- ደድሕሪ ህዝቢ ዝኸይድ ውድብ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን
- Democratic Federalism its advantages and disadvantages
- ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።
- ዕላምኡ ብምንጻር ዘይተወደበ ሓይሊ ተቓሊሱ ክዕወት ኣይክእልን እዩ፤
- ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ህዝብን ሃገርን የዕኑን ይብትንን‘ምበር ኣየድሕንን፡
- Arrangement of transitional government after the removal of dictatorship in Eritrea
- ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትና ዝግህስ ዘሎ፡ ዘቤታዊ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ እዩ
- ድፍረትን ዓቐናዊ ለውጥን ጽቡቕ ይምዕብል ኣሎ፡ ፖለቲካዊ ብስለትን ዓይነታዊ ለውጥን ግን ኣይግድን።
- ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ፡-
- نص كلمة رئيس المكتب التنفيذي للمجلس الوطني الإرتري في حفل افتتاح المؤتمر السابع لحزب الوطن الديمقراطي الإرتري
- ተላፊንካ ንምስራሕ ክቐርብ ዘለዎ መዐቀኒ ኣብ ሃገራዊ ልኡላውነት ዝኣምን ዘይኮነ፡ ኣብ ህዝባዊ ልኡላውነት ዝኣምን ክኸውን ይግባእ።
- ደረጃ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ዘማላኽቱ ሰለስተ እዋናዊ ኣሉታዊ ተርእዮታት፡
- The difference between federation and confederation
- ብሽፋን ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ ንክልተ ደምበ ከተገልግል ምፍታን ብህዝቢ ምልጋጽ’ዩ።
- ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፎርቶ ሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ክለዓል ንጽውዕ !!
- State and Constitution building in Eritrea Minority Rights in state building
- ኣብ ህላወ ኢሳያስ ዝህሉ ምስ ምውጋድ ኢሳያስ ዝቕህም ኣምልኾ
- ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024 ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ
- ንዘይ ሕጋዊ ስርዓት ዝተሰከመ፡ ዘይሕጋዊ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ይቃላዕ፡ ይቋረጽ!
- ኤርትራ መሬታ፡ ባሕራን ሰማያን ልኡላውነት ናይ ህዝብታት ኤርትራ’ምበር፡ ናይ በሓቲ መንግስቲ ህግደፍ ኣይኮነን፤
- Details
- Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
- Hits: 1143
ሰብን መሬትን ብትምህርቲ፣ ምርምር፣ ህርኩትነትን፣ ሓርበኝነት፣ ወዲ-ሰብ ዝተማህዙ ኣይኮኑን። ሰብ ገዛእ ርእሱ ኣይፈጠረን። ናይ ተፈጥሮ ሰብ’ዩ። መሬት’ውን ናይ ተፈጥሮ ህያብ’ያ። መሬት ብዘይ ሰብ ክነብር ዝኽእል ግኡዝ ነገር’ዩ። ናይ ተፈጥሮ ሰብ ግን ብዘይ መሬት ክነብር ኣይክእልን።
Read more: ሰብን መሬትን ከይተራኸቡ ርብሑ ምህርቲ ቀዳማይን ካልኣይ ወለዶ ከይተላዘቡ ፖለቲካዊ ዓወት ኣይርከብን።
- Details
- Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
- Hits: 1063
ህዝባዊ ባህሪ ዘይብሎምን ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዘይኽተሉን ፖለቲከኛታት፡ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ መንግስታት ርእሰ ምትእምማን ከም ዝጎድሎም ርዱእ ነገር’ዩ። ውሽጣዊ ሞራል ኮነ ፖለቲካዊ ስንቂ ስለ ዘይብሎም ከኣ ብትሕዝቶ ዘይኮነ ብምስሉነት’ዮም ዝነብሩ። ብውሽጦም ብባዶነት መንፈስ እናተሳቐዩ ግዳማዊ ምስሎም ብሓሶት፡ ጭካኔ፡ ምጉብዕባዕ፡ ከመላኽዑ ይፍትኑ።
- Details
- Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
- Hits: 1137
ሰብ ኮይንካ ዘረባ ሰብ ክትሰምዕ ፍቐደኛ ዘይምዃን፡ ብኣጉል ትዕቢት ተነፊሕካ፡ ኩሉ ነገር ትፈልጥን ትፈትሕን ብዘምስል ነጻጊ ኣካላዊ ምልክት እናሓበርካ በበይንኻ ጉያ፡ ናይ ድሕረትን ውድቀትን መንጸብረቕታ ‘ምበር፡ ናይ ጥዑይ ብሱል መንፈስ መግለጺ ኣይኮነን። ሰብ ኮይንካ ኣብ መንጎ ሰባት እናነበርካ፡ ክፍታሕ ዘለዎ ሓባራዊ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ ጸገማት ድማ እናሃለወ ናይ ካልእ ሓሳብ ክትሰምዕ ፍቃደኛ
- Details
- Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
- Hits: 1080
ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ፡ እዚ ከኣ ብፍላይ ምስ’ቲ ሰውራ ኤርትራ ዝመጽኣሉ ብሓፈሻ፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነትን ሓርነትን ኣብ ወተሃደራዊ መደይ ምስ ዝነበሮም ትብዓትን ተወፋይነትን መንጽር ክረአን ክምዘንን እንከሎ፡ ኣዝዩ ዝገርም፡ ኣዝዩ ድማ ዘሕፍር’ዩ። ካብ ሰባዊ ኣተሓሳስባ ናብ እንስሳዊ ኣተሓሳስባ ዝወረደ ውድቀት’ዩ። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ካልእ ሃገር ዘይተራእየ ናይ ኣተሓሳስባን ጉልበትን ባርነት ድማ’ዩ ኣብ ዝብል ምስ በጻሕና’ዩ ተቛሪጹ ነይሩ። መቐጸልታኡን ናይ መወዳእታን ክፋሉ ድማ እነሆ። ሰናይ ንባብ!
