ወሰን ወሰን ገዲፍና ንሳነ

ኣይዕወትን እዩ ዘይወሰነ‘‘

ዘተ ግሉጽነት ዝጎደሎ

ዘተ ተንኮል ዝዓብለሎ

ንግብሪ ኣልቦ ዶ ዘተ ትብሎ‘‘

ጽገናዊያን ኣይኮናን ንሕና

ብሐንሳብ ንስራሕ ኣይትበሉና

ንዓመታት ዕንቅፋት ኮንኩሙና

መፍታት ህግደፍ ኮና ተሪፍና‘‘

ኣብ ታሪኽና ጸላም ግዜን ዕለትን

ብ66 ኢሰያስ ሜዳ ዝረገጸላ መዓልቲን

ጮው እግሩ ነስመራ ዝኣተወላ 20 ሰነን

ናይ ህዝቢ ኤርትራ መባልዕቱ ኣይኮናን‘‘

ካብ ኣቃላልሳና ተበጊሰ

29 ዓመት ኣብ ዘተ

ምስ መን ክንዛተ

ምስ ካድራት ገበተ‘‘

ብተልእኾ ብ1966ን

ናብ ቃልሲ ምስ ተሐወሰ

ኣብ ሞንጎና እንዳ ደቀሰ

ሕድ ሕድና እንዳ ኣባኣሰ

ክብርና መሰልና እንዳ ገሃሰ

ዘተ ዘተ ህዝቢ እንዳ በረሰ‘‘

መድሕን ህዝቡ

ሐደ ጅግና ተሰኢኑ

ሕድ ሕድና ኣጣፊኡ

ምስ ጉጅሉኡ ኮይኑ

ን56 ዓመት ገዚኡ‘‘

ብዘይ ሉጓም በቕሊ

ክንዲ ንህግደፍ ንኣሊ

ኩሉ ኣነ ይፈልጥ በሃሊ‘‘

ክንዛረብ ጥራይ ዲና ክንነበር

ዓዲ ምስ ኣተዉ ህዝባዊ ግንባር

ህዝብስ ፈቲኑ ኣግዲዕናዮ እንበር

ካድራትና በዲሎም እንታይ ይገበረ

ክንዲ ዝውስኑ እንዳ ኣብዝሑ ኣበር‘‘

ንተጋዳላይ መን ዕድል ሂብዎ

ብሐለዋ ሰውራ ኣደንዚዝዎ

ንዝሐተተ በብሐደ ይቕንጽልዎ

ዝተረፈ ናብ ሐዊ ይጥብስዎ‘‘

ጋኔን ብድሕረይ ሰዕሪ ኣይትብቆላ

ሃገር ምስ ህዝባ እንዳ ጸነተት ከላ

እንታይ ንጽበ ከበሳ ምስ ቆላ‘‘

ዝሃንጽ ኣይረኤናን ብጀካ ዘፍርስ

ተዛሪብና ክንዲ ንውስን ንድቅስ

ብኸምዚ ዶ ጉጅለ ህግደፍ ዝፈርስ‘‘

ብ75 ብካህን ኣባ ኣጎስቲኖ ምስ ጋኔን ዘተ

ተ.ሐ.ኤ ምስ ሐይላ ከላ እኳ ዘይተዓወተ

ያኣክል ምስ ሰብ ሕቡእ ኣጀንዳ ዘተ

ኣብ ባይታ ወሪድና ንደመኛና ክንምክተ‘‘

ኣታ ህዝቢ ያኣኽለካ ተዓዛቢ ምዃን

ቁማል ከየጥፋእካ ኣይጠፍእን እዩ ቱዃን

ወሰን ወሰን ገዲፍካ ሕጂ የድልሎ ምውሳን‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።