ክገብር ክንረባረብ ከም ዘለና ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ይጽውዕ።

ካብ’ቲ ካልእ ብዝያዳ ሓላፍነት ክወስዱ ዘለዎም ነባራት ፖለቲካዊ ውድባት፡ ብሰንኪ እከለ እናበለካ ውሽጣዊ ድኽመትካ ካብ ምሕባእ፡ ንህዝቢ ካብ ዝኣተናዮ መብጸዓ እንታይ መሊስና ኣዐዊትና ገዛእ ርእስና ምፍታሽ። ሓቀኛ ትርጉም ናይ ነባር ፖለቲካዊ ውድብን ተጋዳላይን፡ ናይ ፍትሓውነት፣ ግልጽነት፣ ተወፋይነት፣ እምነትን ጽንዓትን ኣብ መትከል ኣብነት ምዃኑ’ዩ። ብዙሕ ውረድ ደይብ ዝሓለፈ ናይ ህይወት ተመክሮ ርእሱ ዝኸኣለ ቤት ትምህርቲ’ዩ። ብመን ብዘየገድስ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ፡ ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኮይኖም፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ጽልኢ ንምፍጣር ዕላማ ዝገበረ፡ ንጸላኢ ድማ ዘገልግል ናይ ኣረኣእያ ለውጥን ስብከትን ኣብ ዝኽሰተሉ ኣጋጣሚ፡ ንኣብነት ንሕና ምስ ሰራዊትና፣ ንተግባራት መንግስቲ ኤርትራ ንድግፍ፣ ብርጌድ ንሓመዱ ኣሸባሪ’ዩ፣ ኤርትራውያን ኣይኮኑን ተጋሩ’ዮም ...ወዘተ ብዘይ ዝኾነ ነሓፍነት ብስለምንታይ ሕቶ ጀሚሩ ብግልጺ ክግምገም ምግባር። ብጌጋ እንተደኣ ኮይኑ ብናይ ውድብ ወይ ግንባር ኣሰራርሓ ክእረም። ብፍላጥን ደምበ ብምቕያርን ዝተባህለ እንተደኣ ኮይኑ ድማ ኩሉ ተቓላሳይን ህዝብን ትምህርቲ ብዝረኽበሉ ስልጡን ኣገባብ መንገዱ ክሕዝ ክግበር ይግባእን። ብርጌድ ንሓመዱ ህዝቡ ካብ መንጋጋ ዘቤታዊ ጸላኢ ንምውጻእ ንዝኸፍሎ ዘሎ ክቡር ዋጋ ኣፍልጦ ምሃብን ዓቕሚ ዝፍቕዶ ኩሉ ሸነኻዊ ደገፍ ምግባርን ሓላፍነት ነባራት ፖለቲካዊ ውድባት ምዃኑ ኣሚና ክንዋሳእ ደግሓኤ የዘኻኽር።

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ብርጌድ ንሓመዱ ንዘካየዶ ዘሎ ተባዕን ውጽኢታዊ ቃልስን ዘለዎ ናእዳ እናገለጸ፡ ክሳብ ሕጂ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ዓወት ዓቒቡ፡ ሕድሕድ ሓልዮት፡ ጽንዓት፡ ምድምማጽ መለለይኡ ብምግባር፡ ዕለታዊ ንጥፈታቱ፡ ከከም ኩነታቱ ብጽሑፍ፣ ብምስልን ብድምጽን እናሰነደ፣ ካብ ህውኽ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስምዒት ብዝደሓነ፡ ንጸላኢ በቲ ዝርደኦ ስነ-መጎት ሓይሊ ጥራሕ ዘይኮነ፡ በቲ ዘይርደኦ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ’ውን ክትስዕሮ መርተዖ ሒዝካ ብብስለትን ብዘይ ምሕላልን ምቅላስን ከምዘድሊ ይመክር።

