democrasia.org

  • ደሞክራሲያ
  • እዋናዊ ዜና
    • ርእሰ ዓንቀጽ
    • ዜና ትግርኛ
    • الأخبار العربية
    • News English/Deutsch
    • ቪድዮ Video فيديو
    • ካሪካቱር Caricatur
  • እዋናዊ ዓንቀጽ
    • ሓተታ
    • ግጥሚ
    • ርእይቶ
    • ቃለ መጠይቕ
    • መልእኽቲ
  • መግለጽታት
    • ጋዜጣዊ መግለጺ
    • ሓበሬታ
    • ቆጸራታት
    • ቃል ሓዘን
  • መራኸቢ ብዙኃን
    • መርበብ Web links
    • ራድዮታት
      • ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን
    • መጽሔታት
      • ህዝባዊ ደሞክራሲ
  • “የለኻን ንዝበለካ ኣይተፈጠርካን በሎ”
  • ርዝነት ፖለቲካ፡ ብህዝባውነት፣ ፍትሓውነት፣ መትከላዊ ጽንዓት፣ ተወፋይነት’ዩ ዝስፈር።
  • ናባና እተዉ እምበር ሓቢርናን ተዳጋጊፍናን ንቃለስ ዘይብል እምነት ናበይ ዘምርሕዩ !
  • ሕሉፋት ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምፍጻሞም ሓቂ ሎሚ ምስ’ቶም ናይ ሽዑ ገበነኛታት ደቆምን ደቂ-ደቆምን ተመሓዚኻ ህዝቢ ምጽናትከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?
  • Tel Aviv – Eritrean regime plans a ‘festival’ on Saturday – despite warnings of clashes
  • Three key points about the Gabon coup
  • Disguised as cultural festivals: Eritrean government spreads war propaganda with Kalashnikovs and calls for genocide
  • መሪሕ ቀላሲ ፖለቲካን ተባዕ ናይ ተግባር ሓይልን ይናበቡ ይተሓባበሩ
  • ፋሽሽትነት ገበን ‘ምበር ጀግንነት ኮይኑ ኣይፈልጥን
  • ዝተረደኦን ዝተወደኦን’ዩ

ኤርትራውያን ዘንድድ ዘሎ ፖለቲካዊ እቶን፡ መሰረቱ ውሽጣዊ ‘ምበር ግዳማዊ ኣይኮነን።

Details
Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
Published: 22 May 2019
Hits: 1261

ክብረት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ይገሃስ ኣሎ። ኤርትራዊ ይጽረፍ፣ ይህረም፣ ይጭወ፣ ይደሚ፣ ይቕተል፣ ንብረቱ ይራሰ ይዋረድ ኣሎ። ነዚ ዓይነተ ብዙሕ በደላት’ዚ ዝፍጽም ዘሎ ከኣ ኤርትራዊ’ዩ። ዘስካሕክሕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፍጸመሉ ዘሎ ሃገርን ቦታን’ውን ኣብ ካልእ ዘይኮነስ ኣብ ኤርትራ’ዩ።

Read more: ኤርትራውያን ዘንድድ ዘሎ ፖለቲካዊ እቶን፡ መሰረቱ ውሽጣዊ ‘ምበር ግዳማዊ ኣይኮነን።

ናተይ ጥራሕ ተቐበሉ፡ ካብ ውድቀቱ ዘይመሃር ክፉእ ሕማም ገለ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፡

Details
Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
Published: 19 May 2019
Hits: 1160