Read more: ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስብ እንስሳ ጥራሕ’ዩ። ሳልሳይ ናይ መወዳእታ ክፋል
- Details
- Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
- Hits: 1067
ንመዘኻኸሪ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ፡ ማእከሉ ናይ ውልቀ ሰብ ስምን ዝናን ምቅንጃው’ዩ። ከይደ እንተኢሉ ከኣ ጉጅላዊ ረብሓ ብዘምጽእ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስያውን ኣተሓሳስባ ዝተቓነይ’ዩ። ተግባሩ ድማ ፋሽሽታዊ’ዩ። እኩብ ድምር ናይ ዘይህዝባውነቱ፡ ዘይሕጋውነቱ፡ ፋሽሽታዊ ተግባሩን መግለጺ ድማ፡ ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስብ እንስሳዊ ባህሪኡ’ዩ ኣብ ዝብል ኢና በጺሕና ነይርና። ካልእ ክፋሉ እነሆ፡-
እዚ ናይ ጥፍኣት ዕስለ፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ብኢደ ወነኑ ተቖጻጺሩ ዘሎ ሓይሊ ከም ምዃኑ መጠን፡ ከም ህዝዝብን ሃገርን ብሓላፍነት ናይ ምምራሕ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎ ገይሩ’ዩ ገዛእ ርእሱ ዝኣምንን
- Details
- Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
- Hits: 1045
እንሳሳ ከም ህይወት ዘለዎ ፍጡር መጠን፡ ክበልዕ ክሰቲ ኣለዎ። ክበልዕ ክሰቲ ድማ፡ ከከም ተፈጥሮኡ ዝዓደሎ፡ ናብ ሳዕሪ፡ ፍረታትን ስጋን ዝረከበሉ ክኸይድ፡ ኣብ በዓቲ ጉድጓድ ድዩ ጫካ ድማ ክሰፍር ኣለዎ።
- Details
- Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
- Hits: 1045
ኣብ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር መንግስቲ ዘድልየሉ ምኽንያት፡ ቀዳማይ፡ ዜጋታት ብዘይ ዝኾነ ራዕድን ስኽፍታን ካብ ናብ ዝንቀሳቐስሉ፣ ሓሳቦም ዝለዋወጥሉ፣ ዘፍርይሉ፡ ናይ ፍርያቶም ወነንትን ተጠቀምትን ዝኾንሉ፣ ብነጻነት ወፊሮም ናብ ቤቶም ብሰላም ዝምለስሉ ውሕስነት ንምርግጋጽ’ዩ። ካልኣይ፡ ኣብ ሃገራዊ ሓበራዊ ፖለቲካዊ ጉዳዮም ይምልከተኒ ይግባኣኒ’ዩ
- Details
- Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
- Hits: 1071
ምልኪ ብመሰረቱ ናይ ፍትሓውያን ምዕቡላት ኣተሓሳስባ ኣይኮነን። መላኺ ብውልቀ ሰባት ይንጸባረቕ፡ ብደረጃ ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን መንግስቲ፡ ኣብ ኣካላዊ ግዝፊ ጥራሕ’ዩ ዝተኣማመን። ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት፣ ማሕበራዊ ክፍልታት፣ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ መንግስታት ዝለዓል መሰረታዊ ድዩ ዘይመሰረታዊ ናይ ርእይቶን ረብሓን ፍልልያት፡ ብመጠን ኣካላዊ ግዝፉ፣ ብዝሒ ሰራዊቱ፣ ዓይነትን ብዝሕን ዝውንኖ ኣጽዋር ኲናት፣ ዝውንኖ ነገራዊ ሃብቲ …ወዘተ ጥራሕ ዝልክዕ፡
Read more: ካብ ምልኪ ናብ ደሞክራስ ንምስግጋር፡ ኣካላዊ ዘይኮነ ናይ ሓሳብ ልዕልነት ይረጋገጽ፡-