ኣካላዊ ምትእኽኻብ ወጊድ ኢልና፡ ሓሳብ ነመንጩ፡ ብሓሳብ ንካታዕ፡ ኣብ ሓሳብ ንወደብ፡-
ኣጋጢሙና ዘሎ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስቅያት ብጌጋ ወይ ብመርገም ዝመጽአ ኣይኮነን። ኮነ ኢልካ ብዕላማ ብውጥን ብመደብ ዝተታሕዘ ጉዳይ’ዩ። እዚ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኣምበርኪኽካ ንምግዛእ ማእከላይ ዕላማኡ ዝገበረ ድሑርን ኣዕናውን ኣረኣእያ’ዚ ብዋዛ ፈዛዛ ከም ዘይሰርሕ’ውን ክፍለጥ ይግባእ። ዕለታዊ ምንቅስቓስ ዜጋታት ዝቆጻጸረሉ ሰንሰለት ኣለዎ።
Read more: ኣካላዊ ምትእኽኻብ ወጊድ ኢልና፡ ሓሳብ ነመንጩ፡ ብሓሳብ ንካታዕ፡ ኣብ ሓሳብ ንወደብ፡-
ኣብዚ ደቂስካ ትሐዊ ዶ‘‘መመኽነይታ ሪኺቦም ነጋዶ‘‘
ኣብዚ ደቂስካ ትሐዊ ዶ‘‘መመኽነይታ ሪኺቦም ነጋዶ‘‘ ሆስፒታል ግራር ባጽዕ‘‘ትካል ናይ ጃንዳ ህግደፍ ከይኮነ‘‘ ነዚ ሆስፒታል ዘይፈልጦ እንተሎ‘‘እቶም ንፈልጦ ክንገልጾ‘‘ የፍራሐካ ነሩ ንኽትረግጾ‘‘ያኣክል ምትላል‘‘ናብ ህዝቢ ዘይውዕ ገንዘብ ሐግዙና ምባል።
ምንቅስቓስ ይኣክል ቁልፊ ዘይብሉ ስረ ከይከውን?
ብብዙሕ መስዋእትን መስተንክራዊ ጽንዓትን ተጸዋርነትን ህዝብታት ኤርትራ ተሓንጊሩ፡ ንመግዛእታዊ ሰራዊት ደርግ ኣብ ምውጋድ መሪሓዊ ተራ ዝነበሮ፡ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ( ናይ ሎሚ መሪሕነት ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን) ካብ ግዳማዊ መግዛእቲ ዝኸፍአ ዓፋኒ፡ ቀታሊ፡ ኣድላዊ፡ ዘማትን ከፋፋልን ዘቤታዊ ጸላኢ ከም ዝኸውን ንውሑዳት ርሑቕ ኣመቲ ተንተንቲ ፖለቲካ ስውር ኣይነበረን።
ካብ ኣካላዊ ሓድነት ንርሓቕ፡ ብናይ ሓሳብ ሓድነት ንጠመር።
ኣብ ዝኾነ ሓባራዊ ጉዳይ ካብ ብተናጸል ብሓባር ከተድምጸሉ፡ መደብ ኣውጺእካ ክትወፍረሉ እንከለኻ’ዩ ኣድማዒ ውጽኢት ዘምጽእ። ዋላ ምሉእ ንምሉእ ኣበር ዘይብሉ ቅቡልን ሃናጽን ሓሳብ ይኹን፡ ብግቡእ ዘይተወደበ ዝተበታተነ ኣብ ውልቀታት ዝተታሓዛ ርእይቶ ከምቲ ዝድለ ኣየድምዕን ኣየስምዕን።
ቅድሚ ኩሉ ዝተዘርገ ውሽጣዊ ሓድነትናን ፖለቲካዊ ኣረኣእያናን ንሓክም።
ህዝባዊ ልኡላውነትና ከየውሓስና፡ ሃገራዊ (ግዝኣታዊ) ልኡላውነትና ከነኽብር ኣይንኽእልን። ህዝባዊ ልኡላውነትና ነውሕሰሉ ፍቱን መንገዲ ከኣ ካብ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ሓራ ብምዃን’ዩ። ህዝባዊ ኣረኣእያን ህዝባዊ ውግንና ወኒንካ፡ ኣንጻር ድሑር ትምክሕቲ፡ ጽበትን በለጽን ፊት ንፊት ደው ምባል’ዩ።
ካብ መከራ ንመሃር፡ ምኽሪ ለባማት ድማ ንስማዕ
ቅኑዕ ሕልና ዘለዎ ወዲ-ሰብ ኣብ ህይወቱ ሕማቕ ነገር ከጋጥሞ፡ ክፉእ ክርእን ክሰምዕን ኣይደልን። ንካልኦት’ውን ክፉእ ከጋጥሞም ኣይሰርሕን ኣይምነና ድማ። እዚ ግን ብቕንዕና ዝተዓጀበ ድሌት’ዩ። ስለምንታይ’ሲ ህይወት ብሰናይ ድሌት ጥራሕ ኣይትምራሕን። ድሌት ምስ ክውንነት ተዛሚዱን ተወሃሂዱን’ዩ ክኸይድ ዘለዎ። ክትሕጎስ ስለ ዝደለኻ፡ ኩሉ ግዜ ሕጉስ ክትከውን ኣይትኽእልን። ዓወት ደሌኻ ኩሉ ግዜ ዕውት ክትከውን ኣይትኽእልን።
መሽሮ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ ኢሰያስ ኣማሳሚሱ‘‘
መሽሮ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ ኢሰያስ ኣማሳሚሱ‘‘ ከም ባድመ‘‘ ንዓሰብ ከረክበኩም ሐሲቡ‘‘ሐሳቡ መዓስ ሰሚሩሉ‘‘ ጀጋኑ ምክልኻል ሐይልታት‘‘ጅግና ወዲ ዓሊ ሕጃይን‘‘ ብጾቱን ምስ ኣትከሉ‘‘ሽዑ እዩ ዕላማ ክልተ ጎራሐት ተበሊሉ።
ፍልልይ ኣብ ዘይብሉ ሓድነት ኣይጥለብን፡ ሓድነት ከኣ ካብ ፍልልይ ዝውለድ።
ሓደ ሰብ ብኣካልን ብሓሳብን ሓደ ስለዝኾነ ሓድነት ክገብር ኣይሕተትን። ሓንቲ ስድራ ቤት ግን ዝተፈላለየ ርእይቶታት ዘለዎም ሰባት ዝሓቖፈት ስለ ዝኾነት ውሽጣዊ ውህደትን ሓድነት የድሊያ። ኣብ ኣባላት’ታ ስድራ ዝለዓል በበይኑ ሓሳባት፡ ብሰላም ብልዝብ ብምቅብባል እናፈትሐት ውሽጣዊ ሓድነታ ዓቂባ ክትነብር ዘዋጽእ ምዃኑ ክትምከር ኣብ ቦትኡ’ዩ።