ዝሰርሕ ሰብ ይዕንቀፍ ይጋገ’ዩ። ተመራመርቲ፡ ሰባት ስለ ዝኾኑ ይጋገዩ’ዮም። መራሕቲ ሃይማኖት ጉድለት ይፍጽሙ’ዮም። ፖለቲከኛታት እንተስ ደርባዊ ፖለቲካዊ ባህሪኦም ኣገዲድዎም ስሱዓት በሓቲ ኮይኖም ወይ ድማ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓትን ሓጺርዎም፡ ካብ መስመር ሓቂ ወጻኢ ክኹብልሉ ክሃሉ ይረኣዩ ‘ዮም …..ወዘተ። እዚ ጎደሎ ኣልቦ ምሉእ ዝበሃል ፍልጠት ኮነ ጉልበት ዝወነነ ሰብ ከምዘየለ፡ ብወዲ ሰብ ማለት ተመራመርቲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ፖለቲከኛታት ዝግበር ንጥፈታት፡ ካብ ዝሓለፈ ውድቀት እናተማህረ፡ እርማት እናገበረ፡ ሓደ ካብ’ቲ ካልእ እናወሰደ እናተመጋገበ ዝምርሽ ምዃኑ የርእየና።

Read more: ናተይ ጥራሕ ተቐበሉ፡ ካብ ውድቀቱ ዘይመሃር ክፉእ ሕማም ገለ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፡

ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ጭቆና ዝጠንቁ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅልውላው ንምውጋድ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ተባዕ ውሳኔን፡-

Details
Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
Published: 19 May 2019
Hits: 1155

ኣብ ኤርትራ ሎሚ ብዓይኑ ሪእዩ ንዝረኣዮ እወ ሪአ ኢሉ ክዛረብ ዘይኽእል፡ ሓሙቱ ብህግደፋዊ ራዕዲ ዝፈሰሰ ኤርትራዊ እንተዘይኮይኑ፡ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅልውላው፡ ንኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንፖለቲካ ኤርትራ ብቐረባ ንዝከታተል ግዳማዊ ተዓዛቢ ብሩህ ከም ጸሓይ ቀትሪ’ዩ። ህዝብታት ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ምጽብባቕ ዘረባን ምግናን ኣብ ከቢድ ቅልውላው’ዮም ዝርከቡ ዘለው።

Read more: ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ጭቆና ዝጠንቁ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቅልውላው ንምውጋድ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ተባዕ ውሳኔን፡-

ኤርትራውያን፡ ናይ ሓባር ቃንዛ ስለዘለና፡ ሓቢርና ንሰጉም ሕሰም ጸላኢና ከኸትም

Details
Written by: ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት
Published: 19 May 2019
Hits: 1110

ሓደ ካብቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ፍጥር ካብ ዝብል፡ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕን ፍትሒ ንዝጠለቡ ዜጋታት ንምጭፍላቅን ክጥቀመሉ ዝጸንሐን ገና ዝቅጽሎ ዘሎን ርኹስን ኣዕናውን ሜላ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምልሕላሕን ሓው ንሓው ፈላሊኻ ምግዛእን’ዩ። ኣብ ታሪኽ፡ ኩሉም ገዛእቲ ሓይልታት፡ ንህዝቢ ፈላሊኻ ምግዛእ ቀንዲ መሳርሒቶም’ኳ እንተኾነት፡ ናይ ስርዓት ህግደፍ ሜላ ፈላሊኻ ምግዛእ ግን፡ ክሳብ ኣብ ውሽጢ ሰብ ሓዳር፡ ኣሕዋት፡ ውሉድን ወላድን፡ ትኽ ትንፋስ ኣዕሩኽን፡ ምትእምማን ከምዘይህሉን ከብድን ሕቆን ከምዝኾኑን’ዩ።

Read more: ኤርትራውያን፡ ናይ ሓባር ቃንዛ ስለዘለና፡ ሓቢርና ንሰጉም ሕሰም ጸላኢና ከኸትም

ኣብ ዋዕለ ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ለስተርን ከባቢኣን ዝቐረበ

Details
Written by: ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኤል
Published: 19 May 2019
Hits: 1085

