ንዝኽሪ ስነ-ስርዓት ህላወን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ኣንጻር ኩናት ብርሰት ህዝቢ ትግራይ ክቡር ህይወቶም ዝኸፈሉ ጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጊዜ ጽንኩር ኩነታት ኩናትን ወረ ኩናትን ኩሉ ዓቕምታቱ ጸንቂቑ ብጅግንነት ተዋዲቑ ህላወኡን መንነቱን ዘውሓሰን፣ ንስለ ሰላም ክብል ከኣ ዝኣክል መስዋእቲ ቀያሕትን ጸለምትን ጀጋኑ ደቁ ከፊሉ ሰላም ዘውሓሰን ደላይ ሰላም ምዃኑ ብንጹር ኣብ ባይታ ንህዝቢ ዓለም ዘርኣየን ዘመስከረን ኢዩ አንዳበልና ኣብዚ ጽንኩር ናይ መርድእን ሓዘንን አዋን ንመላአ ህዝቢ ተግራይ ጽንዓት ይሃብካ ንብል፡ ንኹሎም ጀጋኑ ሰማአታት ትግራይ ከኣ ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንምነ።

በዚ ኣጋጣሚ ከኣ፡ ዋላ’ዃ ክሳብ ሕጂ ብዕላዊ መንገዲ ዝተሓበረ እንተዘይኮነ ነቶም ብሰንኪ ጻሕታሪ ኩነት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት ኢትዮ/ትግራይ ተጠቢሶም ዝሃለቑ መንእሰያት ኤርትራ መንግስተማይ የዋርሶም፣ ንወላድ መኻን ዝኾና ኣዴታት ኤርትራ ከኣ ጽንዓት ይሃበን ንብል።

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ጥቅምቲ 15/2023።