ህዝቢ ኤርትራ ከም’ዚ ኮይንዎ ዘሎ ክኸውን ዝገበረ ምኽንያት ፖለቲካዊ’ዩ። ክፍታሕ ዝድለ ዘሎ ድማ ፖለቲካዊ’ዩ። ምኽንያት ናይ’ቲ ዝኽፈል ዘሎ መስዋእቲ’ውን ብጭቡጥ ፖለቲካ እናሃለወ ግን፡ ብገለ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ፡ ንሕና ፖለቲከኛታት ኣይኮናን። ንፖለቲካ ድማ ንሰርሕ የለናን። ፖለቲካ ንፖለቲከኛታት። ናትና ዕላማ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓይሊ ንዝገዝእ ዘሎ ጸላኢ ምውጋድ’ዩ ኢሎም ክገልጹ ይስምዑ’ዮም። ብእምነት ደግሓኤ እዚ ተረድኦ’ዚ መሰረታዊ ጌጋ’ዩ። ምስ’ቲ ብርጌድ ንሓመዱ ዝኸፍሎ ዘሎ መስዋእቲ ድማ ዝጋጮ’ዩ። ስለዚ ከኣ ሰንሰለቱ ሓልዩ ቀልጢፉ ክእረም ይላቦ። ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ’ዚ ቀረባ ንዘተኣታትዎ ዘሎ ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ብዝተማእከለ ኣገባብ መግለጺ ምሃብ፡ ናብ’ቲ ጎዲሉ ዘሎ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ምስግጋር ጽቡቕ ጅማሮ ብምዃኑ የተባብዕ። ብርጌድ ንሓመዱ ሓቚፍዎ ዘሎ ሓይሊ መንእሰይ ብዘይጥርጥር ሃገራዊ ሓላፍነት ዝስከም ንሱ’ዩ። ስለዚ ከኣ ብሕጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ሕጋዊ ፖለቲካዊ መሪሕነት፡ ንጹር ግን ከኣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፕሮግራም ወኒኑን ብሕገ-ህንጻ ተቐይዱን ዝሰርሓሉ ኣገባብ ንምፍጣር ግቡእ ኣቓልቦ ክወሃቦ ይግባእ ንብል። ብርጌድ ንሓመዱ ብኹሉ ሸነኽ ካብ ስሉኳታት ጸላእን ተጻባእትን ኣዐሪዩ ክጥቀቕ ኣለዎ። ጸላኢ ብዝተፈላለዩ ሜላታት ጥምረት ብርጌድ ንሓመዱ ንምፍልላይ ከም ዝጽዕር ፍሉይ መርተዖ ዘድልዮ ኣይኮነን። ንኣብነት መሓውር ጸላኢ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ኣብ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ “ዳውንዳውን ብርጌድ ንሓመዱ” ምባሎም ብዓይኒ ፕሮፖጋንዳ ስዕረቶምን መርሆ ምስኣኖምን’ኳ ዘመልክት እንተኾነ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኢሎም ዝብል ግን ትኹረት ክወሃቦን ክጽናዕን ኣለዎ። ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ መድረኽ’ቲ ዋላ ፍልልያት ይሃሉ፡ ንሕና ኣሕዋት ኢና ክንበኣስ የብልናን ፍልልይና ብሰላማዊ መንገዲ ክንፈትሖ ኣለና ዝብል’ውን ሰሚዕና። እቲ ዘረባ ጥዑም’ዩ። ምስ ፖለቲካዊ ማዕበያኦም ስለዘይሰማማዕ ግን፡ በዚ ዝደናገር ዝዛነ ኣባል ብርጌድ ንሓመዱ ክህሉ የብሉን። ምኽንያቱ እዚ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ጉጅለ ኢሳያስ ዝጥቀመሉ ፖለቲካዊ ቁማር’ዩ። ጉልበት እንክረክብ ብዘይንሕስያ ክጭፍጭፍ ኣብ ድኹም ጎኒ ኣብ ዝወደቐሉ ከኣ ቋንቋ ሕውነትን ሰላማዊ ዘተ ተኾልኲሉ ክመጽእ በፍጹም እዝኒ ክወሃቦ የብሉን። ጉጀለ ኢሳያስ ጸላኢ’ዩ። ምስ ኩሉ ትካላዊ መሓውሩ ድማ’ዩ ክውገድ ዘለዎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምሉእ ፖለቲካዊ ስዕረቱ’ምበር ኣብ ህላወኡ ሩፍታ ኣይረክብን። እቶም ኣሕዋትና ኢና ክንተሃራረም የብልናን ዝብሉ ዘለው ካብ’ቶም ተበዲሎም ኣብ እግሪ በዳሊ ወዲቖም ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊኦም ብባርነት ከገልግሉ ዝተመልሱ ስሉባት ሕልና’ዮም። ምስ ፖለቲካዊ ምንዝርና ዝተለማመደ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣብ እተው ዝበሎም ዝኣትው ገዛእ ነብሶም ዘይውንኑ ሰባት ‘ዮም። እዚ ናይ ተጠንቀቑ ንጠንቀቕ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ዘገልግል ውድባዊ ምኽሪ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ’ዩ።

ዝተደናገርኩም ግሩሃት ኣመለኽቲ ኢሳያስ፡ ሃገርና ንፈቱ ኢና ምባልኩም ጽቡቕ’ዩ። ሃገር ማለት ሰብ ምዃኑ ምዝንጋዕ፡ ብኽብሪ ወዲ-ሰብ ዘይምግዳስን ግን ንሰብን ሃገርን ዘስእን መሰረታዊ ጌጋ ምዃኑ ክትርድኡ ይግባእ። ኣብ ሰብኣዊ ክብሪ ምጭካን ብድሕነት ዜጋታት ዘይምግዳስ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ ተቐቢልካ፡ ሃገራዊ ስምዒት ኣለኒ ማለት በፍጹም ናይ ጥዑይ ኣእምሮ ምልክት ኣይኮነን’ሞ ምስ ነብስኹም ተላዘቡ።

ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ሃልዩዋ ብመሰረት ቅዋማ ዘፍቅዶ ህዝባዊ ምርጫ ተኻየዱ ህዝባዊ ቅቡልነት ረኺቡ ብዝተመርጸ ውድብ (ሰልፊ) ዘቖሞ መንግስቲ ዝኽተሎ ግሉጽ ፖሊሲ ስትራተጂን ስልትን መሰረት ብምግባር’ያ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ትዋሳእን ምስ መንግስታትን ህዝብታትን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ምክብባርን ዝተመሰረተ ዝምድና ትገብርን። ኤርትራ ግን ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም የብላን። ህዝባዊ ምርጫ ኣካይዳ ኣይትፈልጥን። ወከልቲ ህዝቢ (ሃገራዊ ባይቶ) የብላን። ፈራዲ ኣካል የብላን። ስለዚ ከኣ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መራሒ የብላን። ስለዚ ብምንታይ መዕቀኒታት መንግስትና መራሒና ኢልኩም ትድግፉ ከም ዘለኹም ርግእ ኢልኩም ክትሓስቡ፡ ሕድሕድኩም ክትላዘቡን ካብ ንፋስ ባርነት ናብ ንፋስ ሓርነትን ሰብኣዊ ክብረትን ንምውጻእ ፍኒሕኒሕ ክትብሉን ይግባእ።

እቲ ትኣምንዎ መንግስትን መራሕን ኣብ ዝሓለፈ 32 ዓመታት ምስ ካልኦት መንግስታትን ሃገራትን ገይረዮ ዝብሎ ርክባት ኣብ ኤርትራ እንታይ ዘምጸኦ ነገራዊ ረብሓኮነ፡ ኣብ ምትእምማን ዝተመሰረተ ዝምድና ኣሎ? ኢልኩም ነብስኹም ሕተቱ። ገዛኢ ጉጅለ ይጥቀመልኩም ደኣምበር ትጥቀሙ ከም ዘየለኹም ተረድኡ። ካብ ጽልኢ ምስ ጎረቤት፡ ህዝቢ ኤርትራ ይጉዳእ ‘ምበር ኣይጥቀምን ንሳትኩም’ውን ኣይትጥቀሙን። ዶብና መሬትና ብሓይሊ ኣምሊስና ብዝብል ተራ ፕሮፖጋንዳ ጉጅለ ኢሳያስ ካብ ምድንጋር ንምድሓን ጸዓሩ። ናይ መሬት ይግበኣኒ ሕቶ ብሕጋዊ ውሳኔ ደኣምበር ብሓይሊ ከምዘይድቅስ ተመሃሩ። እቲ ዘከራኽር መሬት ኣብ ካርታ ተሰኢሉ ደኣምበር ኣብ መሬት ኣይተጠረረን። በቲ ዝወሰነ ኣካል ኣብ መሬት ሽኻል እንተዘይተገይርሉ ከኣ ገና ሕጋዊ መስርሑ ኣይወደአን ማለት’ዩ። እቲ ክርክር ድማ ምስ ህዝብን መንግስት ትግራይ ዘይኮነ፡ ምስ ፈደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ተገንዘቡ። ከም ሰባት ሕሰቡ። ከም ዜጋታት ንመሰልኩም ኣንጻር’ቲ ናትኩም’የ ዝብለኩም ገዛኢ ጉጅለ ተቓለሱ።

ኣብ መወዳእታ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ በቲ ናብ 26 መስከረም 2023 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣድብዮም ብዝጸንሑ ንግዜኡ መንነቶም ብልክዕ ዘየተፈልጡ ሰባት ኣካሉ ብካራ ብኣሰቃቒ ኩነታት ህይወቱ ዝሕለፈ ደላዪ ፍትሒ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ይገልጽ። ንናይ ቀረባ ብጾቱ ብርጌድ ንሓመዱ ብሓፈሻ ንስድራ ቤቱ ከኣ ብፍላይ ጽንዓት ይሃብኩም ይብል። እዚ ምውት ኣይኮነን ንህዝባዊ ፍትሓዊ ሕቶ ክብል ኣብ ኢድ ጸላኢ ዝወደቐ ስውእ ’ዩ። ስለዚ ፈጸምቲ ገበን ኣብ ቀይዲ ንምእታው ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ኣብ ምዕዋት ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ብዘይ ዝኾነ ተጎላባነት ብዝተወደበን ዝተወሃሃደን ኣገባብ ክዋሳእ ድማ ይጽውዕ።

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

29 መስከረም 2023