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዝተፈቶኹም ደቂ ሃገረይ

ኣብዚ ተረኺብና ዘሎና ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ንምዝታይ ኢዩ። ሃገርና ኤርትራ ካብ ኩሉ ጊዜ ንላዕሊ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኢያ ትርከብ ዘላ። እዚ ኩልና ንግንዘቦ ሓቂ እኳ እንተዀነ መበገሲ ክኾነና ገለ ንጥብታት ኣልዒለ ክዛረብ ኢየ።

Read more: ኣብ ዋዕለ ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ለስተርን ከባቢኣን ዝቐረበ

ብግቡእ ዘይተቓነየ ክራር ኣየሳዕስዕን፣ ኣንፈቱ ዘይተነጸረ ፖለቲካ ኣየዕወትን።

Details
Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
Published: 12 May 2019
Hits: 1066

ኩሉ ነገር ዕውት ክኸውን ወይ ዘዕግብ ፍረ ክህብ እንተደኣ ኮይኑ፡ ብኸመይ ዝበለ መስርሕ ሓሊፉ ኣበይ ክበጽሕ’ዩ ብሃታሃታ ዘይኮነ ብኣፍልጦ ክተሓዝ ኣለዎ። ካብ መጀመርያኡ ብመጽናዕቲ ብኣፍልጦ ብውጥን እንተተ ታሒዙ፡ ዋላ መስዋእቲ ይብዘሓዮ ዕለተ ዓወት’ውን ይንዋሕ ውጽኢቱ ዝመቀረ ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርን።

Read more: ብግቡእ ዘይተቓነየ ክራር ኣየሳዕስዕን፣ ኣንፈቱ ዘይተነጸረ ፖለቲካ ኣየዕወትን።

ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ዓፈና ንምውጋድ፡ ህዝባዊ ራእይ ዝወነነ ውደባ ፈጢርና ንረባረብ፡-

Details
Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
Published: 12 May 2019
Hits: 1138

ኣነ ፖለቲካ ኣይፈቱን ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ ድማ ኣይደልን ዝብሉ ሰባት ከም ዘለው ከይዘንጋዕና፡ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጡር ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ካብ ፖለቲካ ወጻኢ ከምዘይኮነ ምቕባል ዘይስገር ሓቂ’ዩ።

Read more: ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ዓፈና ንምውጋድ፡ ህዝባዊ ራእይ ዝወነነ ውደባ ፈጢርና ንረባረብ፡-

ነጻነት ንምምጻእ ህይወት ዝኸፈለ ህዝቢ፡ ዕለተ ነጻነት ንምኽባር ገንዘብ ክኽፈል ምስግዳድ ገበን’ዩ።

Details
Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
Published: 12 May 2019
Hits: 1141

ኣብ’ዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ናተይ ትብላ ሃገር ዘይምህላው፡ ግቡእ ሰብኣዊ ክብሪ ምስኣን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መንነት ኣልቦ ምዃን’ዩ። መበገስን መዕረፍን ዘይብሉ ተንሳፋፊ ህይወት ምንባር’ዩ።

Read more: ነጻነት ንምምጻእ ህይወት ዝኸፈለ ህዝቢ፡ ዕለተ ነጻነት ንምኽባር ገንዘብ ክኽፈል ምስግዳድ ገበን’ዩ።

  1. ዘላቒ ሰላም ኣብ ፍትሒ ደኣምበር ኣብ ገንዘባውን ነገራውን ደገፍ ኣይስረትን
  2. ሱዳን ኣብ ተመሳቓሊ ጎደና፡ ሰለስተ ተኸታተልቲ ፕረሲደንታት፡ ኣብ ሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት
  3. ንሃገራዊ ዕርቀ-ሰላም ዝጽውዕ – ሃዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ
  4. መራሕቲ ሃይማኖት፡ ደቂ-ህዝብን መራሕቲ ህዝብን’ዮም ምዃኖም ዘረጋግጸ መልእኽቲ።

Page 10 of 12

  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
Designed by atict.com