ወርሒ መጋቢት 64 ቶጎሩባ ሐበን

ንጅግንነትኩም ኣይንርስዖን ኣበደን

ንቃለስ ኣለና ታሪኾም ከይድፈን‘‘

ንዝኽሪ ቶጎሩባ 56 ዓመት

ንጅግንነት ሰራዊት ሐርነት

ረሲዕናዮ ማለት ዘበትዩ ዘበት

ቃልስና ህግደፍ ክባታተት‘‘

ቶጎሩባ ትብል ኣላ ደጊም ያኣክል

ትጽውዕ ኣላ ከም ትማሊና ክነትክል

ኣይናትናን ዩ ንታሪኽና ዝብክል‘‘

ክንዲ መን ወኪሉካ ውርድ

መንእሰይ ዶ ካብ ዓዱ ይስደድ

ብድርሰት ህግደፍ ኣወል ስዒድ

ገይም ኦቨር እንዳ በለ ይህድድ‘‘

ታሪኽና ብደም ጀጋኑ ተነዲቑ

ብእኽብካብ ጭፍራ ተሰሪቁ

ን29 ዓመት ንውቀ ሰብ ዝምርቑ‘‘

(ኣይረሳዕናዮን ታሪኽ ቶጎሩባ)

ኣብ ታሪኽ ጀጋኑ ተኸዊልካ ጉራ

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጭፍራ

ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ

ፋሕ ፋሕ ኢልና ከም ደቂ ዛግራ‘‘

ንህዝቢ ኤርትራ ብኣፉ ዓቢሱ

ኢሰያስ ንኣቢዪ ወኪሉ መሊሱ

ደምና ኣብ ሕድ ሕድ ፈሲሱ

ጉዳይና ናብ ሐምሳት ተመሊሱ‘‘

መዓስ ኢና ብቛንቋ ህግደፍ ንዛረብ

ማዓስ ኢና ኣብ ባይቶ ንተኣኻኸብ

ንድሕነት ህዝቢ ክንብል ዘብዘብ‘‘

(ኣይረሳዕናዮን ታሪኽ ቶጎሩባ)

ትኽስ ድሙስ መዘንግዒ ኣናጹ

ብዋጋ ኤርትራዊያን ክማራረጹ

ህግደፍ ውዲት እንዳ ሐንጸጹ

ሕጂስ ያኣክል ክንዲ ዘድምጽ

ብፍርሒ ተዓምጺጾም ይድቅሱ‘‘

(ኣይረሳዕናዮን ታሪኽ ቶጎሩባ)

ህዝቢ ኤርትራ ዝነብዖ ያኣኽሎ

ኤርትራዊ መንእሰይ ሕጂ ተዳሎ

ካብ ጉሒላ ንነጻነትካ ክትምንጥሎ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።